ንጉስና ፈጺሙ ኣይመውትን'ዩ እትብል ሃገር

ምንጪ ስእሊ, BBC/RANDY JOE SA'AH
ኣብ ሰሜን ምዕራብ ካሜሩን ንዝነብሩ ህዝቢ ማንኮን፡ እቲ ፎን ወይ ፎ ተባሂሉ ዝፍለጥ ንጉሶም ፈጺሙ ኣይመውትን። ስቕ ኢሉ ተሰዊሩ እዩ ዘሎ።
ስለዚ፡ ዞባዊ ኣመሓዳሪ ኣዶልፍ ሌሌ፡ ነቲ ከም ነውሪ ዝቑጸር ባህሊ ብምስባር እቲ ወዲ 97 ዓመት ፎን ኣንግዋፎር ሳልሳይ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ከም ዝሞተ ብምእዋጁ ኣብ ሞንጎ ህዝቢ ማንኮን ቁጥዐ ኣልዒሉ ኣሎ።
ሓደ ፍሉጥ ኣባል ሕብረተሰብ ማንኮን ዝዀነ ባሪስተር ጆሴፍ ፍሩ ኣዋህ “ፎን ሓላዊ መሬት ማንኮን’ዩ፤ ንሱ ምንጪ ባህልናን መንፈሳውነትናን እዩ። ንሱ ኣብ ሞንጎ ጥንቲ፣ ሕጅን ድሓርን ዘሎ ድልድልና እዩ” ኢሉ።
ብ1959 ዓ.ም [ኣ.ኤ] ናብ ንግስና ዝደየበ ፎን ኣንግዋፎር ሳልሳይ ፈላማይ ትምህርቲ ምዕራብ ዝቐሰመ ንጉስ እዩ።

ቀጺሉ፡ ኣብታ ዳርጋ ሕርሻ ኣካል መዓልታዊ ህይወት ብዙሓት ሰባት ዝዀነላ ሃገር ቴክኒሻን ሕርሻ ኣጽኒዑ። ልክዕ ከምቶም ካልኦት ንጉሳት ማንኮን፡ ብዙሓት ኣንስቲ ነይረንኦ፤ ባህሊ’ዩ።
ብዝሒ ዝነበርኦ ኣንስቲ ግን ወግዓዊ ገይሩ ኣይፈልጥን። ኣስታት ዓሰርተ ክልተ ክዀና ከም ዝኽእላ ግን ይግመት፤ ዓሰርተታት ቈልዑ ክኣ ነይሮምዎ።
ፎን ኣግዋፎር ሳልሳይ፡ በቶም በጥ ኢሎም ዝግዝእሉ ዝነበሩ ህዝቢ ጥበበኛ ንጉስ ሰለሞን ተባሂሉ’ዩ ዝውሰድ።
ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት ዝረኸበቶ ኤቨሊን ፈንግ “ወትሩ መምህር’ዩ ዝመስል፤ ክረኽቦ እንከለኹ መግብን ዋዛታትን ሒዘ’የ ዝምለስ” ትብል።
ኣብ ልዕሊኡ ዝቐርቡ ነቐፌታታት’ውን ኣለው። ብ1960ታት ባዕዳዊ መግዛእቲ ከእክል እንከሎ፤ ኣብታ ሕጂ ዘላ ካሜሩን ኣብ ሞንጎ ኣብ ግዝኣት ኢንግሊዝን ፈረንሳን ዝጸንሓ ቦታታት ውህደት ክህሉ ኣለዎ ካብ ሞንጎ ዝበሉ እዩ።
ማንኮን፡ ሓንቲ ካብተን ብዙሓት ተዛረብቲ ኢንግሊዘኛ ካሜሩናውያን ዝርከቡለን ዓበይቲ ግዝኣታት ኰይና፡ ኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ይነብሩላ።
ገሊኦም፡ ተዛረብቲ ኢንግሊዘኛ ዝዀኑ ካሜሩናውያን ክግንጸሉ ኣለዎም ስለ ዝብሉ፡ ፎን ሳልሳይ ደጋፊ ውህደት ብምንባሩ ይቕረ ኣይብልሉን።
ኣብ ካሜሩን፡ ካብ 1962 ክሳብ 1988 ብሕታውን ውልቃውን ፈላሚ ኣባል ባይቶ ብምዃን’ውን ኣገልጊሉ እዩ።
ብ1990፡ ምኽትል ፕሬዝደንት ኰይኑ፤ ክሳብ “ዝስወር” ክኣ ኣብ ስልጣን ጸኒሑ።
ነቐፍቱ፡ ከም ንጉስ ኣብ ሻራዊ ፖለቲካዊ ስርዓት ተሳትፎ ክህልዎ ኣይምተገብአን ይብሉ። ንሱ ግን “ኣቦ ኩሉ” ስለ ዝዀንኩ ንህዝብታት ዕብየት ንምምጻእ እየ ናብ ፖለቲካ ኣትየ ይብል ነይሩ።
ካውንስል ንግስና ማንኮን፡ “ምስዋር” እዚ ንጉስ ንምእዋጅ ሰለስተ ነዋሕቲ ሰሙናት እዩ ወሲድሉ። ክሳብ ሽዑ፡ ህዝቢ እቲ ከባቢ “ኣብቲ ቤተ መንግስቲ ትኪ ኣሎ” እናበለ የጉረምርም ነይሩ።

ምንጪ ስእሊ, BBC/RANDY JOE SA'AH
እቲ ንጉስ ንህዝቢ ኣብ ዘይተገልጸ ቅዱስ ስፍራ “ሓመድ ኣዳም ክለብስ እንከሎ” እቲ ህዝቢ ንጉስና “ተሰዊሩ” ይብል ነይሩ።
ኣብ ማንኮን፡ ንጉስ ሞይቱ ተቐቢሩ ምባል ነውሪ’ዩ።
ብ29 ግንቦት “ምጥፋእ” እቲ ንጉስ ክእወጅ እንከሎ፡ ነቲ ንጉስ ዘለዎም ክብሪ ንምግላጽ ሰብኡት ቈቢዕ ኣይገበሩን፣ ኣንሽቲ’ውን ናብ ሕርሸአን ኣይወፈራን።
ስነ ስርዓት ሓዘን፡ ብ7 ሰነ ዓሰርታት ኣሽሓት ሰባት ናብቲ ኣብ ከተማ ባሜንዳ ዝርከብ ኣስታት 300 ዓመት ዝገበረ ቤተመንግስቲ ምስ ከዱ ተዛዚሙ።
ኣብታ ከተማ 500 ሽሕ ህዝቢ ይነብር።
እንተዀነ ዋላ ሓደ ንብዓት ኣየፍሰሰን፤ ምኽንያት ንዝጠፍአ ፎን ምብካይ ጽልኣት እዩ።
ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን፡ ካብ ዝደረቐ ሙዝ ወይ ሻምብቈ ዝተሰርሐ ሓጺር ክዳን ተኸዲኖም፣ ላዕላይ ክፋል ሰብነቶም ጥርሑ ኰይኖም [ደቂ ኣንስትዮ ጸሊም መሸፈኒ ጡብ ገይረን] ከይዶም።
ሓድሽ ንጉስ [ወዱ ንፎን ኣንግዋፎር ሳልሳይ] እውን ምስኦም ነይሩ። እቶም ተሳተፍቲ፡ ክብሮም ንምግላጽ ኣናኣሽቱ ኣእማን፣ ቘጽልን ሳዕርን ይድርብይሉ ነይሮም።
ድሕሪኡ፡ ኩሉ ናብ ሓጎስን በዓልን እዩ ተቐይሩ።
“ከምዚ ዓይነት ፍጻመ ንክመጽእ 63 ዓመታት እዩ ወሲዱ። እቲ ዝቕጽል ኣነ ብህይወት እንከለኹ ዘይከጋጥም ይኽእል” ክትብል ኣደሊን ንጉቲ ተዛሪባ።
መንታ ሓፍታ ኣይሪን ብወገና “ኩላትና ሓድሽ ንጉስና ኢና ንቕበል ዘለና። እዚ ኽኣ ባህልና እዩ፤ ንሱ’ውን ከም ኣቡኡ ዋርድያ ባህልና ክኸውን ተስፋ ንገብር” ኢላ።
“ኣንግዋፎር ሳልሳይ ነጊሱ፤ ድሕሪኡ ጠፊኡ። ንድሕሪት ተመሊሱ፤ ተሓዲሱ ክመጽእ’ዩ” ክብል ዋና ፈጻሚ ስራሕ ካውንስል ባህሊ ማናኮን ተዛሪቡ።
ስለዚ፡ ወዱ ኣግናዋፎር ጆን ኣሳህ፡ ወራሲ ዘውዲ ክኸውን በቲ “ዝተሰወረ” ንጉስ ተመዚዙ ኢሎም ይኣምኑ።
ኣብዚ ኹሉ ክብረ በዓል ሓደ ዝጎደለ ነገር ነይሩ፤ ሰብኡት ማንኮን ጠያይቲ ኣይተኰሱን።
መንግስቲ ኣብ ባህላዊ ክብረ በዓላት ጥይት ከይትኰስ ከልኪሉ’ዩ።
እቲ ከባቢ ብምኽንያት ሕቶ ምግንጻል ዘልዕሉ ተዛረብቲ ኢንግሊዘኛ ካብ 2017 ጀሚሩ ኣብ ጎንጺ ዝርከብ ስለ ዝዀነ፡ እቲ ሓድሽ ንጉስ ሰላም ከምጽእ ተስፋ ዝገብሩ ብዙሓት እዮም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







