ሳሙኤል ኤቶ፡ 'ንኣፍሪቃ ከገልግላ ብዝብል ዕላማ' ኣብ ኣሜሪካ ትምህርቲ ክመሃር'ዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኮኾብ ኣፍሪቃዊ ተጻዋቲ ኩዕሶ እግሪ ሳሙኤል ኤቶ፡ ንኣፍሪቃ ዝረብሕ ስራሕ ንምስራሕ ብዝብል ዕላማ፡ ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ዝርከብ ሃርቫርድ ዩኒቨርሲቲ ቢዝነስ ማኔጅመንት ከጽንዕ ከምዝጅምር ኣፍሊጡ።
ኣርባዕተ ግዜ ኮኾብ ኣፍሪቃዊ ተጻዋታይ ብዝብል ሽልማት ዝተዓወተ ኤቶ፡ ኣብ ዝሓለፈ መስከረም ኣብ መበል 38 ዓመቱ ካብ ኩዕሶ ክሰናበት ወሲኑ።
ናብ ኣሜሪካ ከይዱ ትምህርቱ ክከታተል ምኽኣሉ፡ ንኣፍሪቃ ከገልግላ ንዘለዎ ድልየት ከምዝሕግዞ ተዛሪቡ።
"ንለውጢ ኣህጉርና ክሕግዝን ብጽሒተይ ክፍጽምን ድልየት ኣለኒ" ክብል ንፈረንሳዊት ዌብሳይት ዜና ጁነ ኣፍሪክ ገሊጹ።
"ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡ ሰባት ኣብ ሞያኻን ካልኦት ነገራትን ንኽሕግዙኻ ትኸፍሎም፡ ካብ ጸወታ ምስ ወጻእኻ ድማ ነዓዓቶም ንክትከናኸኖምን ክተማዕብሎምን ሓድሽ ክእለት ክተመሃር ኣለካ" ኢሉ።
ኣብ ሃገራዊት ጋንታን ባርሰሎናን ከም ኣጥቃዓይ ኮይኑ ዝተጻወተ ሳሙኤል ኤቶ፡ ንሃገራዊት ጋንትኡ ኣብ 118 ግጥማት 56 ሸቶታት ብምምዝጋብ ክብረወሰን ብስሙ ኣመዝጊቡ ይርከብ።
ካብ ሎሚ ንደሓር ዘሎ ዕድሚኡ አብ ትምህርቲ ከምዘሕልፎ ኣፍሊጡ'ሎ።
"ፍሉይ ዝኾነ ስልጠና ንኽህቡኒ ድልው ስለዝኾኑ ካብ ጥሪ ጀሚረ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሃርቫርድ ቢዝነስ ማኔጅመንት ከጽንዕ'የ" ክብል ሓቢሩ።
ኣብ ቦስተን ሓደ ዓመት ዘሕልፎ ግዜ ቁሩብ ክብድ ከምዝብሎ ብምግላጽ፡ ንነብሱ ብፈተናታት ከሕልፋ ድልየቱ ከምዝኾነ ተዛሪቡ።
ሳሙኤል ኤቶ፡ ምስ ባርሴሎና ኣብ ዘሕለፎ ግዜ፡ ሰለስተ ናይ ላሊጋን ክልተ ናይ ቻምፒዮንስ ሊግን ዋንጫታት ረኺቡ ነይሩ።
ኣብ 2010 ከኣ፡ ኢንተርሚላን ብጆዜ ሞርኒዮ እናሰልጠነት ዋንጫ ቻምፒዮንስ ሊግን ወርቂ ሜዳልያ ኦሎምፒክን ክትረክብ ከላ ኣብታ ጋንታ ተጻዊቱ።
ምስ ሃገራዊት ጋንትኡ'ውን ኣብ ኣርባዕተ ውድድራት ዋንጫ ዓለም [1998, 2002, 2010 and 2014 ኣ.ኣ] ተሰሊፉ። ኣብ ሸሞንተ ግጥማት ተሰሊፉ ሰለስተ ሸቶታት ኣቑጺሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







