ካሜሩን፡ 'ብማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተጎሃሃረ ጎንፂ ኢዩ'

ካሜሩን ግጭት ኣብ መንጎ መንግስትን ተነጸልቲ ኣንግሎፎንን

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ጎንፂ ኣብ መንጎ መንግስትን ተነጸልቲ ኣንግሎፎንን ድሕሪ ናይ 2016 ተቓዉሞታት ገኒኑ

ቀዳማይ ሚኒስተር ካሜሩን፡ ኣብ 'ታ ሃገር ንዝርአ ዘሎ ናዕቢ ተሓተትቲ፡ እቶም ኣብ ስደት ዝነብሩ ዜጋታት ኢዮም ክብል ወቒሱ።

ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝነብሩ ካሜሩናዉያን ብማሕበራዊ መራኸቢታት ኣቢሎም "ዘረባ ጽልኣትን ራዕድን" ከምኡዉን ናይ "ሞት ትእዛዛት" ይፍንዉ ብምህላዎም ፊልሞን ያንግ ከሲሱ።

"ነቲ ኣብ ደገ ብዝነብሩ ካሜሩናዉያን ዝምወል ሽበራ፡ ማሕበራዊ መራኸቢታት እቲ ዝበለጸ ባይታ ኮይኑሎም ኣሎ። ብድሕሪ ኮምፕዩተራቶምን ተለፎናቶምን ኮይኖም፡ ዘረባ ጽልእን ራዕድ ምፍናዉ ሓሊፍዎም ክሳብ ናይ ሞት ትእዛዛ የመሓላልፉ ኣለዉ።"

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ወሲኹ ኣብቲ ምስ ተነጸልቲ ኣንግሎፎን (ኣብ ትሕቲ ግዝኣት እንግሊዝ ዝነበረ ክፋል ካሜሩን) ኲናት ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ልዕሊ 80 ኣባላት ጸጥታ ከም ዝተቐትሉ ሓቢሩ።

ካልኦት ልዕሊ 100 ሲቪላዉያንን ተወከልቲ ክልላት ዉን ከም ዝተቐትሉን ከምዝተጨዉዩን 'ዉን ገሊጹ።

ብተወሳኺ ነቶም በቲ ኲናት ዝተመዛበሉ ዜጋታት ንህጹጽ ሰብኣዊ ደገፍ ዝዉዕል ሓድሽ 220 ሚልዮን ዶላር ከም ዝሰልአ ቀዳማይ ሚኒስተር ያንግ ኣፍሊጡ።

እቶም ካብ ኣንግሎፎን ዝኾኑ ካሜሩናዉያን፡ ሰበስልጣን እታ ሃገር ግቡእ ቆላሕታ ኣይገብሩልናን ኣለዉ ዝብል ተደጋጋሚ ተቓዉሞታት ኣብ መወዳእታ ናይ 2016 ናብ ዝለዓለ ጥርዙ ከም ዝበጽሐ ይፍለጥ።

መንግስቲ ነቲ ተቓዉሞታት "ብዘይ ሕጊ ምእሳር፡ ምስቓይ፡ ምቕታልን ንብረት ብምዕናዉን" ግብረመልሲ ምሃቡ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ይገልጽ።