ኬንያ፡ ካብ ሰራሕተኛ ገዛ ናብ ኣመሓዳሪት ግዝኣት ክትከውን ዝበቕዐት ጓል ኣንስተይቲ

ኣመሓዳሪት ሜሩ ካዊራ

ሓንቲ ካብተን ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ኣብ ዝተኻየደ መረጻ ዝተዓወታ ሸውዓተ ደቂ ኣንስትዮ ኣመሓደርቲ ዝዀነት፡ ኣብ እዋን ንእስነታ፡ ናብርኣ ንምሕጋዝ ትምህርታ ኣብኲራ ሰራሕተኛ ገዛ ኮይና ትሰርሕ ምናበራ ተዛሪባ።

ካዊራ ምዋንጋዛ፡ ትማሊ ኣመሓዳሪት ግዝኣት ሜሩ ኰይና ቃለ መሓላ ክትፍጽም እንከላ፡ ስድራቤታ ድኻታት ስለ ዝነበሩ ጓል 14 ዓመት እንከላ ትምህርታ ከም ዘቋረጸቶ ሓቢራ።

“ንሓደ ዓመት ዝኸውን ሰራሕተኛ ገዛ ኰይነ ሰሪሐ'የ፡ ከቢድ'ዩ ነይሩ። ግን ብውሽጠይ ወትሩ ከም ዝዕወት ይኣምን ነይረ” ክትብል ንቢቢሲ ተዛሪባ።

እታ ኣብ መወዳእታ 40ታት እትርከብ ፖለቲከኛ፡ “ሓደ መዓልቲ ካብ ድኽነት ወጺአ ክዕወት ከም ዝኽእል ተስፋ ቘሪጸ ኣይፈልጥን” እውን ኢላ።

ኣብ ኬንያ፡ ብዙሓት ሰራሕተኛታት ገዛ ንነዊሕ ሰዓታት’ኳ ዝሰርሃ እንተኾና ኣታዊአን ግን ኣዝዩ ትሑት’ዩ።

ካዊራ፡ ድሕሪ ሓደ ዓመት ናብ ትምህርቲ ተመሊሳ፡ ንኣሽቱ ንግዳዊ ንጥፈታት ብምክያድ ወጻኢታት ትምህርታ ሸፊና ትምህርታ ወዲኣ።

ዕውትቲ ነጋዲት ጓል ኣንስተይቲ ምስ ኰነት፡ ኣብ 2013 ኣብ ፖለቲካ ድልየት ክሓድራ ምስ ጀመረ ንባይቶ ተወዳዲራ፤ ሽዑ ግና ኣይሰመረላን።

ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት፡ ወኪል ደቂ ኣንስትዮ እታ ምምሕዳር ኮይና ክትምረጽ እንከላ፡ ኣባላት ደቂ ኣንስትዮ ባይቶ ንምዕባይ ዝዓለመ ፍሉይ መንበር ረኺባ።

ፖለቲካዊ ዓቕምታታ እናዕበየት ዝመጽአት ካዊራ፡ ሕጂ ድማ ነቲ ንኻልኣይ ግዜ ኣመሓዳሪ ግዝኣት ሜሩ ንምዃን ዝተወዳደረ ኪራቱ ሙሩንጊ ስዒራ ፖለቲካዊ ዓቕማ ኣመስኪራ ኣላ።

ኣብ እዋን ጐስጓስ መረጻ በዓል ቤታ ባይቹ፡ ብጊታሩ ደገፍታ የዘናግዐላ ነይሩ

ጐስጓስ መረጻ ተካይድ ኣብ ዝነበረት እዋን፡ ሙዚቀኛን ኣወሃሃድን በዓል ቤታ ምዋሬጋ ባይቹ ሒዛቶ ትመጽእን ንደገፍታ ብጊታር የዛንዮምን ስለ ዝነበረ፡ ልዑል ቑጽሪ ዘለዎም ሰባት ዝእከብሉ ጐስጓስ እያ ተካይድ ነይራ።

ደቂ ኣንስትዮ ፖለቲከኛታት ኬንያ፡ መድሃልን ጾታዊ ምንሻዋትን ስለ ዘጋጥመን ዝልዓለ ስልጣን ንምሓዝ ዝበቕዓ ውሑዳት እየን።