ግጭት ካሜሩን፡ 'ናብ ሚስጢራዊ ቤት ትምህርቲ'የ ዝኸይድ'

ዱዋላ ናብ ዝርከብ ዘይሕጋዊ ቤት ትምህርቲ ዝኸይድ ቖልዓ፤ ካሜሮን
መግለጺ ስእሊ, ብዙሓት ስድራቤታት፡ ብምኽንያት ግጭት ደቆም ብኣግባቡ ናብ ቤት ትምህርቲ ክልእኹ ኣይክኣሉን

ወዲ 11 ዓመት ቆልዓ ማክጆርነይ፡ ኣብ ካሜሩን ናብ ዘይሕጋዊ ቤት ትምህርቲ ካብ ዝኸዱ ተመሃሮ ሓደ'ዩ።

ስድርኡ ተዛረብቲ ቋንቋ ኢንግሊዘኛ ኣብ ዘለውዎም ዞባታት ካብ ዝንቀሳቐሱ ዓመጸኛታት ሃዲሞም ምስ ወጽኡ፡ ድሕነቱ ተሓሊዩ ክመሃረሉ ዝኽእል ቤተ ትምህርቲ ረኺብና ኢሎም ሩፍታ ክስምዖም ዝገበረት እዛ 'ሚስጥራዊት ቤት ትምህርቲ' እያ።

እዛ ቤት ትምህርቲ፡ ዱዋላ ኣብ ዝተብሃለት ዓባይ ከተማ ካሜሩን ትርከብ።

መንግስቲ ግን ከምዚኣ ዝበላ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ዘይሕጋዊ'የን ስለ ዝብል፡ ክትዕጾ ትኽእል እያ።

ኣብታ ቋንቋ ፈረንሳ ዝዝውተረላ ዱዋላ፡ ከምዚአን ዓይነት ዘይሕጋዊ ኣብያተ ትምህርቲ ከም ቅንጥሻራ ብዙሓት'የን።

'ጠያይቲ እንክዘንቡ'

ኣብ ከተማ ባመንዳ ሓዊሱ ግዝኣት ኢንግሊዝ ኣብ ዝነበረ ሰሜን ምዕራባውን ደቡብ-ምዕራባውን ካሜሩን ዝርከባ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ንዝሓለፉ ልዕሊ ሰለስተ ዓመታት ተዓጽየን'የን።

በዚ ምኽንያት፡ ልዕሊ 600,000 ህጻናት፡ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ቦዂሮም።

"ኲናት ስለ ዝነበረ ካብ ባመንዳ ወጺአ፤ ጥይት እናተኮሱ ሰባት ይቐትሉ ነይሮም" ይብል ህጻን ማክጆርነይ።

ከይተዓጸዋ ተሪፈን ዝነበራ ውሑዳት ኣብያተ ትምህርቲ ድማ፡ ካብቶም ዓመጽቲ ክፍነወለን ዝኽእል መጥቃዕቲ ኣንጸላሊዩወን ነይሩ።

"ኣብ መምሃሪ ክፍሊ ኾፍ ክንብል ኣይንኽእልን፤ በቲ ዚንጎ ጠያይቲ ይዘንቡ ነይሮም። ብጣዕሚ'ዩ ዘፍርሕ ነይሩ" ኢሉ።

ገለ ስራሕ ዝደልዩ ሰባት ግን ገንዘብ እናኽፈሉ ነዞም ቆልዑት ኣብ ዱዋላ ብሕቡእ ትምህርቲ ክህቡዎም ጀሚሮም።

ማክጆርነይ ድማ ብሓንቲ ጸባብ፣ ጥውይዋይ መገዲ መዓልታዊ ክልተ ኪሎ ሜትሮ ብእግሩ እናተጉዓዘ ማዕጾ ናብ ዘይብላ ካብ ዕንጸይቲ ናብ ዝተሰርሐት መምሃሪ ክፍሊ ይኸይድ።

ተመሃሮ ኣብ እግሪ ዳዕሮ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ተመሃሮ ኣብ እግሪ ዳዕሮ

እቲ ኸባቢ ብኣመራርሓ መንግስቲ ብቐሊሉ ክፍለጥ ስለ ዘይኽእል'ዩ እዚ ቦታ ተመሪጹ።

ማክጆርነይ፡ ኣብ ዱዋላ ናብ ዝርከባ ናይ ብሕቲ ኣብያተ ትምህርቲ እንክኸይድ ንኻልኣይ ግዝኡ'ዩ።

እታ ናይ መጀመርታ ብመንግስቲ ሕጋውነታ ስለ ዘይጸደቐ ተዓጽያ።

ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ፡ ኣብያተ ትምህርቲ ብወግዒ ዝተመዝገበ መጻወቲ ሜዳ፣ ቤተ ንባብን መምሃሪ ክፍልን ክህልወን ኣለዎ ይብሉ።

ልዕሊ 250 ኣብያተ ትምህርቲ ተዓጽየን

ወነንቲ እተን ኣብያተ ትምህርቲ ግን፡ ደቆም ትምህርቲ ክረኽቡ ዝደልዩ ወለዲ እቲ ሕጊ ትምህርቲ ዝኽፈል ገንዘብ ከም ዘድልዮም ስለ ዝድንግግ፡ እዚ ጾር ንከቃልሉሎም ፍቓደኛታት'ዮም።

ዓመታዊ 200 ዶላር እዮም ዝኸፍሉ፤ እዚ ኣርባዕተ ዕጽፊ ወርሓዊ ጡሮታ እታ ሃገር'ዩ።

"ንዓና መመዝገቢ ምኽፋል'ውን ቀሊል ኣይነበረን" ትብል ኣደ ማክጆርነይ።

ንሳ'ውን ልክዕ ከምቶም ካልኦት ስድራ፡ ካብቲ ግጭት ዝሃደሙ ሰባት ዘለዎም ኣማራጺ ድሩት ብምኻኑ፡ ተቐባልነት ኣብ ዘለዎም ኣብያተ ትምህርቲ ቦታ ምርካብ ኣጸጋሚ'ዩ ትብል።

ኣብዚ ዓመት ክሳብ ሕጂ፡ ልዕሊ 260 ኣብያተ ትምህርቲ ተዓጽየን ኣለዋ።

ሓላፊ ኣብ ዱዋላ እትርከብ ቤት ትምህርቲ ሲልቨስተር ሙካላ፡ መንግስቲ ነቶም ካብ ግጭት ዝሃድሙ ተመሃሮ ንምትእንጋድ ዝሕግዙ ስጉምታት ወሲዱ'ዩ ይብል።

"ሚኒስትሪ ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ማሕበር መምሃራንን ተመሃሮን ኣብ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ትምህርቲ መምሃሪ ክፍሊታት ክሃንጹ ፍቓድ ሂቡ'ዩ። እዚ ማሕበር ድማ ሓደሽቲ መምሃሪ ክፍሊ ንክሃንጹ ብዙሕ ሃብቲ ኣተኣኻኺቦም፤ በዚ ምኽንያት ዘጋጥም ዝነበረ ምጭንናቕ ተፈቲሑ፤ ብዙሓት ተመሃሮ ድማ መምሃሪ ክፍሊ ረኺቦም" ኢሉ።

እንተኾነ እቲ ሓቂ እቶም ኣለው ዝበሃሉ መምሃሪ ክፍሊታት ልዕሊ ዓቐን ዝተጨናነቑ'ዮም።

ገሊኦም ተመሃሮ ኣብ ገዝኦም እዮም ዝመሃሩ

ኣብ ገዛ ምምሃር

ገሊኦም ወለዲ፡ እተን ናይ ብሕቲ ኣብያተ ትምህርቲ ደቆም ኣብ ክንዲ ብቋንቋ ፈረንሳ ብኢንግሊዘኛ ክምህሩዎም ባህ ይብሎም።

ግዝኣት ኢንግሊዝ ኣብ ዝነበራ ከባቢታት ናይ ዘጋጠመ ግጭት መንቀሊኡ ድማ እዚ'ዩ።

ኣብዘን ዞባታት 20 ሚኢታዊት ካሜሮናውያን [25 ሚሊዮን ዝጽጋዕ ህዝቢ] ይነብሩ።

ኣብ 2016 መንግስቲ ኣብዝሓ ኢንግሊዘኛ ተዛረብቲ ኣብ ዘለውወን ከባቢታት ኣብ ዝርከባ ኣብያተ ትምህርትን ቤት ፍርድን፡ ቋንቋ ፈረንሳ ኣብ ስራሕ ክውዕል ውሳኔ ኣሕሊፉ።

እዚ እቲ ግጭት ኣበጊሱዎ። ተቓወምቲ ድማ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣድማ ብምግባር ዓመጾም ጀሚሮም።

ናብ ቤት ትምህርቲ ዝኸዱ ተመሃሮን መምሃራንን ጨውዮም'ውን ይወስዱ ነይሮም።

ብለካቲት 2019፡ ብብዝሒ ተመሃሮ ዝርከቡዎም 176 ሰባት ተጨውዮም ተወሲዶም፤ ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ተፈቲሖም።

ቋንቋ ፈረንሳ ካብ ዝዛረባ ከባቢታት ሃዲሞም ዝወጽኡ ከም ክላውዴ ግዋ ዝበሉ ሰባት ድማ ትምህርቲ ኣብ ገዝኦም ይመሃሩ ኣለው።

ኣቦ ሸውዓተ ቆልዑት ዝኾነ ግዋ፡ "ደቀይ ኣብ ገዛ ክምህሮም ዝኽእል ናይ ብሕቲ መምህር ክረክብ ወሲነ" ይብል።

Presentational grey line

ካሜሮን ክሳብ ሕጂ ብባዕዳዊ መግዛእቲ ዝኸፋፈላ ምኽንያት

  • ብ1884፡ ብጀርመን ተገዚኣ
  • ወተሃደራት ብሪጣኒያን ፈረንሳን ብ1916 ካብ ካሜሮን ክወጽኡ ይግደዱ ነይሮም
  • ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ካሜሩን ተኸፊላ፤ 80 ናብ ፈረንሳ፣ 20 ሚኢታዊት ድማ ናብ ኢንግሊዝ ከይዶም
  • ፈረንሳ ትመርሓ ዝነበረት ካሜሩን ብ1960 ናጻ ወጺኣ
  • ድሒሩ ብዝተኻየደ ድምጺ ህዝበ ውሳነ ድማ፡ ኣብ ትሕቲ ብሪጣኒያ ዝጸንሑ ካሜሩናውያን ናብ ካሜሩን ተጸምቢሮም፤ ሰሜን ካሜሩናውያን ድማ ናብ ተዛረብቲ ኢንግሊዘኛ ዝኮኑ ናይጄሪያ ከይዶም
Presentational grey line

ንሱ፡ ኣብ ክንዲ ንናይ ብሕቲ ኣብያተ ትምህርቲ ንሓደ መምህር ምኽፋል ሕሱር ኮይኑ ከም ዝረኸቦ ይዛረብ።

"ንዓና ኣዝዩ ኣጸጋሚ'ዩ። ደቅና ኣብ ገዛ ክውዕሉ ምርኣይ ዘሕዝን እዩ"።

ኣንያምቦድ ኢማኑኤል ኣንኣ፡ መስራቲ ኣብ ርእሰ ከተማ ካሜሮን ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ፕሮቴስታንት ማእኸላይ ምብራቕ'ዩ።

"መጻኢ ዕጫ እዞም ህጻናት፡ ብድኽነት፣ መሃይምነትን ዘላቒ ስቓይን ዝተጻወደ ክኸውን እዩ ዝግበር ዘሎ" ኢሉ።

"እዚ ብምኽንያት ግጭት እንኸፍሎ ዘለና ዋጋ'ዩ" እውን ኢሉ።