ንሓምሳ ሚእታዊት ደቂ ኣንስትዮ ዓለምና ዘሳቒ ዘሎ ‘ሲስት’ እንታይ’ዩ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ናይሮቢ ኣርታዒት ቪድዮ ኰይና እትሰርሕ መሊሳ ዋይሪሙ፡ ቀቀልጢፉ ሽንቲ ይመጻ፤ ክትሸይን እንከላ ኸኣ ኣብ ርሕማ ብርቱዕ ናይ ምቅጻል ስምዒት ክስምዓ ጀሚሩ።
እዚ ጥራይ ግን ኣይኰነን፡ ኣብ ሕቘኣ ብርቱዕ ቃንዛ ክስምዓ ጀሚሩ። እቲ ቃንዛ እናበርትዓ ስለዝኸደ ግድን ናብ ሕክምና ክትከይድ ነይርዋ። ናብ ሕክምና ምስ ከደት ዶክተር ረኽሲ ሻንብቈ ሽንቲ [ዩቲኣይ] ከምዘጋጠማ ነጊርዋ።
እዚ ክኸውን እንከሎ መሊሳ ዋይሪሙ ጓል 21 ዓመት’ያ ነይራ።
መሊሳ ዋይሪሙ፡ “ዩቲኣይ ዝበሃል ሕማም ከምዘሎ’ውን ሰሚዐ ኣይፈልጥን’የ” ትብል።
ንሸውዓተ መዓልታት ዝውሰድ መድሃኒት ጸረ-ረኽሲ ተዋሂብዋ፡ ማይ ብብዝሒ ክትሰቲ ከምዘለዋ’ውን ብሓኪማ ተሓቢርዋ።
እንተዀነ እቲ ምልክታትን ቃንዛን ክሓድጋ ኣይክኣለን፡ ሓሓሊፉ እቲ ቃንዛ እናበርትዐ መጺኡ።
እቲ ኣብ ሕቘኣ ዝነበረ ቃንዛ ኣብ ከብዳ’ውን ክስምዓ ጀመረ።
ብርቱዕ ድኻም ይስምዓ፤ እንተዀነ ክትድቅስ ኣይትክእልን። ድቓስ ምስኣን ከኣ ካልእ ድኻም ኣስዒቡላ፤ ኣብ ቅልውላው ጥዕና ተሸመመት።
ብሰንኪ ሕማም ኣብ ስራሕ ብኩራት ኣብዚሓ።
እቶም ኵነታት ጥዕናኣ ዝከታተሉ ዝነበሩ ሰብ ሞያ ጥዕና፡ እቲ ዘጋጠመ ረኽሲ ሻምብቈ ሽንቲ ብሰንኪ ጾታዊ ርክብ ዝሰዓበዩ’ኳ እንተበልዋ፡ ኣብቲ እዋን ዝዀነ ጾታዊ ርክብ ኣይትገብርን’ያ ነይራ፤ ካብዚ ብምብጋስ እቶም ዶክተራት ነቲ ዝሓበረቶም ‘እኹል ኣቓልቦ ኣይሃብዎን’ ብምባል ጽቡቕ ኣይተሰምዓን።
ሓኻይም ሕማማ እዚ ክኸውን ይኽእል’ዩ ብምባል መድሃኒት እናቐያየሩ’ኳ እንተሃብዋ፡ ክትፍወስ ግን ኣይከኣለትን።
መሊሳ ዋይሪሙ፡ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ንኽትሕከም ዝኸደቶም ሽዱሽተ ዶካትር ብዛዕባ ሕማም ዩቲኣይ እኹል ስልጠና ስለዘይወሰዱ ኣፍልጦኦም ድሩት ምዃኑ’ያ ክትርዳእ ክኢላ።
ብድሕሪ እዚ፡ ብዛዕባ እቲ ሕማም ባዕላ ምርምራት ከተካይድን ሓበሬታ ክትእክብን ጀሚራ።
ኣብ ኢንተርነት ብዛዕባ እዚ ሕማም ብዙሕ ሓበሬታ ክትረክብ ክኢላ፣ እዚ ጥራይ ግን ኣይኮነን ተመሳሳሊ ሕማም ምስ ዘለወን ደቂ ኣንስትዮ’ውን ሌላ መስሪታ።
ብዘዕባ ሕማም ዩቲኣይ ዘሎ ሕጽረት ኣፍልጦ ስለዝተገንዘበት ከኣ፡ “ዩቲኣይ ፍሪ” ዝተሰመየ ተጣባቕን ጐስጓስን ማሕበር መስሪታ።
መሊሳ ዋይሪሙ፡ ምልክታት እቲ ሕማም ካብ ዝነበሮ ከይብእስ ኣመጋግባኣ ከተመሓይሽ ጀሚራ። ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመታት ከኣ ነቲ ምልክታት ናይቲ ሕማም ከይብእስ’ኳ ክትቈጻጸሮ እንተኸኣለት ካብቲ ሕማም ግን ምሉእ ብምሉእ ክትሓዊ ኣይክኣለትን።
ልክዕ ከምኣ፡ ናብ ሓካይም ተመላሊሰን ካብ ሕማመን ግን ክፍወሳ ዘይክኣላ ደቂ ኣንስትዮ ማእለያ የብለንን።
ኣብ ሕክምና ዝወሃበን ኣፋውስ ንገሊአን ደኣ ንግዚኡ ካብ ቃንዛ የገላግለን’ምበር ንዝበዝሓ ዝዀነ ፍታሕ ኣየምጽኣለንን።
እቲ ናብ ዝልዓለ ደረጃ ዝበጽሐ ሕማም ዩቲኣይ ብሕክምናዊ መዳይ ክሳብ ሕጂ ፍታሕ ኣይተረኸቦን ዘሎ።
ኣብ ኣሜሪካ ጥራይ ልዕሊ 250 ሽሕ ደቂ ኣንስትዮ በዚ ሕማም ይሳቐያ ኣለዋ።
ብዙሓት እዚ ሕማም ዘለወን ደቂ ኣንስትዮ፡ ሓካይምን ተመራመርትን ንሕማመን ዝኸውን መፍትሒ ብዘይምርካቦም ሕማቕ’ዩ ዝስመዐን፤ እንተዀነ ተስፋ ከይቈረጻ ሕማመን ዝፍወሰሉ መዓልቲ ንኽርእያ ሃርር ይብላ ኣለዋ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
‘ዩቲኣይ’ ብዙሕ ክንርድኦ ዘይከኣልና ሕማም
እዚ ረኽሲ ሻምብቈ ሽንቲ ወይ ዩቲኣይ ገለ ካብ ቀንዲ ምልክታቱ፡
- ኣብ እዋን ሽንቲ ቀጭ ቀጭ ምባል
- ክትሸይን እንከለኻ ብርቱዕ ናይ ምቅጻል ስምዒት ምህላው
- ሃንደበት ክትቈጻጸሮ ከቢድ ዝዀነ ወጥሪ ሽንቲ
- ቀቀልጢፍካ ምሻን
- ደም ዘለዎ ዝመስል ወይ ሕማቕ ጨና ዘለዎ ሽንቲ ምሻን
- ከቢድ ቃንዛ ሕቘ ወይ ከብዲ
- ብርቱዕ ረስኒ ወይ ገብገብ ዘብል ቁሪ ዝኣመሰሉ ስምዒታት እዮም።
ሰብ ሞያ ጥዕና ንረኽሲ ሻምብቈ ሽንቲ ንኽርድኡ ኣብ ኣናጹ’ዮም ምርምራት ዘካይዱ። እንተኾነ ኣናጹ ብተፈጥሮአን ብዙሕ ግዜ ንሕማም ረኽሲ ሻምብቈ ሽንቲ ስለዘይቃልዓ፡ እቶም ሰብ ሞያ ንውጽኢት እቲ መርመራ ኣብ ሕቶ ምልክት’ዮም ዘእትውዎ።
መብዛሕትኡ ግዜ መበገሲ እዚ ሕማም ‘ኢ ኮሊ’ ዝተበሃለ ባክተርያ’ዩ።
እንተዀነ ካልኦት ባክተርያታት’ውን ናብዚ ሕማም ከቓልዑና ይኽእሉ’ዮም፤ ኣብዚ’ውን እቲ ክሳብ ሕጂ ተኻይዱ ዘሎ ምርምር ኣዝዩ ድሩት’ዩ።
ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ዩኒቨርሲቲ ኮሌጅ ዩሮሎጂካል ባዮሎጂ ዳይረክተር ዝዀነት ጀኒፈር ሮን፡ ብዛዕባ’ቶም ዝተፈላለዩ ዓሌታት ባክተርያ ‘ኢ ኮሊ’ እውን ብዙሕ ኣፍልጦ ከምዘየለ’ያ ትሕብር።
ዩቲኣይ ‘ሲስት’፡ ምሕባጥ ፍሕኛ ከምዘኸትል ኣብ ብሪጣንያ ዩኒቨርስቲ ኒውካስል ተመራማሪ ዝዀነ ክሪስ ሃንዲግም ይሕብር።
ብዙሓት ዓይነታት ዩቲኣይ [ረኽሲ ሻምብቈ ሽንቲ] እኳ እንተሃለዉ፡ እቲ ቀንዲ ፍሉጥን ብብዝሒ ዝርአን ግን ‘ሲስት’ ከምዝዀነ ኸኣ እቲ በዓል ሞያ ይሕብር።
ሕማም ዩቲኣይ ንደቂ ኣንስትዮ ብብዝሒ ዘጥቅዕ ዘሎ ሕማም’ዩ።
ኣብ ዓለምና ካብ ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ብውሕዱ እተን 50 ሚእታዊት እንተወሓደ ሓንሳብ በዚ ሕማም እዚ ተጠቒዐን ኣለዋ። ብፍላይ ከኣ ኣብ መንእሰያትን ስጋዊ ርክብ ዝፍጽማ ደቂ ኣንስትዮን እዚ ሕማም ብብዝሒ ከምዝርአ ጄነፈር ሮን ትሕብር።
ካብዚ ብተወሳኺ ስነ ተወርሶ፡ ሆርሞንን ኵነታት ኣካላትን’ውን ናብዚ ሕማም እዚ ንኽትቓላዕ ዓቢ ተራ’ዩ ዘለዎ።
ደቂ ኣንስትዮ ምስ ደቂ ተባዕትዮ ብምንጽጻር፡ ዝሓጸረ ሻምብቈ ሽንቲ ስለዘለወን፡ ባክተርያ ብቐሊሉ ናብ ፍሕኛ ብምብጻሕ ናብዚ ሕማም ከቓልዕወን ይኽእሉ።
ዩቲኣይ፡ ረኽሲ ይዅን እምበር ካብ ሰብ ናብ ሰብ ግን ኣይመሓላለፈን’ዩ። እንተዀነ እቶም ነቲ ሕማም ዘስዕቡ ባክተርያታት ኣብ እዋን ጾታዊ ርክብ ናብ ካልእ ሰብ ክሓልፉ ይኽእሉ’ዮም።
ደቂ ተባዕትዮ ዕድመ ሽምግልና ምስ በጽሑ ብዩቲኣይ ክጥቅዑ ተኽእሎታት ኣሎ።
ሓደ ካብቲ ኣብ መእለዩ ኣረጋውያን ደቂ ተባዕትዮ ብተደጋጋሚ ዝርአ ሕማም ከኣ ዩቲኣይ’ዩ።
ብደረጃ ዓለም ኣብዚ እዋን ልዕሊ 150 ሚልዮን ዝዀኑ ብሕማም ዩቲኣይ ዝተጠቕዑ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ኣለዉ፤ ብፍላይ ኣብ ደቂ ተባዕትዮ፡ ዕድመ እናወሰኹ ኣብ ዝኸድሉ በዚ ሕማም ናይ ምጥቓዕ ዕድሎም እናወሰኸ ከምዝኸይድ ሰብ ሞያ ጥዕና ይሕብሩ።
ሕማም ደቂ ኣንስትዮ ጥራይ ተገይሩ ዝውሰድ ረኽሲ ሻምብቈ ሽንቲ
ሕማም ዩቲኣይ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ስለዝርአ፡ ሰብ ሞያ ጥዕና ከይተረፈ'ውን ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ጥራይ ዝኽሰት ሕማም ገይሮም’ዮም ክርድእዎ ጽኒሖም።
ኣብ መጀመርታ ብዙሕ ዝተሓለላኸ ሕማም ስለዘይምስል፡ ነተን ሕሙማት ብዙሕ ኣቓልቦ ኣይወሃበንን’ዩ፤ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ’ውን ኣብ መጀመርታ ብዙሕ ኣቓልቦ ክህባኦ ኣይርኣያን’የን።
ልክዕ ከም መሊሳ ዋይሪሙ፡ ኣብ 25 ሚእታዊት ካብ ግዳያት እዚ ሕማም፡ እቲ ረኽሲ ናብ ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ሕማምን ቀቀልጢፉ ዝመላለስ ሕማምን ይምዕብል።
ብውሕዱ ኣብ ሽዱሽተ ወርሒ ክልተ ግዜ ወይ ኣብ ዓመት ሰለስተ ግዜ ኸኣ እቲ ረኽሲ ሻምብቈ ሽንቲ ይመላለሰን፤ ንገለአን’ውን ልዕሊኡ ክመላለሰን ይርአ።
ዩቲኣይ ቀልጢፉ እንተተመላሊሱ ኸኣ ክድሕን ናብ ዘይክእለሉ ደረጃ ይበጽሕ።
ገለ ደቂ ኣንስትዮ ንመዋእለን ምስዚ ሕማም ዝነብራ ኣለዋ። እንተዀነ ብዛዕባ እቲ ሕማም ኣኹል ኣፍልጦ ስለዘይጸንሐ ኣቓልቦ ክወሃበን ኣይጸንሐን።

ምንጪ ስእሊ, Alamy
ዩቲኣይ ንምፍላጥ ዝካየድ ዓይነት መርመራ
ዋላ እቲ ቀሊል ዝበሃል ዓይነት ዩቲኣይ፡ መብዛሕትኡ ብመርመራ ኣይፍለጥን’ዩ።
ዩቲኣይ ንምፍላጥ እቲ ልሙድ ዝዀነ መርመራ ብሽንትን ከምኡ ኸኣ ‘ዩሪን ካልቸር’ ተባሂሉ ብዝፍለጥ ዓይነት መርመራ’ዩ ዝካየድ።
እዚ ዓይነት መርመራ ግን ነቲ ሕማም ንምፍላጥ ምሉእ ብምሉእ ዘተኣማምን ኣይኮነን።
ዩቲኣይን ዝዀነ ካልእ ሕማም ዘስዕቡ ተሃዋስያን ንምፍላጥ ዝካየድ ሓድሽ ‘ሞለኲላር’ ዝበሃል ዓይነት መርመራ ውጽኢታዊ’ኳ እንተዀነ ኣዝዩ ክቡር’ዩ።
‘ዩሪን ካልቸር’ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዓይነት መርመራ፡ ካብ ቅምሶ ሽንቲ ዝተወሰዱ ባክተርያታት ኣዕቢኻ ዝካየድ መርመራ ኰይኑ፡ እዚ መርመራ ኣብ 1950ታት ሕማም ኵሊት ንዘለወን ነፍሰ ጾራት ንምምርማር ዝማዕበለ’ዩ።
ስለዚ እቲ ዓይነት መርመራ’ውን ግዜ ዘሕለፈ’ዩ።
ግዜ ዝሓለፎ ትምህርቲ
ልክዕ ከምቲ ነዚ ሕማም ንምፍላጥ ግዜ ዝሓለፎ ዓይነት መርመራ ዝካየድ ዘሎ፡ እቲ ብዛዕባ እዚ ሕማም ዝወሃብ ትምህርቲ’ውን ግዜ ዝሓለፎ’ዩ።
ሃሪዲን፡ ሕክምና ክምሃር እንከሎ፡ ፍሕኛ ደቂ ሰባት ካብ ባክተርያ ነጻ ምዃኑ’ዩ ተማሂሩ።
እዚ ብዙሓት ሓካይም ክሳብ ሕጂ ዝኣምንሉ ግጉይ ዝዀነ መደምደምታ፡ ባክተርያታት ከመይ ገይሮም’ዮም ናብ ፍሕኛ ኣትዮም ዝብል ገና ዘይተመለሰ ግድል’ዩ ኰይኑ ዘሎ።
ብዛዕባ እቶም ኣብ ፍሕኛ ዝርከቡ ባክተርያታት እኹል ኣፍልጦ ስለዘየሎ ግን፡ ሃሪዲን ንተመሃሮኡ ፍሕኛን ሽንትን ካብ ባክተርያ ነጻ ምዃኑ’ዩ ዝምህሮም ዘሎ።
ተመራመርቲ ብዛዕባ ዩቲኣይ ዘለዎም ኣፍልጦ ድሩት ምዃኑ’ኳ ዝፈልጡ እንተዀኑ፡ እቲ ክሳብ ሕጂ ክካየድ ዝጸንሐ ኣገባብ መርመራን ዝወሃብ ዓይነት ትምህርትን ክቕጽል ከምዘይብሉ ዳይረክተር ጐስጓስ ረኽሲ ሕማማት ሻምብቈ ሽንቲ ካሮሊን ኣንድሪው ትሕብር።
እታ ክኢላ፡ ሱር ዝሰደደ ረኽሲ ሻምበቈ ሽንትን ተደጋጋሚ ዩቲኣይን ንምፍላጥ ዝያዳ ኣብቶም ምልክታት ምርኵስ ጌርካ ክስራሕ ከምዘለዎ ትምሕጸን።
ሮን ሕማም ዩቲኣይ ሕማም ደቂ ኣንስትዮ ተባሂሉ ጥራይ ክውሰድ ስለዝጸንሐ፡ ብዙሕ ኣቓልቦ ከምዘይተወሃቦ ብምረት ትዛረብ።
“ሕማም ደቂ ኣንስትዮ ይዅን ኣይዅን ምልክታት ዘለዎ ኣሻቓሊ ሕማም ክሳብ ዝዀነ እዅል ኣቓልቦ ክውሃቦ ኣለዎ” ትብል ሮን።
ዩቲኣይ ልክዕ ከምቶም ካልኦት ሕማምት ቐታሊ ብዘይምዃኑ፡ ካብ ዝምልከቶም ኣካላት ብዛዕባኡ ምርምራት ንምግባር ገንዘባዊ ደገፋት ኣይተገበረሉን።
ዩቲኣይ ንሕማም ኵሊትን ካልኦት ሕማማትን መበገሲ ብምዃን ሞት ከስዕብ ዝኽእል'ኳ እንተዀነ ኣተኵሮ ዝተነፍጐ ሕማም ኰይኑ ግን ይቅጽል ኣሎ።
ሮን፡ “እዚ ብባክተርያ ዝስዕብ ረኽሲ ግቡእ ሕክምናን ምርምራትን እንተዘይተገይርሉ ማዕረ ክንደይ ሓደገኛ ምዃኑ ብዙሓት ኣይተገንዘብዎን ኣለዉ” ትብል።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ጸገም ጸረ ተሃዋስያን [ኣንቲባዮቲክ]
እተን ዕድለኛታት ኰይነን ሕማመን ዩቲኣይ ምዃኑ ዝተፈለጠለን ደቂ ኣንስትዮ’ውን እንተዀና ወጻኢታት ሕክምና እዚ ሕማም ከቢድ ስለዝዀነ ብዓቕመን ክሕከማ ይጽገማ’የን።
ብፍላይ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዩቲኣይ ንዝሓመማ ደቂ ኣንስትዮ ንሰለስተ መዓልታት ጥራይ’ዩ መድሃኒት ዝወሃበን፤ ነቶም ኣብ ዝልዓለ ደረጃ ዝበጽሐ ዩቲኣይ ዘለዎም ደቂ ተባዕትዮ ኸኣ ንሸውዓተ መዓልታት ጥራይ’ዩ መድሃኒት ዝወሃቦም።
እዚ ኣብ መንጐ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ዝርአ ፍልልይ ንገለ ደቂ ኣንስትዮ ተስፋ ዝቝርጽ’ዩ ኰይኑወን ዘሎ።
ሮን፡ እቲ ንደቂ ኣንስትዮ ንሰለስተ መዓልታት ጥራይ ዝወሃበን መድሃኒት ጸረ-ተሃዋስያን እኹል ከምዘይኰነ’ያ ትኣምን።
ብቐንዱ እቲ መድሃኒት ንሰለስተ መዓልታት ጥራይ ክወሃብ ዝተወሰነሉ፡ እቶም ተሃዋስያን ነቲ መድሃኒት ናይ ምጽዋር ዓቕሚ ነኸየጥርዩ ተባሂሉ ተሓሲቡ ዝተገበረ’ኳ እንተዀነ፡ ነተን በቲ ሕማም ዝሳቐያ ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ግምት ዘየእተወ ከምዝዀነ’ያ ሮን ትማጐት።
እቲ ዩቲኣይ ኣብ ሓንቲ ጓል ኣንስትይቲ ብተደጋጋሚ ዝመጽእን ዝርአን እንተዀይኑ እቲ መድሃኒት ጸረ ተሃዋስያን ንብዙሕ መዓልታት ክወሃብ ከምዘለዎ ኸኣ ሮን ትሕብር።
ኣብ መጻኢ ዘሎ ተስፋታት
ብዛዕባ ዩቲኣይ ሳይንሳዊ ኣፍልጦ ንምዕማቝን ብዛዕባ ኣመራምራኡን ኣተሓኻኽማኡን ንምምሕያሻትን ብዙሓት ጻዕርታት ይካየዱ ኣለዉ።
ነቲ ሕማም ብጸረ ተሃዋስያን ንምፍዋስ ዝካየድ ዘሎ ኣገባብ ኣተሓኻኽማ ንምምሕያሻት’ውን ተደጋጋሚ ምርምራዊ ፈተነታት ይካየድ ኣሎ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣፍራዪ መድሃኒት ዝዀነ ጂኤስኬ ብኣፍ ዝውሰድ ጸረ ተሃዋስያን ዝገበሮ መርመራ ተስፋ ዝህብ ውጽኢት ተረኺብዎ ኣሎ።
እቲ መድሃኒት ፍቓድ እንተረኺቡ ኸኣ ድሕሪ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝተኻየደ ፈተነታት፡ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝርከብ ዩቲኣይ ንምሕካም ዝተፈቐደሉ ናይ መጀመርታ ብኣፍ ዝውሰድ መድሃኒት ኰይኑ ክምዝገብ’ዩ።
ካልእ ብርሕሚ ዝኣቱ፡ ናይ ‘ኤስትሮጅን ሆርሞን’ ነዚ ሕማም ንምፍዋስ ጽቡቕ ተቐባልነት ረኺቡ ዘሎ ክኸውን እንከሎ፡ ክታበት ጸረ ዩቲኣይ ንምምዕባል ዝሰርሓ ዘለዋ ትካላት’ውን ጽቡቕ ውጽኢት ኣብ ምምዝጋብ ይርከባ።
ዝበዝሐ ካብዚ ምርመራት ኣብ ኣናጹ’ዩ ክፍተን ጸኒሑ፤ ሮንን መሳርሕታን ግን ፍሕኛ ወዲ ሰብ ብሰለስተ ጐድናዊ [3D] ኣማዕቢሎም ምርመራቶም የካይዱ ኣለዉ። በዚ ኸኣ መድሃኒት እዚ ሕማም ኣብ ቀረባ ግዜ ከምዝርከብ ዓቢ ተስፋ ኣሕዲሩ ኣሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







