ካሜሮን፡ ልዕሊ 70 ተምሃሮ ኣብ ባመንዳ ተጨውዮም

ምንጪ ስእሊ, .
ኣብ ምዕራብ ካሜሮን ዝበዝሑ ተምሃሮ ዝርከብዎም ካብ ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ ተጨውዮም።
እዞም ዝተጨወዩ ብውሕዱ 79 ተምሃሮን፡ ካልኦት ሰለስተን ክምኡ'ውን ሓላፊ እቲ ቤት ትምህርቲ ዝርከቦም ኮይኖም ብሰኑይ ኣብ ሰዓታት ናይ ንግሆ፡ ርእሰ ከተማ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ካሜሮን ካብ ዝኾነት ከተማ ባመንዳ ከም ዝተጨወዩ ሰብ መዚ ካሜሮን ንቢቢሲ ሓቢሮም።
ነዞም ዝተጨወዩ ተምሃሮ ናይ ምእላሽ ስራሕ ብወተሃደራት ካሜሮን ተመሪሑ ይሳለጥ ኣሎ።
ኣብ ካሜሮን ኣብ ዝሓለፈ ቅሩብ ዓመታት፡ ኣብ ዞባታት ሰሜናዊ ምዕራብን ደቡባዊ ምዕራብን፡ ካብታ ሃገር ክፍለዩ ዝጠልቡ ተንቀሳቀስቲ ሓይልታት ብተደጋጋሚ ክጥቅዓ ጸኒሐን እየን።
ኣምሓዳሪ ዞባ ዝኾን ኣዶልፐ ለለ፡ እቶም ምፍላይ ክጠልቡ ዝጸንሑ ሓይልታት ኣፍሪቃ ነዚ መጭወይቲ ከምዝፈጸምዎ ግምቱ ኣንቢሩ።
እዞም ምፍልይ ዝጠልቡ ሓይልታት፡ እተን እንግሊዝ ዝዛረባ ክልተ ዞባታት ናጽነት ንክውሃበን ብምጥላብ ናይ ትምህርቲ ደው ናይ ምባል ኣድማ ጻውዒት ኣቕሪቦም ምንባሮም ይፍለጥ።
እዞም ካብ ቤት ትምህርቲ ፕረባይተርያን ዝተጨወዩ ተምሃሮ፡ ካብ 10 ክሳብ 14 ዕድሚኦም ኮይኖም ክሳብ ሕጂ ነዚ መጭወይቲ ኣነ እየ ፈጺመዮ ዝብል ጉጅለ ኣይተረኸበን።
ናይቶም ዝተጨወዩ ተምሃሮ ዝተሳኣለ ተንቀሳቃሲ ስእሊ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተዘርጊሑ ሰብ ይቀባበለሉ ኣሎ።
እቶም ተምሃሮ ኩሎም ድቂ ተባዕትዮ ኮይኖም ኣብ ሓደ ጸቢብ ገዛ፡ ብቲ ነታ ካሜራ ዝሓዘ ሰብ ስሞምን ካብይ ከምዝመጸን ተሓቲቶም ኣብ ዝምልስሉ ዝነበሩ እዋን ፍርሕን ምርባሽን ይርኣዮም ምንባሩ ኣብቲ ተንቀሳቃሲ ስእሊ ይረአ።
" ትማሊ ካብ ትምህርቲ ብ 'ኣምባ ቦይስ' ተወሲደ ሕጂ ኣብይ ከምዝለኹ ኣይፈልጥን እየ" ዝብል ሓረግ ይደጋግሙ ነይሮም።
ኣምባ ኣሕጽሮተ ቃል ናይ ኣማባዞናያ ኮይኑ፡ ኣምባዞንያ እቶም ምፍላይ ዝጠልቡ ዘለዉ ሓይልታት ነታ ክምስርትዋ ዝደልዩ ዘለዉ ሃገር ዝሃብዎ ስም እዩ።
ኣብ ትሕቲ ዓራት ብምሕባእ ካብ መጭወይቲ ዝተረፈ ሓደ ተምሃራይ " ንሓደ ዓርከይ ክሃርምዎ እንከለዉ ይርኣየኒ ነይሩ፡ ዋላ ንገለ ካብቶም ተምሃሮ ክቀትልዎም'ውን ይደናደኑ ነይሮም ነቶም ኣዝዮም ዝነኣሱ ብምሕዳግ ነቶም ዕብይ ዕብይ ዝበሉ ሒዘሞም ከይዶም" ክብል ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ኣብ ጥቕምቲ 19 ሓሙሽተ ተምሃሮ ካብ ቤት ትምህርቲ በይሉንጋል መንነቶም ብዘይተፈለጡ ሰብት ድሕሪ ምጭዋዮም ክሳብ ሕጂ ኣበይነቶም ኣይተፈለጠን ዘሎ።
እዞም ምፍላይ ዝጠልቡ ዘለዉ ኣብ 2017 ዝቆሙ ጉጅለታት ኮይኖም፡ መንግስቲ ካሜሮን ዝኽተሎ ዓይነት ኣመሃህራ ቋንቋ ፈረንሳ ዝኽተል ኮይኑ፡ ንቶም 20ሚእታዊት ዝውክል፡ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብን ደቡባዊ ምዕራብን ዝጥቀመሉ ቋንቋ እንግሊዝ ዝጸቕጥ'ዩ ብምባል ክቃወምዎ ጸኒሖም እዮም።
ሓጺር ታሪኽ ሃገረ ካሜሮን
- ኣብ 1884 ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ጀርመን ኣትያ
- ኣብ 1916 ሰራዊት ጀርመን ብሓይልታት ዓባይ ብርጣንያን ፈረነሳን ተደፊኡ ካብ ካሜሮን ወጽዩ
- ካሜሮን ኣብ ክልተ ተገማሚዓ፡ 80 ሚእታዊት ብፈረንሳ ክትግዛእ እንክላ ዝተረገፈ 20 ሚእታዊት ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ዓባይ ብርጣንያ ኣትዩ
- 1960 ካሜሮን ካብ ፈረንሳ ናጽነታ ረኺባ
- ድሕሪ ረፈረንዶም፡ ደቡባዊ ካሜሮን ምልእቲ ካሜሮን ከቐውም እንከሎ፡ ተዛረብቲ እንግሊዝ ዝኾኑ ኣብ ሰሜን ካሜሮን ዝነበሬ ከኣ ምስ ተዛረብቲ እንግሊዝ ዝኾኔ ናይጀርኣ ሓቡሮም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







