ሞይቱ ተባሂሉ ተቐቢጹ፡ ድሕሪ 32 ዓመታት ብህይወት ዝተረኽበ ሰብ

ቅድሚ 32 ዓመት ሞይቱ ተባሂሉ ዝተቐብጸ ሰብኣይ

ምንጪ ስእሊ, TARI

ቅድሚ 32 ዓመት ሞይቱ ተባሂሉ ዝተቐብጸ ኢትዮጵያዊ ሰብኣይ፡ 'ኣነ ኣብዚ ኣለኹ' ኢሉ ማዕጾ ስድራኡ ኳሕኲሑ።

እቶም ሞይቱ ኢሎም ተስፋ ቀቢጾም ዝነበሩ ስድራቤቱ ድማ፡ ብዓይኒ ምስረአይዎ ዘይእመን ኰይኑዎም፡ ብሓጐስ ነቢዖም።

እቲ ሰብ፡ ብህይወት ከምዘሎ ዝሰምዑ ኵሎም ነበርቲ ቀበሌ ጎብቻ፡ ሓቅነት እቲ ወረ ንምርግጋጽ ናብ እንዳ ስድራኡ ይውሕዙ ኣለው።

ዲማ ዶዮ ቦሩ ይበሃል። መንበሪ ገዛኡ ኣብ ክልል ኦሮምያ ነገሌ ቦረና እዩ።

ኣብ 1982 ዓ.ም ኣብቲ እዋን ብዝነበረ ወተሃደራዊ መንግስቲ ደርግ፡ ናብ ውትህድርና ክጽንበር ተገፊፉ።

ዲማ፡ ብናይቲ ከባቢ ዕጡቓት ምስ ተታሕዘ፡ ስድራኡ ጨኒቝዎም ነይሩ።

ዲማ ኣብቲ እዋን፡ ካብ100 ዘይውሕዱ መንእሰያት ምስኡ ናብ ኲናት ከም ዝተወስዱ ይዝክር።

ናብ ሰሜን ኢትዮጵያ ድሕሪ ምጕዓዙ፡ ስድራኡ ዝሰምዕዎ ዜና ኣብ ዓሚቝ ሓዘን ሸሚምዎም።

እቶም ወለዲ፡ ዲማ ኣብቲ ኲናት ከም ዝቘሰለን ከም ዝሞተን እዮም ሰሚዖም።

ርግጽ፡ ብዛዕባ ሞት ወዶም፡ ካብ ዝዀነ ሰብ መረጋገጺ ኣይረኸቡን።

ዲማ፡ ከም ወተሃደር ክስለፍ ኣብ ዝተገደደሉ እዋን ኣይተመርዐወን ኣይወለደን'ውን ነይሩ።

ኣደኡ፡ ደቂ ወደን ዘይምርኣየን የሕርቐን ነይሩ።

ንዓመታት ድምጹ ዝጠፍአ ዲማ፡ ንብረቱን ከብቱን ስድራኡ ተመቓቒሎምዎ።

እዚ ዅሉ ድሕሪ ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ተቐይሩ፤ ዲማ ስድራኡ ክእልሽ መጺኡ ኣሎ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ዲማ ብህይወት ተመሊሱ፡ ናብታ ስድራቤት ምጽንባሩ ብብዙሓት ከም ተኣምር እዩ ዝቝጸር።

ዋላ እቶም ናብ ስድራ ዲማ መጺኦም 'እንቛዕ ናብዚ ኣብቀዓካ' ዝብሉ፡ ሓጐስ'ቶም ስድራቤት ካብ ምክፋል ሓሊፎም፡ ሕቶታት እውን ኣለዎም።

ወዲ ሓው ንዲማ፡ ታሪ ካሃና ዶዮ፡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቶም ቅድሚ 32 ዓመታት ምስኡ ዝተሰለፉ መንእሰያት እቲ ከባቢ ብህይወት እንተሃልዮም ክፈልጡ ዝደልዩ ሰባት ከምዘለዉ ገሊጹ።

"መዓልታዊ ሰባት መጺኦም ብዛዕባ ኣባላት ስድራቤቶም ይሓቱ። ገሊኦም 'እቲ ምሳኻ ዝተወስደ ሓወይ ርኢኻዮ ዲኻ?' ይብሉ፡ ካልኦት ድማ ብዛዕባ ደቆም ይሓቱ። ብዙሓት ሰባት መዓልታዊ ይበጽሕዎ።"

ታሪ፡ ዲማ ናብ ሰራዊት ተገዲዱ ክምልመል እንከሎ ገና ኣይተወልደን ነይሩ።

"ኣቦይ ወዲ ሸውዓተ ዓመት ከሎ እዩ ናብ ዓውደ ውግእ ኣትዩ። ሕጂ ወዲ 18 ዓመት ኰይነ ኣለኹ። ኣነ ከም ካልኣይ ኣያይ ዝርእዮ ሓወቦይ ብምርካበይ ሕጕስ እየ። እዚ ተኣምር እዩ። ንዓይ ይዅን ንቤተሰብ ተኣምር እዩ፡" ኢሉ።

ኣደኡ፡ ነቲ ሞይቱ ሓመድ ድበ ዘይለበሰ ወደን ዲማ፡ ሞይቱ ዝብል ኣይተዋሕጠለንን ነይሩ።

"ኵሉ ሰብ 'በቃ ሞይቱ'ዩ፤ ረስዕዮ' ክብለኒ ከሎ 'እወ' ኣይበልኩን። ከም ዝሞተ ኣይተሰምዓንን። ክመጽእ'ዩ እብል ነይረ" ይብላ ኣደ ዲማ ዶዮ።

ንሰን፡ ኣብዚ እዋን እርጋን ኣርኪብዎን ኣሎ። እንተዀነ፡ እታ ወደን ተገፊፉ ናብ ውግእ ዝተወስደላ መዓልቲ ግን ከመይ ከም ዝነበረት ብልክዕ ይዝክራኣ።

"ዕድመኡ ክንደይ ከም ዝነበረ ኣይዝክሮን'የ። ግን ክሰርሕ ኣብ ዝኽእለሉ ዕድመ'ዩ ነይሩ። መጺኦም ብሓይሊ ክወስድዎ ከለዉ፡ ብሓባር ንኸይድ ነይርና።"

ብድሕሪኡ ግን፡ ካብ ወደን ዝዀነ ነገር ኣይሰምዓን። ድሕሪ 32 ዓመት ድማ ማዕጾ ስድራቤቱ ክዅሕኩሕ በቒዑ።

"ኣዚና ሕጕሳት ኢና። ኣብታ ዝመጸላ መዓልቲ ብሓጐስ ውነይ ስሒተ ነይረ። ኣዚና እንፈትዎ ውላድና እዩ ነይሩ።"

ቅድሚ 32 ዓመት ሞይቱ ተባሂሉ ዝተቐብጸ ሰብኣይ

ምንጪ ስእሊ, TARI

ዲማ ን32 ዓመታት ኣበይ ነይሩ?

ዲማ ኣብ 1982 ብዕጡቓት ናይቲ ከባቢ ተገፊፉ፡ መጀመርታ ናብ ባህርዳር ከምዝተላእከ ይዛረብ።

ኣብቲ ዝተሳተፈሉ ውግእ፡ ብዙሓት ኣብ ቅድሚኡ ክወድቁ ርእዩ እዩ። ካልኦት ድማ ‘እግረይ ኣውጽእኒ’ ሃዲሞም።

ኣብቲ ኲናት ንኣስታት ሓደ ዓመት ምስ ተሳተፈ፡ ቆሲሉ ናብ ሓደ ኣብ ቤንሻንጉል ጕሙዝ ዝርከብ ሆስፒታል ተወሲዱ።

"ተሓኪመ ካብ ሆስፒታል ምስ ወጻእኩ፡ ዝፈልጦ ሰብ ኣይነበረንን። ኣብኡ ዝነበሩ ሰባት ካበይ ከም ዝመጻእኩ ሓቲቶምኒ። ምስ ነገርክዎም፡ ጓሳ ኰይነ ከገልግል ወሲዶምኒ" ይብል።

ድሕሪ ቅሩብ ግዜ ካልእ ሰብ ናብ ቤንች ማጂ ከም ዝወሰዶን ኣብ ገዛኡ ከም ዘገልግል ከም ዝገበረን ይገልጽ።

እቲ ኣብ ገዛኡ ከገልግሎ ናብ መንበሪኡ ዝወሰዶ ሰብ፡ ስድራ የብሉን ኢሉ፡ ምስ ዝዀነ ሰብ ከይራኸብ ከምዘይገበሮ ገሊጹ።

‘ስድራኻ የለዉን፣ ተመሊስካ ናብ እትኸዶ የብልካን፣ ስለዚ ናበይ ኢኻ ትኸይድ?’ ይብልዎ ከምዝነበሩ ይዛረብ።

"ዝኸዶ ስድራ'ኳ እንተዘይሃለወኒ፡ ናብቲ ዝተወለድኩሉ ቦታ ከይደ ክነብር'የ' እብሎም ነይረ ክብል ንቢቢሲ መብርሂ ሂቡ።

ዲማ ግን ዝሰምዖ ስኢኑ።

"ዝተረድኣኒ ሰብ ኣይነበረን፡ 'ዝኸዶ የብሉን፡ በቃ ደቂሱ ገንዘብና ይበልዕ' ኢሎም ጥራይ ይዛረቡ ነይሮም።"

ዲማ፡ ኣብ ቤንች ማጂ ዘሕለፎ ናይ ጽምዋ ግዜ፡ ዝሰኣኖ-ፍቕርን እዋን ጓሂን ይዝክር።

"ስድራ ኣይመስረትኩን። ብሰንኪ እቲ ባህሊ ኣብኡ ክምርዖ ኣሸጊሩኒ" ይብል።

ዲማ፡ ኣብ ሓደ ፋብሪካ ዋርድያ ኰይኑ ክሰርሕ'ኳ እንተጀመረ፡ ወርሓዊ ደሞዝ ከምዘይተኸፍሎ ይዛረብ።

"ኣይክፈልን እየ። ንኸይመውት ጥራይ እዮም መዓልታዊ መግበይ ዝህቡኒ" ይብል።

ከመይ ኢሉ እዩ ናብ ስድራኡ መጺኡ?

ዲማ ምስቲ ከም ዋርድያ ፋብሪካ ኮይኑ እናሰርሐ እንከሎ ዝረኸቦ ዓርኩ፡ ዝገበሮ ዕላል ኣብ መወዳእታ ምስ ስድራኡ ክራኸብ ከምዘብቀዖ ይዛረብ።

እቲ ዓርኩ፡ መራሒ መኪና ኰይኑ ብተደጋጋሚ ናብ ቦረና ያቤሎ ብስራሕ ይመላለስ እዩ።

"ሓደ መዓልቲ፡ ‘ዲማ ትውልዲ ቦታኻ ኣበይ'ዩ?’ ኢሉ ይሓተኒ። ትውልዲ ቦታይን ስድራይን ኣበይ ከም ዝነብሩን ምስ ነገርክዎ፡ 'ያቤሎ ኣብ ዝበሃል ከባቢ ዝነብር ዓርኪ ኣለኒ፡ ስለዚ ክሓተልካ'የ' ኢሉኒ" ይብል።

ብድሕሪኡ ዘጋጠመ ኵሉ ንዲማን ንስድራኡን ተኣምር እዩ ነይሩ።

እቲ ኣብ ያቤሎ ዘሎ ዓርኪ እቲ መራሒ መኪና፡ ክልተ ሰለስተ ግዜ ብተሌፎን ድሕሪ ምዝርራብ፡ ኣብ ነገለ ቦረና ምስ ዘለዉ ስድራኡ ኣራኸቦ።

"ብሓገዝ ፈጣሪ ቁጽሪ ተሌፎን ስድራይ ረኺበ" ዝብል ዲማ፡ ሓዉ ዲድ ዶዮ ቈልዓ እንከሎ ካብታ ተወሊዱ ዝዓበየላ ዓዲ ከምዝወጽአ ይዝክር።

ዲድ፡ ነቶም ዝተረፉ ስድራን ብህይወት ከምዘሎ ዝገልጽ ዜና ምስ ሰምዑ ናይ ሓጎስ ማዕበል ኣብ ልዕሊኦም ወረደ።

ጥርጣረ ግን ነይሩዎም።

ስለዚ፡ ኣስማት ስድራቤቱን ካልእ ክዝክሮም ዝኽእል ነገራትን ክዝርዝር ሓተትዎ።

ዲማ፡ ኣስማት ስድራኡን ዓሌቱን ከምኡ’ውን ካልኦት ልሙዳት ተዘክሮታት’ውን ዘርዚሩ።

በዚ ድማ ካብቶም 7 ቈልዑ እታ ስድራቤት ሳልሳይ ዝኾነ ዲማ፡ ብህይወት ከምዘሎ ተረጋጊጹ።

ብድሕሪኡ፡ እቲ መራሒ መኪና ዓርኩ ናብ ኣዲስ ኣበባ ሒዝዎ ከይዱ፣ ቀጺሉ ናብ ነገለ ቦረና ወሲዱ ምስ ስድራኡ ኣራኺብዎ።

ዲድ፡ ሓዉ ዲማ ኣብ ዓዲ ምስ በጽሐ ዘጋጠመ ኵነታት ይዝክር።

ገጹ ብንብዓት ተሓጺቡ ዝነበረ ዲድ፡ ወለዱ ጥራይ ዘይኮኑስ፡ ደቆም ብደርጊ ዝተገፈፉዎም ወለዲ ክርእይዎ ከም ዝመጹ ይዛረብ።

ዲማ፡ እታ ዝተወልደላን ኣስናኑ ዝሸረፈላን ዓዲ ተቐይራ ጸኒሓቶ።

"ናብ ዓውደ ውግእ ተገፊፈ ክውሰድ እንከለኹ፡ ከብትና ብዙሓት እየን ነይረን። ብዘይካ ስድራይን ኣዝማደይን፡ ቈልዑ ከለና መዋዕልተይን መጻውተይን ዝነበሩ ኵሎም ኣይረኸብኩዎምን" ይብል።

ዲማ፡ ናብ ዓውደ ውግእ ተገፊፉ ኣብ ዝተወስደሉ ኣቦኡ ብሂወት ነይሩ። ዓቢ ሓዉ ቦሩ ዶዮ ክዋጋእ ናብ ኣስመራ ከም ዝተወስደን ሞይቱ ከም ዝነበረን ይዝረብ ነይሩ።

ሎሚ ግን፡ ቦሩ ዶዮ ካብ ኲናት ተመሊሱ ወሊዱን ዘሚዱን ጸኒሕዎ።

ዲማ፡ ኣብዚ እዋን ወዲ 60 ዓመት ኰይኑ ስድራኡ ክምርዖን ክወልድን ይደልዩ ኣለው።

"ብህይወት እንተጸኒሐ፡ ዝሓለፈ ረሲዐ ህይወተይ ከም ብሓድሽ ክጅምር ደሊ" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።