'ንፕረዚደንትና ኣይትጽረፉልና' ሰልፈኛታት ካሜሩን

ልፈኛታት ኣብ ያውንዴ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ፈረንሳ

ኣብ ካሜሩን፡ ብርክት ዝበሉ ሰልፈኛታት ኣብ ያውንዴ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ፈረንሳ ብምምጻእ፡ ፕረዚደንት ማክሮን ንፕረዚድንትና ጽሪፉልና ብምባል ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

ኣብዘን ዝሓለፋ ቀዳመ-ሰንበት ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ዝወጸ ቪድዮ፡ ፕረዚደንት ማክሮን ንሓደ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ቤት-ጽሕፈቱ ረኺቡ፡ ንመራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ሙሪስ ካመቶ ካብ ቤት-ማእሰርቲ ክፍትሖ፡ ንፕረዚደንት ፖል ቢያ ጽቕጢ ከምዝገበረሉ ይዛረብ።

ኣብቲ ቪድዮ፡ ፕረዚደንት ማክሮን "ኣብ ካሜሩን ክትጻወሮ ዘይትኽእል ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት" ኣሎ ክብል ይስማዕ።

እዚ ፍጻመ ድሕሪ እቲ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ካሜሩን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣብ ሓንቲ ቁሸት ኣስታት 22 ሰባት ምስ ተቐትሉ እዩ ዝኸውን ዘሎ።

ፕረዚደንት ማክሮን፡ ነቲ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ሰሙን ንፕረዚደንት ፖል ቡያያ ደዊሉ ሓያል ጸቕጢ ክገብረሉ ምዃኑ ሓቢርዎ።

ሰበስልጣን ካሜሩን ግን ንዘረባ ፕረዚደንት ማክሮን ብጽቡቕ ኣይተቐበልዎን።

ካብቶም ሰልፈኛታት "ንሕና ምስ ፕረዚደንትና ሕጉሳት ኢና። ናይ ሰላም ሰብኣይ እዩ" ክብል ኣብ ቅደሚ ኤምባሲ ይጭድር ነይሩ።

ካልእ ድማ "ፈረንሳ ንካሜሩን እትምህራ ትምህርቲ የለን፤ ማክሮን ንፕረዚደንትና ብምጽራፉ ይቕረታ ክሓትት ኣለዎ" ክብል ተዛሪቡ።

እቲ ዝተኻየደ ሰልፊ ብሰበስልጣን መንግስቲ ተወዲቡ ክኽውን ይኽእል ዝብሉ ወገናት ኣይተሳእኑን።

ፖል ቢያ፦ ፕረዚደንት ካሜሩን

ካብ 1975 ጀሚሩ ንካሜሩን ይመርሕ ኣሎ። ቅድሚኡ ኣብ ስልጣን ምስ ዝነበሩ ፕረዚደንት ኣሕመዱ ኣሂዲጆ ጽቡቕ ርክብ ስለዝነበሮም፡ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ኮይኑ ኣገልጊሉ።

ኣብቲ እዋን ዝነበረ ሕጊ ካሜሩን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ተተካኢ እቲ ፕረዚደንት ክኸውን ይኽእል ይብል ነይሩ።

ፕረዚደንት ኣሕመዱ ኣሂዲጆ ብሃንደበት ካብ ስልጣኑ ምስ ወረደ፡ ፖል ቢያ ናብቲ መዝነት ደይቡ።

ብ1976 ኣብ ልዕሊኡ ዝተፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ፈሺሉ። ወዲ 85 ዓመት ፕረዚደንት ካሜሩን ፓል ቢያ፡ ኣብ ትሕተ-ሳሃራ ኣፍሪቃ ዝኣረገ መራሒ ምዃኑ እዩ ዝፍለጥ።