ዓለምለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ 2023፡ ስለምንታይ በብዓመቱ ይኽበር?

ዓለምለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ በብዓመቱ ይኽበር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ዓለምለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ በብዓመቱ ይኽበር

ብዛዕባ ዓለምለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ክንደይ ዝኣክል ትፈልጡ?

እንታይ እዩ? መዓስ እዩ ዝኸበር? ዓለምለኸ መዓልቲ ደቂ ተባዕትዮኸ ኣሎ ድዩ? ሎሚ ዓመትከ ብኸመይ እዩ ክኽበር?

ንልዕሊ ሓደ ዘመን ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ሰባት ን8 መጋቢት ከም ፍልይቲ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ከብዕሉ ጸኒሖም እዮም።

ስለምንታይ?

ብኸመይ ተጀሚሩ?

ክላራ ዘትኪን ኣብ 1910 ዓለምለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ መስሪታ

ምንጪ ስእሊ, CORBIS / HULTON DEUTSCH

መግለጺ ስእሊ, ክላራ ዘትኪን ኣብ 1910 ዓለምለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ መስሪታ

ብሓጺሩ IWD (ኣይ-ደብልዩ-ዲ) ብዝብል ዝፍለጥ ዓለምለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ፡ ብምንቅስቓስ ሰራሕተኛታት ተጀሚሩ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍልጦ ክወሃቦ ዝኸኣለ ዓመታዊ ፍጻመ እዩ።

እቲ ምንቅስቓስ ሰራሕተኛታት ኣብ 1908 ተጀመሩ፤ ኣብቲ እዋን ሓጺር ናይ ስራሕ ሰዓታት፡ ዝሓሸ ደሞዝን መሰል ምምራጽን ዝጠልባ 15 ሽሕ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ከተማ ኒውዮርክ ሰልፊ ኣካይደን።

ድሕሪ ሓደ ዓመት ሶሻሊስት ፓርቲ ኣመሪካ ንፈለማ እዋን ሃገራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣዊጁ።

ዓለምለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ዝብል ሓሳብ ዘምጽአት ክላራ ዘትኪን ዝተባህለት ኮሚኒስት ተቓላሲትን ተጣባቒት መሰል ደቂ ኣንስትዮን እያ።

ንሳ፡ ኣብ 1910 ኣብ ኮፐንሃገን ኣብ ዝተኻየደ ዓለምለኻዊ ዋዕላ ሰራሕተኛታት ደቂ ኣንስትዮ ነዚ ሓሳብ ኣቕሪባ። እተን ካብ 17 ሃገራት ዝመጻ 100 ደቂ ኣንስትዮ ብሙሉእ ድምጺ ተሰማሚዐን።

ብድሕሪኡ ንመጀመርያ ግዜ ኣብ 1911፡ ኣብ ኣውስትርያ፡ ዴንማርክ፡ ጀርመንን ስዊዘርላንድን ተኸቢሩ።

ኣብ 2011 መበል ሚእቲ ዓመት ዝተኸበረ ኮይኑ፡ ሎሚ ዓመት ግን ብወግዒ መበል 111 ዓለምለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ክነብዕል ኢና።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ነታ መዓልቲ ኣብ 1975 ከብዕላ ምስ ጀመረ እዮም ነገራት ወግዓዊ ኮይኖም። ሕቡራት ሃገራት ኣብ 1996 ንመጀመርያ ዘጽደቖ ቴማ፡ "ሕሉፍ ምጽንባል፡ ንመጻኢ ምውጣን" ዝብል ነይሩ።

ዓለምለኻዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ፡ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሕብረተሰብ፡ ኣብ ፖለቲካን ኣብ ቁጠባን ክሳብ ክንደይ ከም ዘበርከታ ንምጽንባል ዝዓለመ እዩ።

ፖለቲካዊ ሱር ናይዚ መዓልቲ ማለት ድማ ኣብ ቀጻሊ ዘይምዕሩይነት ንቕሓት ንምዕባይ ዝተወደቡ ኣድማታትን ተቓውሞታትን ነይሮም።

8 መጋቢት ስለምንታይ ተመሪጻ?

ደቂ ኣንስትዮ ደለይቲ ፍትሒ ኣብ 2022 ኣብ ቶሉካ ሜክሲኮ ኣብ ዓለምለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ዘካየድኦ ኣንጻር ጾታዊ ዓመጽ ሰልፊ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ደቂ ኣንስትዮ ደለይቲ ፍትሒ ኣብ 2022 ኣብ ቶሉካ ሜክሲኮ ኣብ ዓለምለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ዘካየድኦ ኣንጻር ጾታዊ ዓመጽ ሰልፊ

ክላራ ዓለምለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ዝኽበረሉ ውሱን ዕለት ኣየቐመጠትን።

ስለዝኾነ ድማ ኣብ 1917 ኣብ እዋን ቀዳማይ ኲናት ዓለም፡ ደቂ ኣንስትዮ ሩስያ "እንጀራን ሰላምን" ዝጠልብ ኣድማ ክሳብ ዘካይዳ ወግዓዊ ዕለት ኣይነበረን።

እቲ ኣድማ ምስተኻየደ ድሕሪ ኣርባዕተ መዓልታት ዛር ሩስያ ካብ ስልጣኑ ክለቅቕ ተገዲዱ፤ እቲ ኣብቲ እዋን ስልጣን ዝሓዘ ግዝያዊ መንግስቲ ድማ ደቂ ኣንስትዮ ናይ ምምራጽ መሰል ክረኽባ ገይሩ።

ኣብቲ እዋን ሩስያ ኣቆጻጽራ ጁልያን እያ ትጥቀም ነይራ። እተን ደቂ ኣንስትዮ ኣድማ ዝጀመራሉ ዕለት ብኣቆጻጽራ ጁልያን ሰንበት 23 ለካቲት እዩ ነይሩ።

እዚ ማለት እታ መዓልቲ ብኣቆጻጽራ ጎርጎርዮስ 8 መጋቢት ትኸውን ኣላ - ኣብዚ ሕጂ እዋን ዓለምለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ 8 መጋቢት እዩ ዝኽበር።

ስለምንታይ ሰባት ወይናይ ሕብሪ ይኽደኑ?

ወይናይ ሕብሪ መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ዓለምለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዩ ዝተኣሳሰር 'ፍትሕን ክብርን' ስለዘመልክት’ዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ወይናይ ሕብሪ መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ዓለምለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዩ ዝተኣሳሰር 'ፍትሕን ክብርን' ስለዘመልክት’ዩ

ወይናይ፣ ቀጠልያን ጻዕዳን ሕብሪታት ዓለምለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዩ ምዃኖም መርበብ ሓበሬታ ዓለምለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ይሕብር።

ብተወሳኺ፡ "ወይናይ ፍትሕን ክብርን ዘመልክት እዩ። ቀጠልያ ምልክት ተስፋ እዩ። ጻዕዳ ንጽህና ዝውክል'ዩ። ዋላ'ኳ ኣካታዒ ኣምር እንተኾነ። እቶም ሕብርታት መበገሲኦም እቲ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ 1908 ዝነበረ ማሕበራውን ፖለቲካውን ሕብረት ደቂ ኣንስትዮ እዩ" ይብል።

ዓለምለኸ መዓልቲ ደቂ ተባዕትዮኸ ኣሎ ድዩ?

ብርግጽ ኣሎ፡ ዕለት 19 ሕዳር እዩ።

ካብ 1990ታት ጀሚሩ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያን ኣብ ካልኦት ልዕሊ 80 ሃገራት ዓለም ዝርከቡ ሰባት ከምዘብዕልዎ ይፍለጥ።

ዕላማ ዓለምለኸ መዓልቲ ደቂ ተባዕትዮ፡ "ደቂ ተባዕትዮ ንዓለም፡ ስድራቤቶምን ማሕበረሰቦምን ዘምጽእዎ እወታዊ ዋጋ" ምብዓል እዩ።

ብመሰረት ኣዳለውቲ እቲ መደብ፡ እወታዊ ኣርኣያታት ንምጉላሕ፡ ንቕሓት ጽቡቕ ሂወት ደቂ ተባዕትዮ ንምዕባይን ጾታዊ ዝምድናታት ንምምሕያሽን ዝዓለመ እዩ።

ይኹን እምበር ዓለምለኸ መዓልቲ ደቂ ተባዕትዮ ገና ካብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍልጦ ኣይረኸበን።

መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ብኸመይ ይኽበር?

ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ኣብ 2022 ኣብ ዓለምለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ካብ ዩክሬን ናብ ሃንጋሪ ምስ ኣተዋ፡ ብዕምባባ ተቐቢሎመን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ኣብ 2022 ኣብ ዓለምለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ካብ ዩክሬን ናብ ሃንጋሪ ምስ ኣተዋ፡ ብዕምባባ ተቐቢሎመን

ዓለምለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ሃገራዊ በዓል እዩ።

ኣብ ሩስያ፡ ኣብ ከባቢ 8 መጋቢት ኣብ ዝርከባ ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ መዓልታት መሸጣ ዕምባባታት ብዕጽፊ ይውስኽ።

ኣብ ቻይና፡ ብመሰረት ቤት ምኽሪ እታ ሃገር ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዕለት 8 መጋቢት ናይ ፍርቂ መዓልቲ ዕረፍቲ ይወሃበን።

ኣብ ኢጣልያ፡ ዕምባባ ሚሞዛ ብምብርካት ይጽንበል። መበገሲ ናይዚ ትውፊት ንጹር እኳ እንተዘይኮነ ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ኣብ ሮማ ከምዝጀመረ ይእመን።

ኣብ ኣመሪካ፡ ወርሒ መጋቢት ወርሒ ታሪኽ ደቂ ኣንስትዮ እያ። ንዓወታት ደቂ ኣንስትዮ እታ ሃገር ዘኽብር ፕረዚደንታዊ ኣዋጅ ድማ በብዓመቱ ይወጽእ።

ቴማ ዓለምለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ 2023 እንታይ’ዩ?

ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ደቂ ኣንስትዮ ኣሜሪካ ማዕረ ደሞዝ ክትረክብ ዕውት ቃልሲ ኣካይዳ’ያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ደቂ ኣንስትዮ ኣሜሪካ ማዕረ ደሞዝ ክትረክብ ዕውት ቃልሲ ኣካይዳ’ያ

ሕቡራት ሃገራት ን2023 ዘጽደቖ ቴማ "ዲጂትኦል (DigitALL)፡ ምህዞን ቴክኖሎጅን ንጾታዊ ማዕርነት" ይብል። እዚ ቴማ፡ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ኣብ ቴክኖሎጅን ኢንተርነት ትምህርትን ዝገብርኦ ዘለዋ ኣበርክቶ ንምልላይን ንምጽንባልን ዝዓለመ እዩ።

ኣብዚ ዓመት’ዚ፡ ዓለምለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ዲጂታላዊ ጾታዊ ክፍተት ኣብ ዘይማዕርነት ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ዘለዎ ጽልዋ’ውን ክድህስስ’ዩ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ክሳዕ 2025 ስጉምቲ እንተዘይወሲዱ፡ ደቂ ኣንስትዮ ተበጻሕነት ኦንላይን ዘይምርካበን ኣብ ሓፈሻዊ ውሽጣዊ ፍርያት እተን ትሑትን ማእከላይን እቶት ዘለወን ሃገራት ናይ 1.5 ትሪልዮን ዶላር ክሳራ ከምዘስዕብ ይግምት።

በብከባቢኡ ግን ካልኦት ቴማታት እውን ኣለዉ።

"ንደቂ ኣንስትዮ እወታዊ ለውጢ ንምፍጣር ዝሕግዝ መድረኽ ንምቕራብ" ዝተዳለወ መርበብ ሓበሬታ ዓለምለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ፡ "ጾታዊ ጽልዋታት ንምፍታሽ፡ ኣድልዎ ንምግታእ ኣቓልቦ ናብ ወገናውነት ንምስሓብ ከምኡ'ውን ምጽንባር ንምትብባዕ" ምስ ኣዳለውቲ #EmbraceEquity ዝብል ቴማ መሪጹ ኣሎ።

ስለምንታይ ኣድላዪ ኮይኑ?

ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ኣፍጋኒስታን ንመሰል ትምህርቲ ክቃለሳ ጸኒሐን እየን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ኣፍጋኒስታን ንመሰል ትምህርቲ ክቃለሳ ጸኒሐን እየን

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ከም ኣፍጋኒስታን፣ ኢራን፣ ዩክሬንን ኣመሪካን ዝበላ ብዙሓት ሃገራት ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ በብሃገረን ኲናት፥ ዓመጽን ለውጢ ፖሊሲን ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን ንመሰለን ክቃለሳ ጸኒሐን እየን።

ኣብ ኣፍጋኒስታን፡ ጣሊባን ዳግማይ ስልጣን ምሓዙ ስዒቡ ኣብ ምዕባለታት ሰብኣዊ መሰላት ዕንቅፋት ኮይኑ ኣሎ።

ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ናብ ላዕለዋይ ትምህርቲ ከይኣትዋ፤ ኣብ መብዛሕትኡ ካብ ገዛ ወጻኢ ዝስራሕ ስራሕ ከይሳተፋን ብዘይ መሰነይታ ወዲ ተባዕታይ ነዊሕ ርሕቀት ከይጓዓዛን ተኣጊደን እየን፤ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ድማ ገጸን ክሽፍና መምርሒ ተዋሂበን ኣሎ።

ፖሊስ ኢራን፡ ማህሳ ኣሚኒ ከምዝተሃረመት ዝገልጹ ጸብጻባት መሰኻኽር ዓይኒ ነጺጉ

ምንጪ ስእሊ, MAHSA AMINI FAMILY

መግለጺ ስእሊ, ፖሊስ ኢራን፡ ማህሳ ኣሚኒ ከምዝተሃረመት ዝገልጹ ጸብጻባት መሰኻኽር ዓይኒ ነጺጉ

ማህሳ ኣሚኒ፡ ብ13 መስከረም 2022 ኣብ ቴህራን ደቂ ኣንስትዮ ጸጉረን ብስካርፍ ክሽፍና ዝጠልብ ጽኑዕ ሕጊ ኢራን ጥሒሳ ብዝብል ተኣሲራ። ሞት እታ ጓል 22 ዓመት መንእሰይ ተቓውሞታት ኣለዓዒሉ።

ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኣብ መላእ እታ ሃገር ሰልፍታት እናቀጸለ ይርከብ። ብዙሓት ኢራናውያን - ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን - ዝሓሸ መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ክህሉን እቲ ሕጂ ኣብ ስልጣን ዘሎ ፖለቲካዊ መሪሕነት ለውጢ ክግበርን ይጽውዑ ኣለዉ።

ጭርሖ እቶም ተቓውሞታት፡ "ደቂ ኣንስትዮ፡ ህይወት፡ ናጽነት" ዝብል እዩ። ከም "ናዕቢ" ዝቖጸርዎ ሰብመዚ እታ ሃገር፡ ሓይሊ ዝተሓወሶ ምላሽ ክህቡ እንከለዉ፡ ዛጊድ ልዕሊ 500 ሰባት ድማ ሞይቶም ኣለዉ።

ድሕሪ’ቲ ብ24 ለካቲት 2022 ብሓይልታት ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ዝተፈጸመ ወራር፡ ኲናት ዘስዓቦ ወሰኽ ዋጋታትን ሕጽረታትን፡ ኣብ ውሽጢ ዩክሬንን ኣብ መላእ ዓለምን ዘይውሕስነት መግቢ፡ ሕጽረት መግቢ፡ ድኽነት፡ ጾታዊ ዓመጽን ጾታዊ ኣፈላላላይን ከምዝወሰኸ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣሜሪካ ብ24 ሰነ 2022 ንመሰል ምንጻል ጥንሲ ደቂ ኣንስትዮ እታ ሃገር ምስራዙ ሰፊሕ ተቓውሞን ሰልፍታትን ኣስዒቡ'ዩ።

ኣብ ኣመሪካ ምንጻል ጥንሲ ደቂ ኣንስትዮ እታ ሃገር ምስራዙ ሰፊሕ ተቓውሞን ሰልፍታትን ኣስዒቡ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ኣመሪካ ምንጻል ጥንሲ ደቂ ኣንስትዮ እታ ሃገር ምስራዛ ሰፊሕ ተቓውሞን ሰልፍታትን ኣስዒቡ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ይኹን እምበር ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ምዕባለታት ተራእዮም እዮም።

ኣብ ሕዳር 2022፡ ፓርላማ ኤውሮጳ ድሕሪ ናይ 10 ዓመት ክትዕ፡ ክሳዕ ሓምለ 2026 ኣብ ቦርድታት ህዝባዊ ኩባንያታት ንግዲ ዝያዳ ደቂ ኣንስትዮ ውክልና ክረኽባ ዘኽእል ሕጊ ኣጽዲቑ እዩ።

"ንልዑል ስራሕቲ ብቑዓት ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ብዙሓት እየን፤ ምስቲ ሓድሽ ሕጊ ኤውሮጳ ድማ [እዞም ስራሕቲ] ክረኽባ ናይ ብሓቂ ዕድል ከምዘለወን ክነረጋግጽ ኢና” ይብል ሕብረት ኤውሮጳ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ሕግታት ዕረፍቲ ወለዲ ኣብ ኣርመንያን ኮሎምብያን ተሓዲሱ፡ ስጳኛ ድማ ንዕረፍቲ ጥዕና ወርሓዊ ጽግያትን ምዝርጋሕ ምንጻል ጥንሲን ዝድግፍ ሕግታት ኣጽዲቓ’ላ።

ኣህጉራዊ ኮሚተ ኦሎምፒክ: ኣብ ቤጂንግ 2022 ካብ ዝተሳተፉ ኣትሌታት 45 ሚእታዊት ደቂ ኣንስትዮ ከምዝነበራ ምጽብጻቡ ይዝከር። እዚ ድማ፡ እቲ ዝለዓለ ምምጥጣን ጾታ ዝተረኣየሉ መድረኽ ነይሩ ማለት'ዩ። ብተወሳኺ ዋላ’ኳ ጾታዊ ማዕርነት እንተዘይተረጋገጸ፡ ሓደስቲ መምርሒታት ግን ዝያዳ ሚዛናዊ ሽፋን ስፖርት ደቂ ኣንስትዮ ኣስፋሕፊሖም’ዮም።

ኣብ 2023 ዝካየድ ዋንጫ ዓለም ደቂ ኣንስትዮ ፊፋ፡ ቁጽሪ ተሳተፍቲ ክብርኽ ተገይሩ እዩ፤ ብመሰረት እዚ፡ 36 ሃገራዊ ጋንታታት ክሳተፋ እየን።

ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣመሪካ፡ ንጋንታታት ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ማዕረ ክኸፍል ኣብ ታሪኻዊ ስምምዕ ከምዝበጽሐ'ውን ይፍለጥ። ስለዝኾነ ድማ፡ ኣብዚ ስፖርት (ኩዕሶ እግሪ) ንኽልቲኡ ጾታታት ተመሳሳሊ ክፍሊት ንምፍጻም ቃል ዝኣተወ ፈላማይ ፈደረሽን ኮይኑ ኣሎ።

ደቂ ኣንስትዮ ተጻወትቲ፡ ንልዕሊ ሓሙሽተ ዓመታት ጉዳየን እናተኻራኸራ ብርክት ዝበሉ ናይ ማዕረ ደሞዝ ጠለባትን ክስታትን ከቕርባ ምጽንሐን ዝዝከር እዩ።