ዕጡቓት ካሜሩን፡ ተምሃሮ ካብ ቤት ትምህርቲ ጨውዮም

ካርታ ካሜሩን

20 ተምሃሮ ካሜሩን፡ ካብቲ በዝሒ ተዛረብቲ እንግሊዝኛ ዝርከቡሉ ግዝኣት እታ ሃገር ብዕጡቓት ተጨውዮም።

እቲ ኩምባ ኣብ ዝተበሃለት ከተማ ዝተፈፀመ ጭውያ ተምሃሮ፡ እቶም ቅድሚ ሰሙናት ካብ ካልእ ከባቢ ዝተጨወዩ ኣስታት 80 ተምሃሮ ናብ ገዝኦም ብሰላም ካብ ዝምለሱ ድሕሪ ቁሩብ መዓልታት እዩ።

ሰሜን ምዕራብን ደቡብ ምዕራብን ግዝኣታት ካሜሩን ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ፡ ብተነፀልቲ ዓመፅቲ ክትጥቅዓ ምፅንሐን ይግለፅ።

እቶም ዕጡቓት፡ ንናፅነት ዝካየድ ርእሰ ውሳነ ተፈፃሚ እንተዘይኮይኑ፡ ነበርቲ እቲ ከባቢ ደቆም ናብ ቤት ትምህርቲ ከይሰዱ ክፅውዑ ፀኒሖም።

ኣንፃር ዕብለላ ናይቶም ቋንቋ ፈረንሳ ዝዛረቡ ዜጋታት ዝካየድ ተቓውሞ፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናሰፍሐ መፂኡ'ሎ።

ሎርድስ ባይሊንጓል ናብ ዝተበሃለት ቤት ትምህርቲ ዝኣተዉ ዕጡቓት፡ ነቶም 20 ተምሃሮ ምስ ርእሰ መምህር ናይታ ቤት ትምህርቲ ጨውዮም ወሲዶም።

ካብ ጭውያ ዝተፈነዉ ተመሃሮ ናብ መኪና እናደየቡ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ቅድሚ መዓልታት ካብ ጭውያ ዝተፈነዉ ተመሃሮ

እቲ ጭውያ ከም ዝተፈፀመ፡ ምንጭታት ንቢቢሲ ዘረጋገፁ ኮይኖም፡ ኣባላት ድሕነት ምርመራ ከካይዱ ምጅማሮም ተፈሊጡ።

መንግስቲ፡ ነቲ ቅድሚ ሰሙናት ኣብ ሰሜን ምዕራብ፡ ባሜንዳ ኣብ ዝተበሃለት ግዝኣት ብዝተፈፀመ ተመሳሳሊ ጭውያ፡ ንተነፀልቲ እታ ሃገር ተሓተትቲ ይገበር። ይኹን ደኣ'ምበር እቲ ክሲ በቶም ተነፀልቲ ተቐባልነት ኣይረኸበን።

እቶም ተነፀልቲ፡ ናፅነት ሰሜን-ምዕራብን ደቡብ-ምዕራብን ክፋል እታ ሃገር ንኽረጋገፅ ዘለዎም ድልየት ብምግልፅ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዕጥቂ ተዓጢቖም።

ክልትኤን ግዝኣታት ብዝሒ ተዛረብቲ ቋንቋ እንግሊዝኛ ይርከቡለን። ኣምባዞንያ ዝተበሃለት ነፃ ሃገር ንምፍጣር ድማ ናብ ቃልሲ ኣትዮም።