ሰራሕተኛ ገዛ ትረኽቦ መከራ፤ ፍትሒ ንምርካብ ትቃለስ ሚርያንስ

ምንጪ ስእሊ, BBC/DWIKI MARTA
ሚርያንስ ካቡ “በጃኩም ሓግዙኒ ብኣስራሒየይ ይሳቐ ኣለኹ፡ ምሉእ መዓልቲ ብደም’የ ጨቕየ ዝውዕል ዘለኹ፡ በጃኹም ሓግዙኒ” ዝብል ጽሑፍ ጽሒፋ።
ነታ ኣብ ንእሽተይ ወረቐት ዘስፈረታ ጽሕፍቲ ዓጺፋ፡ ብልዕሊ እቲ ሓጺር ማዕጾ ዘለዎ ቀጽሪ ናብ ደገ ደርብያታ።
ሚርያንስ ኣብ ወሰናስን ርእሰ ከተማ ማልዥያ ዝዀነተ ከተማ ክዋላ ላምፑር ሰራሕተኛ ገዛ ኰይና እያ ትሰርሕ።
በቲ ኣፍደገ ሚርያንስ እትሰርሓሉ ትሓልፍ ዝነበረት ሰበይቲ፡ ነታ ወዲቓ ዝጸንሓታ ወረቐት ኣልዒላ ምስ ኣንበበታ፡ ዕሽሽ ኢላ ኣይሓለፈታና።
ንሓደ ኣብቲ ከባቢ ዝነብር ጥሮታ ዝወጽአ ፖሊስ ነጊራቶ፤ ንሱ ድሒሩ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ “ኣብቲ ገዛ ንነዊሕ እንተትጸንሕ ብርግጽ ምሞተት ነይራ” ኢሉ።
እዚ 20 ታሕሳስ 2014 ዘጋጠመ ኰይኑ፡ ፖሊስ ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ናብቲ ሚርያንስ ንሸሞንት ኣዋርሕ ተዳጒናትሉ ዝነበት ቀጽሪ ብምምጻእ ነቲ ማዕጾ ኳሕኵሕዎ።
ሚርያንስ ነቶም ፖሊስ ምስ ርኣየት ዝተሰምዓ ስምዒት ክትገልጽ እንከላ፡ “ኣጆኺ ኣይትፍርሒ መጺእናኪ ኣለና ምስ በሉኒ ሓይሊ ተሰሚዑኒ፣ ካብቲ ወዲቐሉ ዝነበርኩ ተሲአ፡ እንታይ ከምዘጋጠመኒ ምስ ሓተቱኒ ኸኣ ኵሉ እቲ ሓቂ ነጊረዮም” ትብል።
እዚ ዛንታ ኣዝዩ ዝርብሽ ትሕዝቶ ሰለዘለዎ ንገለ ኣንበብቲ ሕማቕ ስምዒት ክፈጥረልኩም ይኽእል’ዩ።
እዚ ክስተት ካብ ዘጋጥም ትሽዓተ ዓመታት’ኳ እንተቝጸረ ሚርያንስ ግን ክሳብ ሕጂ ፍትሒ ንምርካብ’ያ ትቃለስ ዘላ።
እዚ ኸኣ ነተን ብዘይ ሕጋዊ ሰነድን ውዕልን ስደተኛታት ኰይነን ኣትየን ዝሰርሓ፡ ፍትሒ ክሳብ ክንደይ ርሒቓተን ከምዘላ ዘርኢ’ዩ።
ኣብ 2015 ፖሊስ ንኣስራሒት ሚርያንስ፡ ኦንግ ሱ ፒንግ ሰረነ ብፈተነ ቕትለት፡ ዘይሕጋዊ ምስግጋርን ምግፋዕን ሰባትን ብርቱዕ ኣካላዊ ሃስያ ብምውራድን’ኳ እንተኸሰሳ ቤት ፍርዲ ካብ ገበን ነጻ ኢልዋ።
ሚርያንስ፡ ቅድሚ ናብ ሃገራ ኢንዶኔዥያ ምምላሳ፡ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪባ ኵሉ እቲ ወሪዱኒ እትብሎ በደላት ምስክርነታ ሂባትሉ’ያ። ድሕሪ ክልተ ዓመታት ግን ካብ ኤምባሲ ኢንዶኔዥያ፡ ኣኽበርቲ ሕጊ ንኽሳ እኹል መርትዖ ኣይረኸብናሉን ብምባል ከምዘወንዘፍዎ ተሓቢርዋ።

ምንጪ ስእሊ, BBC/DWIKI MARTA
ሚርያንስ ንኣምባሳደር ኢንዶኔዥያ ኣብ ማሌዥያ ኣምባሳደር ሀርሞኖ ኣብ ጥቅምቲ ምስ ረኸበታ፡ “እታ እዚ ዅሉ ኣደራዕ ዘውረደትለይ ኣስራሒተይ ብነጻ ተፈንያ፡ ኣበይ ደኣሉ እዚ ፍትሒ?” ብምባል ተማጒታታ።
እቲ ኤምባሲ ንሚርያንስ ሓጋዊ ኣማኻሪ ቘጺርላ’ዩ፡ ጉዳያ ዳግማይ ንኽረአ’ውን ይሰርሕ ኣሎ።
እታ ኣምባሳደር “ሚርያንስ ፍትሒ ንኽትረክብ ምድንጓይ ዝፈጥር ዘሎ እንታይ’ዩ? ሓሙሽተ ዓመት ውሑድ ግዜ ድዩ? እንተዘይሓቲትና እቲ ጉዳያ ክርሳዕ’ዩ ዝድለ፤ ብፍላይ ኸኣ ሚርያንስ ናብ ሃገራ ምስ ተመለሰት” ትብል።
ኣብ ማሌዥያ ከምዚ ዓይነት ተርእዮታት ብተደጋጋሚ’ዩ ዘጋጥም፤ ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት ገዛ ተወለድቲ ኢንዶኔዥያ ኣደራዕ ምስ ዝወርድ ፍትሒ ክረኽባ ዘሎ ተኽእሎ ኣዝዩ ትሑት ምዃኑ’ዮም ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ዝገልጹ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ማሌዥያ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ “ንሕጋዊ መስርሓት ምርኩስ ብምግባር ዝተበደለ ግድን’ዩ ፍትሒ ክረክብ” ኢሉ።
ኣብ 2018 መንግስቲ ኢንዶኔዥያ ንኽልተ ሰባት ምስ ዘይሓጋዊ ምስግጋር ሚርያንስ ብዝተሓሓዝ ኣብ ቀይዲ ኣእትይዎም።
እቲ ዳኛ፡ ሚርያንስ ናብ ማሌዥያ ብዘይሕጋዊ ኣጋባብ ኣትያ ንኦንግ ሱ ፒንግ ሰራሕተኛ ገዛ ክትኮና ከምዝተቘጸረት ብምግላጽ፡ ኣስራሒታ ኣብ ልዕሊኣ ብዘውረደትላ ሃስያ ክሳብ ሆስፒታል ትኣቱ ከምዝዀነት ገሊጹ።
ኣስራሒታ ኣብ ልዕሊ ሚርያንስ ክሳብ ምስባር ሰርኖ ዝበጽሕ ከቢድ ማህረምቲ፡ ብዝረሰ ሓጺን ምትኳስ፡ ብማርቴሎን ምህራምን ብጉጥየት ምቕንጣውን ዘጠቓለለ’ዩ።
ሸሞንት ዓመታት ዝገበረ በሰላ ኣብ ዝባን ሚርያንስ ክሳብ ሕጂ ጐሊሑ ይርአ።
ኣብ ላዕለዋይ ከንፈራ ዓቢ በሰላ ኣለዋ። ኣርባዕተ ላዕለዋይ ኣስናና ብማህረምቲ ረጊፉ’ዩ የማናይ እዝና’ውን ፍርቁ ተቘሪጹ ዘይመልክዑ’ዩ ሒዙ ዘሎ።
በዓልቤታ ካርቭዩስ መጀመርታ ምስ መጽአት ከላልያ ከምዘይክኣለ’ዩ ዝገልጽ፡ “ኣብ ሆስፒታል እንከላ ዝተሰኣለቶ ስእሊ ምስ ኣርኣዩኒ ኣዝየ’የ ሰንቢደ።”
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ማልዥያን ኢንዶኔዥያን ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት ገዛ ዝግበር ኣተሓሕዛ ክመሓያሽ ዘገድድ ውዕል ተፈራሪመን።
ኢንዶኔዥያ ኸኣ ነዚ ውዕል እዚ ምርኩስ ብምግባር ሚርያንስ ፍትሒ ንኽትረክብ ተወንዚፉ ዘሎ ጉዳያ ዳግማይ ንኽጅመር ሕቶ ተቐርብ ኣላ።
ከም በዓል ሚርያንስ ዝኣመሰላ ሰራሕተኛታት፡ ኵሉ ሰነዳተን ንኣስራሕተን ስለዝርክብ፡ ኵሉ ነገርን ኣብ ፍቓድ ኣስራሕተን’ዩ ዝምርኮስ።
ሚኒስተር ዓቕሚ ሰብ ማሌዥያ ኣብታ ሃገር 63 ሽሕ ኢንዶኔዥያውያን ሰራሕተኛታት ገዛ ከምዘለዋ ይሕብር።
እንተዀነ እዚ ቍጽሪ እዚ ነተን ብዘይሓጋዊ ናብታ ሃገር ኣትየን ዝሰርሓ ኢንዶኔዥያውያን ኣየጠቃልልን’ዩ።
እተን ብዘይ ሕጋዊ ኣገባብ ናብ ማሌዥያ ኣትየን ዝሰርሓ ማሌዥያውያን ከኣ ክንደይ ምዃነን ዝዀነ ግምት የለን።
ኢምባሲ ኢንዶኔዥያ ድሕሪ ናይ ሚርያንስ፡ ኣስታት 500 ተመሳሳሊ ጥርዓናት ከምዝበጽሖ’ዩ ዝገልጽ።
እታ ኣምባሳደር፡ “እዚ ነገር መዓስ ከምዘብቅዕ ኣይንፈልጥን ኢና። ሓደ ርገጸኛ ኴንና ንዛረበሉ ነገር ግን ከምዚ ናይ ሚርያንስ ገና ኣፈን ዘይከፈታ ብዙሓት ከምዘለዋ’ዩ። መዓልታዊ ዝቕጥቀጣን ገንዘብ ፈጺሙ ዘይክፈለንን ብዙሓት ኣለዋ” ትብል።
እንተዀነ እታ እምባሳደር ክንደይ ካብተን ዝተበደላ ጉዳየን ናብ ቤት ፍርዲ ከምዘምርሐ ንጹር ቁጽሪ የብላን።
ኣብ 2008 ሓንቲ ማሌዥያዊት ኣስራሒት ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛኣ ብዘውረደቶ ከቢድ በደል፡ ን18 ዓመታት ክትእሰር ቤት ፍርዲ ከምዝበየነ ዝዘከር’ዩ።
ድሕሪ ሽዱሽተ ዓመታት እዚ ፍጻመ’ውን ክልት ማሌዥያውያን መጻምድቲ ንማሌዥያዊት ሰራሕተኛኦም ብምቕታሎም ንሞት ከምዝተፈረዱ ሰነዳት ይሕብሩ።
'ክሳብ ዝመውት ክቃለስ’የ'
ሚርያንስ ፍትሒ ንምርካብ “ክሳብ ዝመውት ክቃለስ’የ” ድሕሪ ምባል፡ “ንኣስራሕተይ ነበር ንምንታይ ኢኹም ተሳቕዩኒ ነይርኩም ኢለ ክሓቶም ምደለኹ” ትብል።

ምንጪ ስእሊ, BBC/DWIKI MARTA
ሚርያንስ ካብ ሃገራ ወጺአ ሰሪሓ ናብራ ስድራኣ ክትልውጥ ዝወሰነትሉ እዋን፡ ጓል 32 ዓመት’ያ ነይራ።
ናብ ማሌዥያ ከይዳ ክትሰርሕ ክትውስን እንከላ፡ “ሰሪሐ ንደቀይ መዐንገሊ እንተረኺበ፡ ደቀይ መግቢ ደልዮም ኣይክበኽዩን’ዮም” ዝብል ሓሳብ ከምዝነበራ ትሕብር።
ኣብቲ ንሳ ትነብረሉ ምዕራብ ቲሞር፡ ጽሩይ ማይን ኤሌትሪክን ዘይብሉ ኰይኑ ህይወት ብዙሓት ብድሆታት ዝበዝሖ’ዩ።
በዓል ቤታ ሰሪሑ ዝረኽቦ ገንዘብ ከኣ ነታ ሽዱሽተ ትንፋስ ዘለዋ ስድራ እዅል ኣይኰነን።
ኣብ ማሌዥያ ስራሕ ይርከብ’ዩ ምስ ተባሃለት ከኣ፡ ናብራ ገዛኣ ንምምሕያሽን ናይ ገዛእ ርእሳ ገዛ ንኽህልዋ ዝነበራ ሕልምን ክዉን ንምግባር ተበጊሳ።
ኣብ ሚያዝያ 2014 ኣብ ክዋላ ላምፑር ምስ በጽሐት፡ እቲ ስራሕ ዘራኸባ ወኪል ፓስፖርታ ኣሕዲጉ ንነብሳን ንፓስፖርታን ናብ ኣስራሕታ ኣረኪብዋ። ኣስራሕታ ከኣ ተሌፎና ኣሕዲጐም ምስኦም ሓዝዎ።
ሚርያንስ ግን ኵሉ ንጽቡቐይ’ዩ ኢላ ስለዝሓሰበት ኣይሰንበደትን።
ስርሓ፡ ነታ 93 ዝዓመታ ኣደ ኣስራሒታ ምእላይ’ዩ ነይሩ።
ሰለስተ ሳምንታት ምስ ሰርሐት ግን እቲ ምህራም ከምዝተጀመረ ሚርያንስ ትዛረብ።
ሓደ ምሸት ኣስራሒታ ዓሳ ክትሰርሕ ደልያ፤ ነቲ ዓሳ ግን ኣብ ፍርጅ ክትረኽቦ ኣይክኣለትን። እቲ ምኽንያት ሚርያንስ ነቲ ዓሳ ከይበላሾ ኢላ ኣብ ላዕለዋይ ክፋል ፍርጅ ኣብ ዝርከብ በረድ ስለዘቐመጠቶ’ዩ።
ድሕሪ ክንደይ ኣስራሒታ ነቲ በረድ ዝተቐየረ ዓሳ ምስ ረኸበቶ፡ በቲ ዓሳ ገይራ ንሚርያንስ ኣብ ርእሳ ሃሪማታ፡ ኣዝያ ስለዝተሃሰየት ከኣ ርእሳ ተፈጊኣ ብዙሕ ደም ፈሰሳ።
ድሕሪ እዚ እቲ ማህረምቲ ዳርጋ መዓልታዊ ኰይኑ።
ካብ ገዛ ክትወጽእ ኣይፍቀዳን’ዩ። እቲ ካንሸሎ ብሓጺን ዝተረገጠ ኰይኑ ኵሉ ግዜ ብመፍትሕ ምስ ተዓጽወ’ዩ፤ እቲ መፍትሕ ከኣ ኣስራሒታ ጥራይ’ያ ትሕዞ።
ክሳብ ፖሊስ መጺኦም ዘድሕንዋ ኣብ ተመሳሳሊ ህንጻ ዝነብሩ ኣርባዕተ ጐረባብታ ሃለዋታ ብፍጹም ኣይፈልጡን’ዮም ነይሮም።
ሓደ ካብ ጐረባብቲ፡ “ፖሊስ መጺኦም ምስ ኣድሓንዋ’የ ንመጀመርታ ግዜ ርእየያ” ይብል።
ሚርያንስ፡ እቲ ማህረምቲ፡ ኣስራሒታ ሃሪማ ምስ ደኸመት ጥራይ ከምዘቋርጽ’ያ ትሕብር።
ድሕሪ ማህረምታ፡ እታ ኣስራሒታ ነቲ ብደም ሚርያንስ ዝተጸየቐ ምድሪ ቤትን መንደቕን ከተጽርዮ ትእዝዛ።
ሚርያንስ፡ ሓደ ሓደ ግዜ ህይወታ ከተጥፍእ ትደናደነሉ እዋን ከምዝነበረ ብምሕባር፡ ነቶም ድሕሪት ዝገደፈቶም ኣርባዕተ ደቃን በዓል ቤታን ዘኪራ ግን ሓሳባ ከምእትኾልፍ ትገልጽ።

ምንጪ ስእሊ, BBC/DWIKI MARTA
“ምስ ተሃረምኩ ግብረ መልሲ ክህብዶ ኢለ ዝሓስበሉ እዋን’ውን ነይሩ’ዩ። እንተዀነ ገለ ከይገበርኩ’ኳ ክንድዚ ዝተቐጥቀጥኩ ኢደይ ወስ እንተዘብል ብርግጽ ምቐተለትኒ ነይራ፡” ትውስኽ።
ሓደ መዓልቲ ኣብ መወዳእታ 2014፡ ገጻ ኣብ መስትያት ምስ ርኣየት ኣብ ገጻ ብዙሕ ነገራት ከምዝተቐያየረ ኣስተብሃለት፤ “ልዕሊ እዚ ክጻወር ኣይክእልን’የ፡ ኣዝየ ሓሪቐ፡ ሕርቓነይ ግን ምስ ኣስራሒተይ ጥራይ ኣይነበረን፡ ምስ ነብሰይ’ዩ ነይሩ። ክሳብ ክንደይ’የ ክጻወር ዘለኒ ኢለ ካብዚ ገዛ ክወጽኣሉ ዝኽእል ክበላሓት ሓሲበ” ትብል።
ድሕሪ’ዚ እያ ነታ ነጻ ዘውጽኣታ ደብዳበ ክትጽሕፋ ዝወሰነት።
ቢቢሲ ነታ ኣስራሒት ሚርያንስ ዝነበት ኦንግ ሱ ፒንግ ሰረነ ንምዝርራብ’ኳ ተደጋጋሚ ፈተነ እንተገበረ፡ መልሲ ክትህብ ግን ፍቓደኛ ኣይኮነትን።
ሚርያንስ እቲ ንሳ ፍትሒ ንምርካብ ተካይዶ ዘላ ቃልሲ፡ ነተን ካልኦት ከምኣ ጸገም ዘሕለፋን ኣብ ጸገም ዝርከባን ጠቓሚ ምዃኑ’ያ ትገልጽ።
ኣምባሳደር ሀርሞነ ካልእ ተመሳሳሊ ጸገማ ዘጋጠማ ሰብ ከም ኣብነት ብምጥቃስ፡ “እቲ ዝወርድ ዘሎ ግፍዒ ካብ ሰብኣውነት ኣዝዩ ዝርሓቐ’ዩ” ብምባል፡ እታ ግዳይ ካብቶም ኣስራሕታ ብሓገዝ ፖሊስ ነጻ ክትወጽእ እንከላ፡ 30 ኪሎ ጥራይ ትምዘን ከምዝነበት ብምግላጽ፡ እታ ኣስራሒታ ኣብ ፍርዲ ከምዘላ ሓቢራ።
እንተዀነ ኣደሊና ሳዉ ዝተበሃለት ጓል 20 ዓመት ግን ክትድሕን ኣይከኣለትን። በቲ ብኣስራሕታ ዝወረዳ ማህረምቲ ሞይታ፤ ከም ናይ ኣደሊና ዝኣመሰለ ብዙሕ ዝተቐበረ ምስጢራት ክህሉ ከምዝኽእል ከኣ ኣየጠራጥርን።
ኣስራሒ ኣደሊና ኣብ 2019 ብቕትለት’ኳ ክሲ ቀሪብሉ እንተነበረ፡ እቲ ክሲ ብቤት ፍርዲ ተቐባልነት ስለዘይረኸበ ተወንዚፉ።
እቲ መስርሕ ፍርዲ ዳግማይ ንኽረአ ዝቐረበ ይግባይ ከኣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ተነጺጉ።
ኣደሊናን ሚርያንስ ክልቲአን ካብ ምዕራብ ቲሞር ዝመጽኣ’የን።
ሚርያንስ፡ ንኣደ ኣደሊና ኣብ ዓዳ ከይዳ ከምዝረኸበታን “ጓልኪ’ኳ እንተሞተት ኣነ ግን ድምጺ ክዀና’የ” ከምዝበለታ ትዛረብ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







