ካሜሩን፡ ሰራዊት እታ ሃገር ብዕጡቓት ንዝተጨወዩ ተመሃሩ ነፃ ኣውፂኡ

ምንጪ ስእሊ, Cameroon Army
ሓይልታት ፅጥታ ካሜሩን፡ ኣብ ደቡብ-ምዕራብ እታ ሃገር ኣብ ዝርከብ መዋፈሪ ዕጡቓት ተነፀልቲ ብዘካየዶ ወፍሪ፡ ነቶም ዝተጨወዩ ተመሃሮን ርእሰ መምህሮምን ነፃ ኣውፂኡ።
እቶም ተመሃሮ ኣብ ከተማ ኩምባ ካብ እትርከብ ቤት ትምህርቲ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ'ዮም ተጨውዮም።
ኣብቲ ዝተኻየደ ወፍሪ ኣርባዕተ ዕጡቓት ክቕተሉ ከለዉ፡ ሓደ ከም ዝተትሓዘ ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ሰሜን-ምዕራብን ደቡብ-ምዕራብን ግዝኣታት ካሜሩን፡ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ግዳያት መጥቃዕቲ እቲ ተነፃሊ ሓይሊ ኮይነን'የን።
ኣብተን ብዝሒ ተዛረብቲ እንግሊዝኛ ዝርከቡለን ግዝኣታት ዘለዉ ጉጅለ ዕጡቓት፡ ንናፅነት ዝግበር መሰል ርእሰ ውሳነ እንተዘይተፈፂሙ፡ ወለዲ ተመሃሮ ደቆም ናብ ቤት ትምህርቲ ከይልእኹ ክፅውዑ ፀኒሖም።
ቋንቋ ፈረንሳ (ፍሬንች) ብስፍሓት ኣብ ዝዝረበላ ሃገር፡ ከም ዝተገለሉ ብምግላፅ ሓይል ተቓውሞ ካብ ምስማዕ ብዝሰገረ፡ ኣምባዞንያ ዝተበሃለት ነፃ ሃገር ንምምስራት ምንቅስቓስ ይገብሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ድሕሪ ቀትሪ ድማ ዝተወሰኑ ዕጡቓት፡ ሎርድስ ባይሊንጓል ናብ ዝተበሃለት ቤት ትምህርቲ ብምእታው ነቲ ጭውያ ፈፂሞም። ብዙሓት ተመሃሮ ንምህዳም ብሓፁር ቤት ትምህርቶም እናዘለሉ ክወፁ ተራእዮም።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







