''ገዛውትና ዓንዩ ንበልዖን ንሰትዮን የብልናን'' ግዳያት

ምንጪ ስእሊ, ወንድማገኝ ኣሰፋ
ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኦሮምያ ዞባ ቡኖ በደሌ ብዘጋጠመ ጎንጺ ምኽንያት መንበሪኦም ራሕሪሖም ኣብ ፖሊስ ጣብያ ዝተዓቖቡ ግዳያት ኣዘራሪብና ኣለና።
ኣይተ ኣቢ ኣዝመራው፡ ካብ ገዛውቶም ተመዛቢሎም ኣብ ፖሊስ ጣብያ ካብ ዝርከቡ ሰባት ሓደ እዮም።
ብኣካልን ብስልክን ተደጋጋሚ ናይ ምፍርራሕ ፈተነ ስለዝተገበረሎም ስድረኦም ሒዞም ናብ ዱር ከምዝኸዱ ሓቢሮም።
ብኣካል ዝፈልጥዎ ሓደ ሰብ ከምዝሞተን ካልእ ይማም ንጋቱ ዝተባህለ ድማ ተጎዲኡ ኣብ ሕክምና ከምዝርከብ ኣይተ ኣቢ ንቢቢሲ ገሊጾም።
ካብ ጣብያ ኮክቼ ኩሳዮ ዝተመዛበሉ 91 ሰባት ብሓገዝ ሓይልታት ጸጥታ፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ፖሊስ ጣብያ ተዓቝቦም ከምዝርከቡ ተፈሊጡ ኣሎ።
ካሊእ ኣብቲ ፖሊስ ጣብያ ተዓቝበን ዝርከባ፣ ወይዘሮ ፋጤ ኢንድሪስ ብወገነን ጸገም ክጻወሩ ዘይኽእሉ ህጻውንትን ኣደታት ከምዘለዋ ሓቢረን።
ካብ መንግስቲ ከም ኮበርታ፣ መግብን ክዳዉንትን ዝኣመሰሉ ግዝያዊ ሓገዝ ከምዘይተግብረሎም'ውን ወይዘሮ ፋጤ ገሊጸን።
ገና ካብ ጫካ ወጺኦም ናብ ግዝያዊ መዕቖብታት ዘይተጸምበሩ ዜጋታት ከምዘለዉ'ውን ዘዘራረብናዮም ምንጭታት ሓቢሮም።
መጥቓዕቲ ዝፈጸሙ ኣካላት እንታዎት'ዮም?
ኣይተ ኣቢ ''መናእሰይ እቲ ከባብን ዘይንፈልጦም ካልኦት ሰባትን'ዮም ገዛውትና እናፈለዩ ዘቃጸሉን ንብረትና ዘዕነዉን። ካብኡ ድማ ዉጹልና ኢሎሙና''። ኢሎም።
ካብ 1977 ዓ/ም/ኢ ጀሚሮም ብሰፈራ ናብቲ ከባቢ ከምዝመጽኡ ዝገልጹ ኣይተ ኣቢ፣ ካብ ዝሓለፈ 5 ዓመታት ጀሚሩ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ዓሌታዊ ጎንጽታት ይኽሰቱ ምህላዎም ሓቢሮም።

ምንጪ ስእሊ, ወንድማገኝ ኣሰፋ
''እቶም መናእሰይ ናይቲ ዓዲ 'ኣጆኹም ዋላ ሓደ ሰብ ኣይትንክፈኩምን' ይብሉና። በቲ ካሊእ ገጽ ድማ መጥቃዕቲ ይፍጹምልና። ዋላ ሓደ ሰብ ክትኣምን ኣይትኽእልን። ስለዚ ከምዚ እናተሳቐቕና ክንነብር ስለዘይንኽእል መንግስቲ ካብቲ ቦታ ክኣልየና ንደሊ'' ክብሉ ኣምሪሮም ተዛሪቦም።
ሰበ መዚ ክልል ኦሮምያን ምምሕዳር እቲ ከባብንከ እንታይ ይብሉ?
ዛጊድ ብሰንኪ እቲ ጎንጺ ኣብ ቡኖ በደሌ ጥራሕ 14 ሰባት ከምዝሞቱ ዝገልጹ ሓላፊ ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ኦሮምያ ኣይተ ኣዲሱ ኣረጋ፡ እቶም 9 ተወለድቲ እቲ ክልል ምዃኖም ኣጣሊሎም። ተወለድቲ ካልኦት ብሄራት ድማ ይበጽሖም ብዘሎ ምፍርራሕ ምኽንያት ንብረቶም ገዲፎም ይሃድሙ ከምዘለዉን ተወሳኺ ጉድኣት ከየስዕብ ድማ ፖሊስ ክልል ኦሮምያ ግቡእ ሓለዋ ከምዝገብር ወሲኾም ሓቢሮም።
ንተመዛበልቲ ዝኸውን ሓገዝ መግብን ኣልባሳትን'ውን ናብቲ ኸባቢ ተላኢኹ ኣሎ ኢሎም ኣይተ ኣዲሱ።
ሓላፊ ጉዳያት ፖለቲካ ዞቦ ቡኖ በደሌ ኣይተ ሞሲሳ ብወገኖም፡ "ብርግጽ ህይወት ሰብ ጠፊኡን ንብረትን'ውን ዓንዩ እዩ" ድሕሪ ምባል፡ ይኹን እምበር እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ተወለድቲ ትግራይን ኣምሓራን ጥራሕ እንተይኮነስ ኣብ ተወለድቲ ብሄረ ኦሮሞ'ውን ዘነጻጸረ ከምዝኾነ ገሊጾም።
እቲ ዘሎ ጸገም ንምፍታሕ ዓበይቲ ዓዲን ኣካላት መንግስትን ብሓባር ይሰርሑ ከምዘለዉ'ውን ኣይተ ሞሲሳ ኣረዲኦም።

ምንጪ ስእሊ, ወንድማገኝ ኣሰፋ




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







