ኣብ ካሜሩን ኣስታት 22 ሰለማውያን ሰባት ተቐቲሎም

ምንጪ ስእሊ, Cameroon Army
ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ካሜሩን ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ካብ ሓንቲ ቁሸት ጥራይ፡ ኣስታት 22 ሰባት ከምዝተቐትሉ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።
ካብቶም ዝተቐትሉ ፍርቆም ቆልዑ ከም ዝኾኑን፡ ገለ ካብቶም ግዳያት ድማ ብህይወቶም እንከለው ከም ዝነደዱን ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።
ክሳብ ሕጂ ሓላፍነት ናይቲ መጥቃዕቲ ዝወሰደ ኣካል የለን። እንተኾነ ግን፡ ተቓወምቲ ሰልፍታት ንሰራዊት እታ ሃገር እዮም ዝነቕፉ።
መንግስቲ ካሜሩን ኣብ ዝሓለፈ ተኸታተልቲ ዓመታት፡ ኣብ ዞባ ኣንግሎፎን ምስ ዝርከቡ ተቓወምቲ ኣብ ኲናት ተጸሚዱ ከምዝርከብን፡ እቲ ኲናት ህይወት ብዙሓት ሰላማውያን ሰባት ከም ዝለከመን ይሕበር።
መንግስቲ ካሜሩን ግን ብዛዕባ'ዚ መጥቃዕቲ ኣመልኪቱ ዝሃቦ ርእይቶ የለን።
እቲ ዝጋጠመ መጥቃዕቲ፡ ንነበርቲ እቲ ከባቢ ኣብ ስንባደ ከም ዘእተዎም ሓለፊ ሓገዛት ሕቡራት ሃገራት ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ሓደ ካብቶም ቀንዲ ተቓወምቲ ሰልፍታት'ውን፡ እቲ መጥቃዕቲ በቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ "ውልቀ-መላኺ" መንግስቲ ካሜሩን፡ ብሓላፊ ሓይልታት ጸጥታ ካሜሩን ተፈጺሙ ክኸውን ይኽእል እዩ ክብል ተዛሪቡ።
ሰብመዚ ሰራዊት ከሜሩን ንኤ.ኤፍ.ፒ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ግን፡ ነቲ ክሲ ነጺጎምዎ ኣለው።

ምንጪ ስእሊ, Anadolu Agency
ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ዝርከብ ዞባ ኣንግሎፎን፡ ርእሰ-ምምሕዳር ክፍቀደሉ ንዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ዘቕረቦ ጠለብ፡ ነታ ሃገር ኣብ ፖለቲካዊ ቅልውላው ክትሽመም ገይሩዋ እዩ።
መንግስቲ ካሜሩን ግን፡ ነዚ ንነዊሕ እዋን ተዓቢጡ ክኸይድ ዝጸንሐ ሕቶ ርእስ-ምምሕዳር ከም ዘይቅበሎ'ዩ ዝገልጽ።
መንግስቲ ካሜሩን፡ ነዞም ርእሰ-ምምሕዳር ዝጠልቡ ከም "ግበረ-ሽበራውያን" ከም ዝርእዮምን ንሓያሎ መራሕቲ ናይቲ ዞባ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዩ ከም ዘሎን ይሕበር።
ብሰንኪ እቲ ተፈጢሩ ዘሎ ኲናት ልዕሊ 3,000 ሰባት ክሞቱ እንከለው፡ ኣስታት 70 ሽሕ ሰባት ካብ ቤቶም ከምዝተመዛበሉ ጸብጻባት የመልክቱ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







