ጣሊባን፡ ናብ ስልጣን ካብ ዝምለስ ፈላማይ ቅጽዓት ማሕነቕቲ ኣካይዱ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ጉጅለ ጣሊባን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ስልጣን ካብ ዝምለስ ንደሓር፡ ፈላማይ ናይ ኣደባባይ መቕጻዕቲ ማሕነቕቲ ኣካይዱ።
ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ምምሕዳር ፋራህ ኣብ ዝርከብ ናይ ስፖርት ስታድዩም፡ ታጅሚር ዝተባህለ ሰብኣይ ሰብ ምቕታሉ ምስተኣመነ፡ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ከምዝተሰቕለ ኣፈኛ ጣሊባን ኣፍሊጡ።
ኣብቲ ስቕለት ኣዝዮም ብዙሓት መራሕቲን ላዕለዎት ሚኒስተራትን ናይቲ ጕጅለ ተሳቲፎም።
ኵሎም ደያኑ ንሕጊ ሸሪዓ ብጥብቂ ክኽተልዎ ዝተዋህቦም መምርሒ ስዒቡ እዩ እዚ ዝኸውን ዘሎ።
ላዕለዋይ መራሒ ጣሊባን ሃይባቱላህ ኣኩሁንደዝዳ፡ ደያኑ ነቲ ኣብ ኣደባባይ ምሕናቅ፡ ምቝራጽን ብዳርባ እምኒ ምቕታልን ዘጠቓለለ መቕጻዕቲታት ሕጊ ሸሪዓ ክኽተሉ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ እዩ ትእዛዝ ሂቡ።
ይዅን እምበር ን ከመይ ዓይነት ገበን እንታይ መቕጻዕቲ ከም ዝወሃቦ ጣሊባን ብዕሊ ኣይገለጸን።
እዚ ወተሃደራዊ እስላማዊ ጕጅለ ካብቲ ካብ 1996-2001 ቅድሚ ሕጂ ኣብ ስልጣን እንከሎ ዝኽተሎ ዝነበረ ተሪር ኣመራርሓ፡ ዝፈዀሰ ኣገባብ ከምዝጥቀም ቃል ኣትዩ'ኳ እንተነበረ፡ እዚ ብረቡዕ ከም ዝገበርዎ ዝሓበሩ ናይ ምቕታል ስጕምቲ ግን እቲ ጕጅለ ናብቲ ናይ ቀደሙ ሕሉፍ ሕጊ ሸሪዓ ናይ ምኽባር ይምለስ ከም ዘሎ ዘመልክት እዩ።
እዚ ጕጅለ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ግዝኣት ሎገር ካልኦት ዓሰርተታት ሰባት ኣብ ኣደባባይ ረሺኑ'ኳ እንተነበረ፡ ይርሽን ከም ዘሎ ብወግዒ ዝእመን ዘሎ ግን ንፈለማ ግዚኡ እዩ።
ብመስረት ኣፈኛኦም ብዘይካ ቀዳማይ ሚኒስተር ሓሰን እኩድ ኣብቲ መስርሕ ፍርዲ ዝተፈላለዩ ደያኑ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ፡ ኣዘዝቲ ሰራዊትን ሚኒስተር ሚኒስትሪ ፍትሕን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ዝርከብዎም ዝተፈላለዩ ላዕለዎት ሚኒስተራት ከምዝተሳተፉ ሓቢሮም።
እዚ ታጃር ዝተባህለ ውልቀሰብ ተቐማጢ ግዝኣት ሄራት፡ ቅድሚ 5 ዓመት ንሙስጠፋ ዝተባህለ ሰብ ብኻራ ወጊኡ ብምቕታሉን ኣብ ሰለስተ ናይ ጣሊባን ኣብያተ ፍርዲ ብምኽሳሱን መቕጻዕቱ ብሙላህ ኣክሁንዱዛዳ እዩ ጸዲቑ።
እቲ ብይን ቅድሚ ምፍጻሙ ድማ ነቲ ፍጻመ ኵሉ ሰብ ክዕዘቦን ኵሎም ዜጋታት ኣብቲ ሜዳ ስፖርት ክሓብሩን ወግዓዊ ሓበሬታ ተመሓላሊፉ ነይሩ።
ኣደ እቲ ብኻራ ተወጊኡ ዝተቐትለ መዋቲ ን ቢቢሲ፡ “ጣሊባን መጺኦም ንቐታሊ ወደይ ምሕረት ክገብረሉ ብሽም ኣምላኽ ለሚኖምኒ ነይሮም፤ ኣነ ግን ከምታ ንወደይ ትሕቲ መሬት ዘስፈሮ ከምኣ ክቕበር ኣለዎ ኢለ ኣብየዮም።” ወሲኻ፡ “እዚ ንኻልኦት መምሃሪ ክኸውን ኣለዎ። ሎሚ እንተዘረሺንኩሞ ኣብ መጻኢ ካልእ ገበናት ክፍጽም እዩ” ኢለዮም ትብል።
ጣሊባን ኣብቲ ካብ 1996-2001 ኣብ ስልጣን ዝነበሩሉ፡ ኣብ ኣደባባያትን ኣብ ሃገራዊ ስታድዩም ካቡልን ከይተረፈ ኣብ ፓብሊክ መቕጻዕቲ የካይዱ ምንባሮም ብብዙሓት ኣኾኒንዎም እዩ።
እዚ ጕጅለ ነቲ ኣሰቃቒ መድቆስቲ ደቀኣንስትዮ ከምዘይደግምዎ ምሒሎም እኳ እንተነበሩ፡ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጹ ኣትሒዞም ግን ነጻነት ደቀንስትዮ ብኸቢድ ይግህስዎ ኣለዉ። መሰለን ክሕሎ ንዝጠልባ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ድማ ኣደዳ ማህረምቲ እየን ዝዀና።
ኣብዚ እዋን ነዚ ሓድሽ መንግስቲ ኣፍልጦ ዝሃበቶ ዝዀነት ሃገር የላን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







