ጣሊባን፡ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ከይመሃራ ከልኪሉ

ምሩቓት ደቂኣንስትዮ ተምሃሮ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ንኣፍጋኒስታን ዝመርሕ ዘሎ ጉጅለ ጣሊባን፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲታት እታ ሃገር ክመሃራ ንዝጸንሓ ደቂ ኣንስትዮ ከምዝኣገደ፡ ካብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዝወጸ ደብዳበ ኣፍሊጡ፡፡

እቲ ክልከላ ቀጻሊ ስጉምቲ ክሳብ ዝውሰድ ከምዝጸንሕ እቲ ሚኒስትሪ ዝሓበረ ኮይኑ፡ ቀልጢፉ ተግባራዊ ከምዝኸውን ይግመት፡፡

ሓድሽ ውሳነ ጣሊባን፡ ነተን ብብዝሒ ካብ ካልኣይ ብርኪ ትምህርቲ ተኸልኪለን ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ኣፍጋኒስታን ስሩዕ ትምህርቲ ናይ ምርካብ ዕድለን ብዝያዳ ዘጽብብ እዩ፡፡

ሓንቲ ቢቢሲ ዘዘራረባ ተምሃሪት ዩኒቨርሲቲ ካቡል፡ ነቲ ዜና ካብ እትሰምዕ ንደሓር ክትበክይ ከምዝቐነየት ገሊጻ፡፡

ቅድሚ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ መላእ እታ ሃገር ብኣሻሓት ዝቑጸራ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ናይ ዩኒቨርሲቲ መእተዊ ፈተና ወሲደን እየን፡፡

ኮይኑ ግና ኣብ ዩኒቨርሲቲ ክመሃረኦ ዝኽእላ ዓውዲ ኣዝዩ ውሱን እዩ። ከም ሕክምና እንስሳት፣ ምህንድስና፣ ስነ ቁጠባን ሕርሻን ዝኣመሰሉ ክመሃራ ዘይፍቀደን ኮይኑ፡ ጋዜጠኝነት እውን ኣዝዩ ውሱን እዩ፡፡

ጣሊባን ናብ ስልጣን ካብ ዝተመለሰሉ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ፡ ዩኒቨርሲቲታት እታ ሃገር ደቂ ተባትዮን ደቂ ኣንስትዮን ኣብ ዝተፈላለየ መመሃሪ ክፍሊታት ክመሃሩ ከምኡ እውን ነናይ ባዕሎም መእተዊ በሪ ክጥቀሙን ገይረን ኣለዋ፡፡

ደቂ ኣንስትዮ ተምሃሮ፡ ብደቂ ኣንስትዮ ወይ ዕድመ ዝደፍኡ ተባዕትዮ መምህራን ጥራሕ እየን ክመሃራ ዝኽእላ፡፡

ነቲ ሐዚ ተነቢሩ ዘሎ ክልከላ ብዝምልከት ቢቢሲ ዘዘራረባ ተምሃሪት ዩኒቨርሲቲ፡ እቲ ምኽንያት እቲ ጉጅለ ኣብ ደቂ ኣንስትዮን ዓቕመንን ካብ ዘለዎ ፍርሒ ዝነቅል ከምዝኾነ ትኣምን፡፡

‘‘ነታ ምስ ሕልመይ ክተራኽበኒ እትኽእል ብሕታዊት ድልድል ኣፍሪሶምዋ’’ ኢላ፡፡

‘‘ተማሂረ መጻእየይ ከምዝቕይር ወይ ህይወተይ ብርሃን ከምዝረክብ ኣሚነ ነይረ፤ ግን ኣዕንዮምዎ’’ ክትብል'ውን ተዛሪባ።

ዓውዲ ትምህርቲ ኣፍጋኒስታን ድሕሪ ምምላስ ጣሊባን ከቢድ ዕንወት ዝበጸሖ ኮይኑ፡ ምውጻእ ሰራዊት ኣመሪካ ስዒቡ ድማ ብዙሓት ምሁራት እታ ሃገር ተሰዲዶም፡፡

ቢቢሲ ዘዘራረባ ካልአይቲ ጓል ኣንስተይቲ ድማ፡ እቲ ጉጅለ ስልጣን ካብ ዝሕዝ ጀሚሩ፡ ትምህርታ ንምቕጻል ብዙሓት ጸገማት ከምዘጋጠምዋ ትገልጽ፡፡

‘‘ምስ ኣሓዋትና፣ ኣቦታትና፣ ማሕበረሰብ ዋላ እውን መንግስቲ ተቓሊስና፤ ትምህርትና ንኽንቅጽል ብከቢድ ኩነታት ሓሊፍና’’ ክትብል ተዛሪባ።

‘‘ሽዑ ብውሑድ ካብ ዩኒቨርሲቲ ክምረቕን ሕልመይ ከዐውትን ይኽእል እየ ብዝብል ሕጉስቲ ነይረ፡፡ ሐዚ ግን ንውሽጠይ ብኸመይ ከእምኖ ይኽእል?’’ ኢላ'ውን ትሓትት።

ደቂኣንስትዮ ኣብ ፅርግያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ካብ ቀረባ ዓመታት ጀሚሩ፡ ቁጠባ ኣፍጋኒስታን ኣብ ናይ ወጻኢ ሓገዝ ተመርኲሱ እዩ ጸኒሑ፡፡ ኮይኑ ግና ጣሊባን ደቂ ኣንስትዮ ናይ ካልኣይ ብርኪ ትምህርቲ ከይከታተላ ምኽልካሉ ስዒቡ፡ ሓገዝቲ ኣካላት ንጽላት ትምህርቲ እታ ሃገር ዝገብርዎ ዝነበሩ ደገፋት ብኽፋል ገሊኦም ድማ ሙሉእ ብሙሉእ ደው ኣቢሎምዎ፡፡

ብዙሓት መምህራን ንኣዋርሕ መሃያ ኣይተኸፈሎምን፡፡

እቲ ሐዚ ተገይሩ ዘሎ ክልከላ ድማ ኣብ ማሕበረሰብ ዓለም ተወሳኺ ሻቕሎት ዝፈጥር እዩ፡፡

ኣመሪካን ካልኦት ሃገራት ምዕራብን፡ እቲ ጉጅለ ኣፍልጦ ክረክብ እንተኾይኑ፡ ኣብ ኣተሓሕዛ ትምህርቲ ደቂ ኣንስትዮ ምምሕያሽ ክገብር፡ ከም ወሳኒ ቅድመ ኩነት ኣቐሚጠነኦ እየን፡፡

ምክትል ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሮበርት ዉድ፡ ነቲ ሓድሽ ክልከላ ኮኒንዎ'ሎ፡፡

‘‘ጣሊባን መሰል ኩሎም ኣፍጋናውያን ክሳብ ዘኽብር፡ ሕጋዊ ቅቡልነት ዘለዎ ኣካል ማሕበረሰብ ዓለም ክኸውን ትጽቢት ክገብር ኣይኽእልን’’ እውን ኢሉ፡፡

ጣሊባን፡ ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር እስላማዊ ሕጊታት ኣይተኸበሩን ብዝብል፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ካቡል ዝነብራ ደቂ ኣንስትዮ ናብ መዘናግዒ ቦታታት ከይኣትዋ ምኽልካሉ ይዝከር፡፡