ውላድ ብዘይነበሮም መጻምዲ ዝተሰረቀት ቈልዓ ድሕሪ ትሽዓተ ዓመታት ተረኺባ

ፑጃ ብቑልዕነታን ጓል 16 ዓመት ምስኮነትን ዘርእዩ ኣሳእል

ምንጪ ስእሊ, BBC AND MUMBAI POLICE

መግለጺ ስእሊ, ፑጃ ኣብ ቍልዕነታን ጓል 16 ዓመት ምስ ኰነትን

ጓል 16 ዓመት ፑጃ ጋውድ፡ ድሕሪ ትሽዓተ ዓመታት፡ ኣብ መወዳእታ ኣብ ሕቝፊ ኣደኣ ክትኣቱ በቒዓ ኣላ።

ፑጃ፡ ጓል 7 ዓመት እንከላ እያ ብ22 ጥሪ 2013 ደሃያ ዝተሳእነ። ኣብቲ እዋን ኣብ ኣፍደገ እቲ ኣብ ምዕራባዊ ህንዲ ግዝኣት ማሃራሽትራ ከተማ ሙምባይ ዝርከብ ቤት ትምህርታ ዝጸንሑ መጻምድቲ፡ ብኣይስክሪም -ጀላተ - ኣታሊሎም’ዮም ወሲዶምዋ።

ብ4 ነሓሰ ከኣ "ተኣምራዊ ህድማ" እናተበሃለ ብዝግለፅ ዘሎ ኵነታት ተረኺባ። ኣደኣ ፑናም ጋውድ፡ ታሕጓሳ ደረት ከምዝሰኣነትሉ ትዛረብ።

"ጓለይ ንሓዋሩ ክረኽባ ከምዘይክእል ተስፋ ቈሪጸ ነይረ። ኣማልኽቲ ግን ሕያዎት ኰይኖምለይ" ትብል።

እታ ህጻን ብሃሪ ዲሶዛን በዓልቲ ቤቱ ሶኒ ዲሶዛን ከምዝተጨወት ዝሕብር ፖሊስ፡ እዞም መጻምድቲ ናይ ገዛእ ርእሶም ቈልዓ ስለዘይነበሮም ነቲ ተግባር ከምዝፈጸሙ ከሲሱ። ኣቶ ዲሶዛ ድማ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ ኣሎ።

ፑጃ ቅድሚ ምጥፋኣ ምስ ክልተ ኣሕዋታን ወለዳን፡ ድኻታት ብብዝሒ ኣብ ዝርከቡሉ ክፋል ከተማ ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ ገዛ ትነብር ነይራ።

ኣብታ ዝጠፍኣትላ መዓልቲ ምስ ዓቢይ ሓዋ ናብ ቤት ትምህርቲ እናኸዱ፡ ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ስለዝተብኣሱ፡ ሓዋ ኸኣ ካብ ትምህርቲ ደንጕዩ ስለ ዝነበረ ገዲፉዋ ከደ።

ሽዑ እዮም እቶም መጻምድቲ፡ ኣይስክሪም ክገዝኡላ ቃል ብምእታው እዮም ወሲዶምዋ ዝበሃል ዘሎ።

ሽዑ እቶም መጻምድቲ ኣብ መጀመርታ ናብ ጎዋ-ምዕራባዊ ህንዲ፡ ድሕሪኡ ድማ ናብታ ካርናታካ ዝተበሃለት ኣብ ደቡብ ህንዲ ትርከብ ግዝኣት ከም ዝወሰድዋ እትዝክር ፑጃ፡ እንተበኽያ ወይ ንነገራት ክተስተብህል እንተጀሚራ ክሃርሙዋ ምዃኖም ከም ዘፈራርሕዋ ትዛረብ።

ንሓጺር እዋን ክትመሃር ዝፈቐዱላ እቶም መጻምድቲ፡ ናይ ገዛእ ርእሶም ቈልዓ ምስ ወለዱ ግን ትምህርቲ ክተቋርጽ ከምዝገበሩን ሒዞምዋ ናብ ሙምባይ ከምዝኸዱን ትገልፅ።

እቲ ህጻን ምስ ተወልደ ድማ እቲ ኣብ ልዕለኣ ዝፍፀም ግህሰት ወሰኸ።

"ብቐልፊ ይገርፉኒ፡ ይረግጹኒን ይጸፍዑኒን ነይሮም። ሓደ ግዜ ብ’ሮሊን- ፒን’ [ካብ ዕንጸይቲ ዝተሰርሐ ከቢብ ዱላ መስጠጢ ብሑቕ] ስለ ዝሃርሙኒ ሕቘይ ክደሚ ጀሚሩ። ናይ ገዛ ስራሕ ክሰርሕ ካብ ምግባሮም ብተወሳኺ፡ ካብ 12 ክሳብ 24 ሰዓታት ኣብ ደገ ክሰርሕ የገድዱኒ ነይሮም” ትብል።

እቲ ጨወይታ ዝነብረሉ ዝነበሩ ገዛ ናብቲ ስድራቤታ ዝነብሩሉ ኣዝዩ ቀረባ እዩ ነይሩ። ግን፡ ንሳ መንገድታት ዘይትፈልጥ፣ ኵሉ ግዜ ምክትታል ዝግበረላን ገንዘብ ኮነ ተሌፎን ዘይብላን ብምንባራ፡ ዝሕግዛ ሰብ ወይ መንገዲ ገዝኣ ክትረክብ ከምዘይከኣለት ትዛረብ።

ዕድል ዝተሓወሶ ህድማ

ሓደ መዓልቲ ፑጃ እቶም መጻምዲ ደቂሶም ከለዉ ሞባይሎም ወሲዳ ዩቱዩብ ብምኽፋት ስማ ጸሓፈት። ብዛዕባ ጭውያኣ ዝጠቕሱ ቪድዮታትን ፖስተራትን ከምኡ ድማ ሓገዝ ንምርካብ ክትድውለሎም እትኽእል ቁጽርታት ረኸበት።

"ሽዑ'የ ሓገዝ ክደልን ክሃድምን ዝወሰንኩ" ትብል።

እንተዀነ ፑጃ፡ ምስታ ከም ሓብሓቢት ህጻናት ኮይና እትሰርሕ ዝነበረት ጓል 35 ዓመት ሰራሕተኛ ገዛ ፕራሚላ ደቨንድራ፡ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ንምዝርራብ እኹል ትብዓት ክትረክብ 7 ኣዋርሕ እዩ ወሲዱላ።

ፑጃ ምስ ስድርኣን ጎረባብትን

ምንጪ ስእሊ, COURTESY OF RAFIQ

ደቨንድራ ሽዑ ንሽዑ ክትሕግዛ ተሰማምዐት። ኣብቲ ብናይ ዩቱዩብ ቪድዮ ዝረኣየቶ ዝተጠቅዐ ፖስተር ካብ ዝነበሩ ቍጽርታት ሓደ፡ ምስ ጎረቤት ኣደ ፑጃ ዝኾነ ራፊቕ ዘራኸባ ነበረ። ብድሕሪኡ ኣደን ጓልን ብቪድዮ ክራኸባ እንከለዋ ድሕሪኡ ድማ ብኣካል ክራኸባ ቈጸራ ሓዛ።

ኣደኣ ዝገበረቶ ሓደ ነገር እንተሃለወ፡ ኣብ ጓላ ከምዘሎ ንሳ ጥራይ እትፈልጦ መፋጥርታ ዝኾነ ምልክት (ክትውለድ ከላ ምስኣ ዝነበረ ምልክት) ምፍታሽ ነበረ። ምስ ረኸበቶ ድማ ስምዒታ ክትቆጻጸሮ ከምዘይከኣለት ትዛረብ።

"ኵሉ ጥርጣረይ ብኡንብኡ ጠፊኡ። ጓለይ ከም ዝረኸብክዋ ፈሊጠ ነይረ" ትብል።

ድሕሪ ምርኻበን ከኣ፡ ፑጃ፡ ውሑዳት ኣባላት ስድራቤትን እታ ዝሓገዘታ ደቨንድራን ናብ መደበር ፖሊስ ብምኻድ ክሲ ኣቕረቡ።

"ንፖሊስ ኵሉ ነገር ነጊረዮም። ጨወይተይ ኣበይ ከም ዝነብሩ ከይተረፈ ነጊረዮም" ትብል። በዚ ድማ እቶም ተኸሰስቲ መንነቶም ተፈልጠን ተኣስሩን።

ኣብ መደበር ፖሊስ ሙምባይ ‘ዲኤን ናጋር’ [DN Nagar] ላዕለዋይ መርማሪ ሚሊንድ ኩርደ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቶም ተኸሰስቲ ብጭውያ፡ ምፍርራሕ፡ ኣካላዊ ዓመጽን ሕግታት ዕዮ ህጻናት ብምጥሓስን ተኸሲሶም ኣለዉ።

ፍቕሪ ንዅሉ ትስዕሮ

ፑጃ ናብ ገዛኣ ምምላሳ፡ ንስድራኣ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንዅሉ ዝፈልጣ ሰብ ሓጎስ ዝፈጠረ ኮይኑ’ሎ። ብቝልዕነታ ዝረኣይዋ ጎረባብቲ ንኽረኽብዋ ሃንቀው ክብሉ ጸኒሖም እዮም።

ኣደኣ ድማ ነቲ ምስ ጓላ ተጠፋፊኣ ዘሕለፈቶ ግዜ ክትክሕሶ ትጽዕር ኣላ፤ ጓላ እትፈትዎ መግቢ እናኸሸነትን ጸጕራ እናመሸጠትን ትውዕል። ክልቲኤን ዝኣኽለን ግዜ ብሓባር ከሕልፉ ዝፍትና ኰይነን ኣብዚ እዋን ግን ናብራ ከቢድ ኰይኑወን ኣሎ።

ኣደ ፑጃ፡ ፋይናንሳዊ ኵነታት ስድራቤታ ጽቡቕ ከምዘይኮነ ትዛረብ።

ፑጃ ምስ ኣዲኣ

ምንጪ ስእሊ, DIPALI JAGTAP

እቲ እንኮ ንመነባብሮ እታ ስድራቤት ኣታዊ ዘምጽእ ዝነበረ ኣቦ ፑጃ፡ ቅድሚ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ብሕማም መንሽሮ ዓሪፉ እዩ።

ስለዚ፡ ኣደኣ ንገዛእ ርእሳን ንሰለስተ ደቃን ዘድሊ ነገራት ንምምላእ ኣብ ሓደ መደበር ባቡር ምቁር መግቢ ብምድላው ኣብ ምሻጥ ትርከብ። እቲ ኣታዊ ግን ውሑድ ስለዝዀነ ዘድሊ ነገራት ክተማልእ ትቃለስ ኣላ።

“ናይ ሓንቲ መዓልቲ ስራሕ እንተ ተሪፋትኒ ንጽባሒቱ ንመግቢ ዝኸውን ገንዘብ ኣይክህልወናን'ዩ" ትብል ኣደ ፑጃ።

ፑጃ ድማ ገና ኣብ ውሽጣ ካብ ዝተረፈ ስንባደኣ ኣይተናገፈትን። ንኣቦኣ ክትሪኦ ምስዘይምኽኣላ ተደሚሩ ለይቲ ብሃተፍተፍ ድቃስ ትስእን፡ ውሽጣ’ውን ብሓዘን ተሃስዩ’ሎ።

ንድሕነታ ብምስጋእ ዝበዝሕ ግዜኣ ኣብ ገዛ እያ እተሕልፎ፣ ወይ ድማ ናብ ደገ ክትወጽእ ከላ ብኣባል ስድራኣ ተሰንያ ትኸይድ።

"ንኣደይ ኣታዊ ኣብ ምርካብ ክሕግዛ እደሊ'የ፡ ግን ነዚ ክገብር ኣይከኣልኩን። ክመሃር'ውን ደልየት ኣለኒ" ትብል።