ስለምንታይ'ዮም ቆልዑ ኣብ ቤት ትምህርቲ ሸደድቲ ዝኾኑ?

ሰለስተ ቆልዑት ነቲ ሓደ ክህንድድዎ እናፈተኑ

መብዛሕትኡ ግዜ ናይ ምሽዳድ (ንኻልኦት ናይ ምድሃልን ምጥቃዕን) ባህርያት ኣብ እዋን ቁልዕነት ኢዩ ዝኽሰት፡ ሳዕቤናቱ ኣብቶም ግዳያት ድማ ንምሉእ ዕድሚኦም ዝጸንሕ ኢዩ።

እንተኾነ፡ ነቶም ቆልዑ እንታይ'ዩ ሸደድቲ ዝገብሮም ዝብል ሕቶ ክምለስ ኣላዎ።

እቶም ንመዛኑኦም ዝሸዱ ቆልዑ፡ ካብ ስነ-ስርዓት ዝጎደሎ ወይ ድማ ቅጥዒ ዘይብሉ ኣካላዊ መቕጻዕቲ ወይ'ውን ሃስያ ብወለዲ ወይ'ውን ብኣሕዋት ዝካየደሉ ስድራ ቤት ዝመጹ ክኾኑ ይኽእሉ።

ምሽዳድ ዝያዳ ኣብ መባእታ ኣብያተ ትምህርታት ኣብቲ መጻወቲ ቦታታት'ዩ ዝካየድ። ኣብ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ድማ ዝያዳ ካብ ቤት ትምህርቲ ወጻኢ ክካየድ ከሎ ኣብ ገለ እዋናት ድማ ኣብቲ መምሃሪ ክፍልታትን ኣብ ቀጽሪ'ቲ ቤት ተምህርቲ'ውን ይካየድ ኢዩ።

ሩቢሳም ያንግዝ ዝተባህለት ጓል፡ ኣብ መባእታ ቤት ትምህርት፡ ጓል 10 ዓመት ከላ ኢያ እቶም መዛኑኣ ክሸድዋ ዝጅምሩ።

ሽዑ ካብቶም መማህርታ ዝተነጸለት ኮይኑ ተሰሚዕዋ። ምስ ወለዳ ካብ ኢንግላንድ ናብ ግዝኣት ዌልስ ግዒዞም ስለዝነበሩ፡ እቶም መማህርታ በቲ ኣደማምጽኣ ክሸድዋ ጀሚሮም።

ብድሕሪኡ፡ ብመልክዓ ከላግጹ ጀሞሮም። ''ኩሉ ዝገብርዎ ዝነበሩ ዝኾነ ስምዒት ኣይገበረለይን። ነቲ ቦታ ሓድሽ ስለዝነበርኩ፡ ዝፈልጦ ሰብ'ውን ስለዘይነበረኒ፡ ዝፈትወኒ ሰብ ኣይነበረን፡ ስለምንታይ ከምዘይፈትውኒ ግና ኣይፈልጥን ነይረ" ኢላ ሩቢሳም።

እቲ ቀጻልን ዘይፋርግን ምሽዳድ ስጋብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርታ ብምቕጻሉ ኣብ ኩሉ መዳያት ናይ ሂወታ ኣሉታዊ ሳዕቤናት ስለዝነበሮ፡ ነቲ ኩነታት ንምጽዋር ክትብል ሽጋራ ከተትክኽን ኣልኮላዊ መስተ ክትሰትን ዝጀሚረት።

ሕጂ፡ ጓል 46 ዓመት ምስኮነት ኢያ ነቲ ምሽዳድ ኣብ ሂውታ ዝስዓቦ ሳዕቤናት ክትርድኦ ዝኸኣለት።

"ሰባት ኣይፈትውንን ኢዮም ዝብል ስምዒታት ስለዝነበረኒ ንነብሰይ'ውን ኣይፈትዋን ነይረ" ኢላ ሩብሳሚ።

ተመክሮኣ ኣዝዩ ዘሕዝን ኢዩ ነይሩ። ቆልዑ ምስ ኩሉ የዋህነቶምን ናይዛ ዓለም ተመክሮ ዘይብሎም ክንሶም፡ ኣዝዮም ክፉኣትን ንሕስያ ዘይብሉ ዓምጸን ይፍጽሙ።ነቶም ግዳያት ድማ ንምሉእ ሂወቶም ዘይርሳዕ ስምብራት ይገድፉሎም።

እቲ ናይ ምሽዳድ ተግባራት ብተዛማዲ ኣብቶም ብዓቕሚ ዝደኸሙ ዝቐንዐ ክኸውን ከሎ፡ ነቶም ግዳያት ድማ ዘጨንቕን ድቃስ ዝኸልእን ኢዩ።

ምሽዳድ ዝተፈላለየ መልክዓት ኣለዎ። ገለ ካብኡ እዞም ዝስዕቡ ኢዮም

  • ምህራም፡ ምቕላዕ፡ ምድፍእን ንብረት ምሕዳግን
  • ምክፋእ፡ ምጽራፍን ምህዳድን
  • ብመርበብ ሓበሬታ ምክፋእን ሕማቕ ብዛዕባ`ቲ ሰብ ምዝርጋሕን
  • ጾታዊ ዓመጽ ምፍጻምን የጠቓልሉ።

እንታይ`ዩ ግን ንሓደ ቆልዓ ሸዳዲ ዝገብሮ?

ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ዝተገብሩ መጽናዕታት፡ እቶም ንመዛንኦም ዝሸዱ ቆልዑ ካብ ሓደ ስነ-ስርዓት ዝጎዶሎ ስድራ ቤት ዝመጹ ወይ ድማ ብወለዲ ሃስያ ዝተፈጸመሎምን ተስፋ ዝቖረጹን ቆልዑ ጥራይ ኢዮም ዝሸዱ ዝብል ሓደ ዓይነት ኣተሓሳስባ ኢዩ ጸኒሑ"ኢላ ዶሮቲ ኢስፔላጅ፡ ፕሮፌሰር ኣብ ኖርዝ ካሮላይን ዩኒቨርስቲ። እንተኾነ እቲ ኣተሓሳስባ ተቐይሩ ኢዩ።

ዋላ'ኳ ዘቤታውን ናይ ኣሕዋት ጎነጽን ነቶም ቆልዑ ሸደድትን ዓመጽትን ንኽኾኑ ካብ ዝገብርዎም ገለ ረቛሒታት እንተኾነ'ውን፡ ካልኦት ረቛሒታት'ውን ክህልው ይኽእሉ ኢላ ዶሮቲ ኢስፔላጅ።

ኣብዚ ቀረባ ዓመታት፡ እቲ ደረጃ ምሽዳድ ካብቲ ግሁድ ዓመጽ ናብቲ ዝያዳ ክፉእን ተንኮል ዝመልኦን ዓመጽ ኢዩ ተሰጋጊሩ።

እቶም ከምዚ ዓይነት ክፉእ ተግባራት ዝፍጽሙ ቆልዑ ካብቲ ናይ ቀደም ዓይነት ምሽዳድ ዝተፈልዩን ዝሓሸ ብቕዓት ኣብ ማሕበራዊ ጉዳያት ዘለዎምን ብመምህራኖም ድማ ተቐባልነት ስለዘለዎም ድማ ናይቶም ተማሃሮ መራሕቲ ክኾኑ ይደልዩ። ነዚ ንምግባር ድማ ነቶም ቆልዑ የገድድዎም ኢላ ዶሮቲ ኢስፔላጅ።

እቶም ብመዛንኦም ከም ሸደድቲ ዝተረቑሑ ቆልዑ ነቲ ዝተገብረሎም ቃለ መሕተት ክምልሱ ከለው "ከምኡ ብምግባረይ ዓብይን ፍሉጥን ከምዝኾንኩ ይስምዓኒ፡ ምኽንያቱ በቶም መዛኖይ ተሰማዕነትን ተቐባልነትን ስለዝረኸብኩ። ነቶም መዛኖይ ብምድንዳነይን ምሽዳደይን ድማ ኣይጥዓስን" ኢሎም። ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ምሽዳድ ሓድሽ ቅርጺ ሒዙ ተቐልቂሉ ኣሎ። እዚ ድማ ካብ ኣካልውን ዘለፋን፡ ምሽዳድ ናብ ብመርበብ ሓበሬታ ዝካየድ ብሳይበርቡሊንግ ዝፍለጥ ምሽዳደ ተቐይሩ ኣሎ።

"ኣብቲ ዘካየድኩዎ መጽናዕቲ፡ እቲ ሕጂ ኣብ ኣብያተ ትምህርትታት ዝካየድ ዘሎ ምሽዳድን ምስርጣይን ብቐጥታ ብመርበብ ሓበሬታ [ኦን-ላይን] ኢዩ ዝካየድ ዘሎ። ምናልባሽ ጥቓን-ጥቓን ኮፍ ኢሎም ክኾኑ ይኽእሉ፡ እንተኾነ ነቲ ናይ ምሽዳድ ስርሓቶም ብመርበብ ሓበሬታ ከካይድዎ ይመርጹ። መታን ኩሉ ዝገብርዎ በቶም ካልኦት መዛናኦም ክርአ። ከምኡ ብምግባሮም ድማ ዝያዳ ውሩያት ዝኾኑ የምስሎም" ኢላ ናይ ስነ-ኣእምሮ መምህር ኣብ ዩኒቨርስቲ ሀደርስፊልድ፡ ካሊ ትዛኒ-ፔፔላሲ። ውላድካ ከምኡ ይገብር ከምዘሎ እንተድኣ ፈሊጥካ እንታይ ትገብር?

"እንተድኣ ገለ ሰብ ውላደይ ንመዛንኡ ይድንድንን ይሸድድን ከምዘሎ ሓቢሩኒ። ነቲ ውላደይ ካብቲ ትገብሮ ዘሎኻ ተግባራት እንታይ ትረብሕ፡ ስለምንታይ`ከ ከምኡ ትገብር" ኢለ ይሓቶ ኢላ ዶሮቲ ኢስፔላጅ።

እቲ ካልእ ነዚ ኣብ ኣብያተ ትምህርትታት ዝካየድ ምሽዳድ ንምፍታሕ፡ ነቶም ብዕድመ ንኣሽቱ ትምህርቲ ኣብ ዝጅመርሉ እዋን ምስቶም ካብኦም ዝዓብዩን ጽቡቕ ባህርያት ዘለዎምን ብምቑራን፡ ኣሰሮም ከምዝወስዱ ምግባር ኢዩ።

"እቲ ሓቂ ድማ እቶም ብዕድመ ንኣሽቱ ተማሃሮ ካብቶም ዓበይቲ ተማሃሮ እቲ ቅኑዕ ባህርያት ክቐድሑ ዕድል ስለዝረኽቡ … እንተኾነ እዚ ኣብ ኣብያተ ትምህርታት ምሽዳድ ደው ንምባል ዝካየድ ዘሎ መደባት ንኽዕወት" ካብቶም መምህራንን ኣባላት እቲ ቤት ትምህርትን ብሓፈሻ ጽንዓትን ዘይምሕላልን ይሓትት። ብዘይተሳትፎ እቶም መምህራን እቲ መደብ ክትግበር ኣይክእልን" ኢላ ካሊ ትዛኒ-ፔፔላሲ። ኣብ 2014፡ ዶሮቲ ኢስፔላጅን መሳርሕታን ኣብ ዝዘርግሕዎ መጽናዕቲ፡ ምሽዳድ ምስቲ ኣብ ኣብያትተ ትምህርታት ዝካየድ ዘሎ ጾታዊ ዓመጽ ምትእስሳር ከምዘለዎ ገሊጾም።

ጾታዊ ዓመጽ ካብቲ ካልእ ዓይነት ምሽዳድ ፍልልይ የብሉን። ብዛዕባ'ታ ጓል ሕማቕ ምዝራብ ንምህዳድን ምቕላጽን ምህራምን ምቕላዕን ምድፋእን የጠቓልል። ዕላምኡ ድማ ኣብቶም ሰባት ኣካላዊ ማህሰይቲ ንምውራድ ንምሕራቕን ንምህዳድን ዝዓለመ ኢዩ።

ጾታዊ ዓመጽ፡ ኣብ መልክዕን ቅርጺ ኣካላትን ናይታ ጓል ምልጋጽ ክኸውን ከሎ፡ ብሓይሊ ንምስዓም ምፍታን'ውን የጠቓልል። እታ ኣብ መባእታን ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ብምሽዳድ ዝሓለፈት ሩብሳም ያንግዝ፡ ነቶም ብሰንኪ ምሽዳድ ስምዒታቶም ዝተሃስዩ ቆልዑ ናይ ምድባስ ስርሓት ብምክያድ ነቶም ሓገዝ ዘድልዮም ኣብ ምሕጋዝ ትርከብ።