ዶናልድ ትራምፕ ብ ‘ፈተነ ዕልዋ’ ተኸሲሱ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ካፒቶል ሂል ዘጋጠመ ናዕቢ ፕሬዝደንት ኣመሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ፡ ዘወሃሃዶ ‘ፈተነ ዕልዋ’ ከም ዝነበረ መርመርቲ ኮንግረንስ ገሊጾም።
ኣደ መንበር ሪፐብሊካን እቲ ኮሚቴ ሊዝ ቼኔይ ትራምፕ “ናይቲ መጥቃዕቲ ሓዊ ወሊዑዎ’ዩ” ኢላ።
ኣባል ዴሞክራት ኣቦ መንበር እቲ ኮሚቴ ቦኒ ቶምፕሰን ብወገኑ እቲ ናዕቢ ንዴሞክራሲ ኣመሪካ ኣብ ሓደጋ ከም ዘውደቐ ተዛሪቡ።
ደገፍቲ ትራምፕ፡ ብ6 ጥሪ 2021 ሓገግቲ ጆ ባይደን ኣብቲ መረጻ ምዕዋቱ መረጋገጺ ክህቡ ኣብ ዝተኣከብሉ ናዕቢ ከም ዘልዓሉ ይዝከር።
ድሕሪ ሓደ ዓመት ዝወሰደ መርመራ፡ እቲ ብዴሞክራት ዝምራሕ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝመረጾ ኮሚቴ ትማሊ ሓሙስ ኣጋምሸት ምስ ኣባላት ኣብ ዙርያ ትራምፕ ዘለው ሰባት ዘካየዶም ቃለ መጠይቓት ክሰምዕ ጀሚሩ።
ብተወሳኺ፡ ዓቃቢ ሕጊ ነበር ጀነራል ቢል ባር ትራምፕ እቲ መረጻ ተሰሪቑ’ዩ ብምባል ዘቕርቦ ዘሎ ክሲ መሰረት የብሉን ክብል ዝተዛረበሉ ምስሊ ቐሪቡ።
“ኣብቲ መረጻ ምትላል ከም ዝተፈጸመ ዘረጋግጽ ጭብጢ ዘይብሉ ስርዓት ኣብ ስልጣን ኣብ ዝጸንሓሉ ዓለም ክንነብር ኣይንኽእልን” ይብል እቲ ዓቃቢ ሕጊ ነበር።
ብተወሳኺ፡ ጓል ትራምፕ ኢቫንካ ትራምፕ፡ ዓቃቢ ሕጊ ባር ኣቡኣ ዘቕረቦ ናይ ውዲት ሓሳባት ምንጻጉ “ከም ዝተቐበለቶ” ዝገልጽ ናይ ምስክር ድምጺ ቐሪቡ።
ትራምፕ ነዚ ተጀሚሩ ዘሎ መስርሕ ምጽራይ “ፖለቲካዊ ሽጣራ” ክብል ነጺጉዎ።
ንሱ፡ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተኻየደ መረጻ ሕጂ’ውን ምትላል ተፈጺሙ’ዩ ዝብል ብመረዳእታ ዘይተደገፈ ክስታት ብምቕራብ ኣብቲ ኣብ 2024 ዝካየድ ፕሬዝደንታዊ መረጻ ክሳተፍ ምዃኑ ይገልጽ።
ኣቦ መንበር እቲ ኮሚቴን ተሓጋጋዚ ሚሲሲፒን ቦኒ ቶፕምሰን፡ “ብ6 ጥሪ፡ ልክዕ ከምቲ ሓደ ጸሓፊ ዝገለጾ መንግስቲ ንምዕላው ዝተገብረ ፈተነ’ዩ ነይሩ። እቲ ናዕቢ ሃንደበታዊ ኣይኰነን፤ ናይ ትራምፕ ናይ መወዳእታ መርገጺኡ እዩ ነይሩ” ኢሉ።
ምኽትሉ ቼኒ ብወገና፡ “እቶም ንካፒቶል ዝወረሩን ንሰዓታት ምኽባር ሕጊ ዝተጻረሩን ትራምፕ ዝበሎም ዘለዓዓለም’ዮም፤ ኣብቲ መረጻ ምትላል ተፈጺሙ’ዩ፤ ኣነ’የ ፕሬዝደንት ኢሉዎም። እቲ ፕሬዝደንት ነቲ ዕስለ ጸዊዑዎ። ነዚ ኣኪቡ ክኣ ናይዚ መጥቃዕቲ ጓህሪ ወሊዑዎ” ኢላ።
ኣብቲ መጥቃዕቲ ዝቘሰለት ፖሊስ ካሮላይን ኤድዋርድስ፡ ቅድሚ ሃለዋታ ምጥፍኣ እቶም ናዕበኛታት “ከሓዲት”፣ “ከልቢ” ከም ዝበሉዋ ምስክርነት ሂባ።
“ንነብሰይ ኣብ ናይ ሰባት ደም ደቂሰ እየ ረኺበዮ። ውግእ ይመስል ‘ኢድ ብኢድ’ እዩ ነይሩ። ከም ሓንቲ ኣኽባሪት ሕጊ፣ ኣዛዚት ፖሊስ ንነብሰይ ኣብ ከምዚ ዝበለ ውግእ ክረኽባ’የ ኢለ ሓሲበ ኣይፈልጥን” ኢላ።
ኣብቲ ግዜ፡ ኣርባዕተ ሰባት ሞይቶም’ዮም። ልዕሊ 100 ፖሊስ ክቘስሉ እንከለው፡ ካልኦት ኣርባዕተ ድሕሪ እቲ ናዕቢ ነብሰ ቕትለት ፈጺሞም ሞይቶም።
ሪፐብላካን፡ እዚ ንኣመሪካውያን ንምትላል ዝመጽአ እዩ ብምባል ነጺጎምዎ ኣለው።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







