ካሜሩን፡ ፕረዚደንት ፓል ቢያ ንሻብዓይ ጊዜ ተዓዊቱ

ምንጪ ስእሊ, ANADOLU AGENCY/GETTY IMAGES
ወዲ 85 ዓመት ፕረዚደንት ካሜሩን ፓል ቢያ፡ ኣብቲ ትሑት ተሳታፍነትን ምፍርራሕን ዝዓብለሎ ሃገራዊ ምርጫ ንሻብዓይ ጊዜ ፕረዚደንት ኮይኑ ተመሪጹ።
እቲ ኣብ ትሕተ-ሳሃራ ኣፍሪቃ ዝኣረገ መራሒ ምዃኑ ዝፍለጥ ቢያ፡ 71.3% ናይቲ ድምጺ ብምርካብ ከም ዝተዓወተ ወግዓዊ ውጽኢት ምርጫ ይሕብር።
ተቓወምቲ ወገናት፡ እቲ ምርጫ ዳግማይ ክካየድ ዘቕረብዎ ጠለብ ብቅዋማዊ ቤት ፍርዲ'ታ ሃገር ተነጺጉ እዩ።
ፓሊስ'ታ ሃገር፡ ክግበር ንዝኽእል ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ንምብታን ኣብ ቀንዲ ከተማታት ያውንደን ዱዋላን ንሓለዋ ተዋፊሮም ምህላዎም ጸብጻባት ገሊጾም ኣለዉ።
ክልተ መዓልታት ወጽኢት ምርጫ ቅድሚ ምግላጹ፡ እቲ ንባዕሉ ንነዊሕ እዋን ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ፕረዚደንት ጎረቤት ሃገር ኢኳቶሪያል ጒኒ ንፓል ቢያ ዮሃና ኢልዎ ነይሩ።
ኣብቲ እታ ሃገር ካብ መግዛእቲ ኣውሮጳ ዝወረሰቶ ክልተ ክፋላ ዘይምርግጋእ ፈጢሩላ ኣሎ። እቲ ኣብ መንጎ ፍራንኮፎን (ጽልዋ ናይ ፈረንሳ ዘለዎ) ኣንግሎፎንን (ናይ ብሪጣንያ ግዝኣት ዝነበረን) ዘሎ ወጥርን ግጭትን ንካሜሩን ዓቢ ቅልውላዉ ኮይንዋ ኣሎ።
ብመሰረት ውጽኢት ምርጫ፡ ኣንጻር ፕረዚደንት ቢያ ዝተወዳደረ፡ ማውሪስ ካማቶ 14.2% ጥራይ'ዩ ክረክብ ኪኢሉ። ንሱ ን ኤም ኣር ሲ ዝተባህለ ሰልፊ ወኪሉ ከም ዝተወዳደረን፡ ኣብታ ናይ ቁጠባ ርእሰከተማ ዝኾነት ዱዋላ ጥራይ ከም ዝተዓወተን ተፈሊጡ'ሎ።
ኣብ ኩለን ካልኦት ከባቢታት ፕረዚደንት ፓል ቢያ፡ ብገፊሕ ከም ዝሰዓረ'ዩ ወግዓዊ ውጽኢት ምርጫ ዘመልክት።
ኣብቲ ብኣንግሎፎን ዝጽዋዕ ከባባታት ግን ትሑት ተሳታፍነት ከም ዝነበረን፡ ኣብ ገለ ቦታታት ናይቲ ዞባ'ውን ተዅሲ ከም ዝተሰምዐን ኣገልግሎት ዜና ኤ ኤፍ ፒ ሓቢሩ።
ተዓዘብቲ ምርጫ ኣፍሪቃዊ ሕብረት፡ እቲ መስርሕ "ብሓፈሻ ሰላማዊ" ምንባሩን፡ እንተኾነ ግን "ኩሎም ወገናት ዝተሳተፍዎ ኣይነበረን" ብምባል ገሊጾም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







