ሳሙኤል ኤቶ ምስ ኩዕሶ እግሪ ክፈላለ ምዃኑ ኣፍሊጡ

ሳሙኤል ኤቶ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ናይ መወዳእታ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ካሜሩናዊ ሳሙኤል ኤቶ፡ ቐጠር ስፖርት ክለብ እያ

ኣርባዕተ ጊዜ ኮኾብ ተጻዋታይ ተባሂሉ ዝተሸለመ ካሜሩናዊ ተጻዋቲ ኩዕሶ እግሪ ሳሙኤል ኤቶ፡ ድሕሪ 22 ዓመታት ምስ ኩዕሶ እግሪ ክፈላላ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ኣጥቃዒ ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ካሜሩንን ባርሴሎናን ዝነበረ ወዲ 38 ዓመት ኤቶ፡ ኣብ ኢንስታግራም እዩ ነዚ ሓበሬታ ዘርጊሕዎ።

ምስ ጋንታታት ቸልሲን ኤቨርተንን ብምዃን ኣብ ፕረሚየር ሊግ እንግሊዝ'ውን ዝተጻወተ ኤቶ ኣብ 118 ጸወታታት 56 ሸቶታት ንሃገሩ ኣመዝጊቡ እዩ።

ኤቶ ኣብ 1996 ወዲ 16 ዓመት እንከሎ ናብ ዓባይ ጋንታ ሪያል ማድሪድ እኳ እንተተጸምበረ ኤቶ፡ ብልቓሕ ናብ ሌጋነዝ ከምኡውን ማሎርካ ክሳብ ዝዘዋወር፡ ኣብ ሰለስተ ጸወታታት ጥራይ እዩ ክስለፍ ክኢሉ።

ኣብ 2000 ናብ ማሎርካ ምስ ተሰጋገረ፡ ኣብ 133 ጸወታታት 54 ሸቶታት ብምቑጻር፡ ንእኡን ንጋንትኡን ዝበዝሐ ሸቶተታ ኮይኑ ተመዝጊቢ ኣሎ።

Barcelona's Eto'o

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኤቶ ናብ ባርሴሎና ምስ ተጸምበረ፡ እታ ጋንታ ሰለስተ ጊዜ ዋንጫ ላሊጋን ክለተ ዋንጫ ቻምፕዮና ኤውሮጳን ክትዓትር ኣኽኢሉ

ኣብ 2004 ናብ ባርሴሎና ድሕሪ ምጽምባሩ ድማ ሰለስተ ጊዜ ዋንጫ ላሊጋ ስጳኛ ወሲዱ እዩ።

ብዘይካ'ዚ ኣብ 2006 ከምኡ'ውን ኣብ 2009 እታ ጋንታ ተዓዋቲት ቻምፕዮንስ ሊግ ኤውሮጳ ክትከውን ኣኽኢሉዋ እዩ።

ኣብ 2006 ኤቶ፡ ኣብ 34 ጸወታታት 26 ሸቶ ብምመዝጋቡ፡ ፈላምን እንኮን ተዓዋቲ ወርቃዊ ጫማ ላሊጋ ኮይኑ።

ብሓፈሻ ኣብ 144 ግጥማት 108 ሸቶታት ንባርሴሎና ዘመዝገበ ኤቶ፡ ኣብ 2009 ናብ ኢንተር ሚላን ምስ ተሰጋጊረ ንሳልሳይ ጊዜ ዋንጫ ቻምፕዮንስ ሊግ ኤውሮጳ ዓቲሩ። ብዘይካ'ዚ ኣብ 2010 ዋንጫታት ሰሪ ኣ ኢጣልያን ናይ ፊፋ ዋንጫ ዓለም ክለባትን ጨቢጡ።

ብድሕሪ'ዚ ኤቶ፡ ናብ ቸልሲ ክሳብ ዝተመለሰሉ 2013፡ ኣብ ኣንዚ ማካቻካላ ዝተብሃለት ክለብ ኣብ ሩስያ እዩ ጸኒሑ።

ኤቶ ኣብ ኤቨርተን፡ ሳምፕዶርያ፡ ኣንታሌኣስፖር፡ ኮንያሰፖርን ቐጠር ስፖርት ክለብ እውን ተጻዊቱ እዩ።