መሸጣ ሳንዱቕ ሬሳ ዝዓመረላ ከተማ

ኣብ ኵናት ዝሞቱ ኣባላት ሰራዊት ብመንግስቲ ወግዓዊ ስነ ስርዓት ቀብሪ እናተገበረሎም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ኵናት ዝሞቱ ኣባላት ሰራዊት ብመንግስቲ ወግዓዊ ስነ ስርዓት ቀብሪ እናተገበረሎም

ነበርቲ እታ ሓደ እዋን ኣዝያ ዕምርቲ ዝነበረ ባመንዳ ዝተሰመየት ካሜሩናዊት ከተማ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ መንጎ እቶም ምንጻል ዝጠልቡ ተዛረብቲ እንግሊዝን፡ ተዛራቢ ፈረንሳ ዝዀነ መንግስትን ኣብ ከተማኦም ብዝተኻየደ ተደጋጋሚ ኵናት መንፈሶም ከም ጸሓይ ዘላደዮ ዓለባ ተተራባቢዑ።

ሕጂ እዛ ከተማ፡ ኵሉ ነገራ ሞት ሞት’ዩ ዝሽትት፣ እቶም ኣብታ ከተማ ሳንዱቕ ሬሳ ዝሸጡ ሸቃጦ ኸኣ ዕዳጋኦም ዓሚሩሎም ኣሎ።

ኣብታ ከተማ፡ ሬሳ ሰብ ኣብ ፈቐዶ ጐደና፡ ኣፍላጋትን ጫካታትን ምርኣይ ንቡር ተርእዮ’ዮ ኰይኑ ዘሎ።

ነቶም ቀባሪ ስኢኖም ዝተደርበዩ ሬሳታት፡ ምምሕዳር ከተማ ኣልዒሉ ኣብቲ ነዳያን ዝቕበሩሉ ቦታ ይቐብሮም።

ሓደ ሳንዱቕ ሬሳ ብሕሱር ካብ ዝሽየጠሉ ቦታ፡ 10 ሳንዱቕ ገዚኡ ዝኸይድ ዝነበረ ሰራሕተኛ ምምሕዳር ከተማ፡ “ኣብዚ እዋን፡ እቲ ብስድራ ቤትን ኣዕሩኽን ተዓጂብካ ምቕባር ይትረፍ፡ እቲ ንቡር ቀብሪ ምርካብ’ውን ዕድለኛ ዘስምየካ እዋን ኢና በጺሕ ዘለና” ይብል።

ኣብታ ከተማ እቲ ብቕርጺ መጽሓፍ ቅዱስ፡ መኪና ወይ ጥርሙስ ቢራ ዝስራሕ ዝነበረ ንኣነባብራኻ ዝገልጽ ምልኩዕ ሳንዱቕ ሬሳ ጠለቡ ጐዲሉ’ዩ።

ኣብ ስነ ስርዓት ቀብሪ ዝተሳተፈ ካሜሩናዊ፡ “እቶም ክሳብ ሓደ ሚልዮን ፈራንካ ካሜሩን[1500 ዶላር] ዝሽየጡ ሳናዱቕ ሬሳ፡ ኣብ ዕዳጋ ጠለብ የብሎምን፣ ምኽንያቱ ንዕኦም ክዕድግ ዝኽእል ዓቕሚ ዘለዎ ሰብ የለን፣ ሰብ ንሳንዱቕ ሬሳ ልዕሊ 50 ሽሕ ፈረንካ ካሜሩን ከውጽእ ዓቕሚ የብሉን፡” ይብል።

ኣብታ ሃገር ብሰንኪ ዝካየድ ዘሎ ሓውሲ ኵናት ሓድሕድ፡ ዓሰርተታት ኣሽሓት ሞይቶም፡ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ናብ ዞባታት ተዛረብቲ ፈረንሳ ክፈናቐሉ እንከለዉ፡ 80 ሽሕ ዝዀኑ ኸኣ ናብ ናይጀርያ ተሰዲዶም።

እዛ ወላዲት ወዳ ብጥይት ከምዝተቐተለ'ያ ትገልጽ

ምንጪ ስእሊ, BBC Sport

መግለጺ ስእሊ, እዛ ወላዲት ወዳ ብጥይት ከምዝተቐተለ'ያ ትገልጽ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እቲ ኵናት ነዊሕ ሱር’ዩ ዘለዎ። ካሜሩን ከም መብዛሕትአን ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ዶባት ኣብ ዝተወሰነሉ እዋን፡ እቲ ብእንግሊዝ ዝመሓደር ዝነበረን ብፈረንሳ ዝመሓደር ዝነበረን ብሓደ ክሳነ ኣይክኣለን።

እቶም እንግሊዝ ዝዛረቡ ካሜሩናውያን፡ መንግስቲ ብተዛረብቲ ፈረንሳ ዝተዓብለለ’ዩ ብምባልን ተጨቚንና ብምባል ከዕዘምዝሙ ጀሚሮም።

እቲ ምዕዝምዛም፡ ብቛንቋና ከይንዛረብ ተኸልኪልና፡ ታሪኽና ይጕዕጸጽ ኣሎ፡ ስርዓተ ትምህርትን ሕግናን’ውን ተቐይሩ፡ ክሳብ ዝብል ዝበጽሐ እዩ።

ኣብ 2016፡ ኣብ ከተማ ባመንዳን ካልኦት ተዛረብቲ እንግሊዝኛ ካሜሩናውያንን ዝነብሩሉ ቦታታት፡ ኣንጻር እቲ ብቛንቋ ፈረንሳ ዝወሃብ ዝነበረ ስርዓተ ትምህርትን ሕግን ንምቅዋም ዝዓለመ ተኸታታሊ ኣድማታት ክካየድ ጀሚሩ።

መንግስቲ፡ ነቲ ዝካየድ ዝነበረ ተቓውሞታት ንምብታን ሓይሊ ስለዝተጠቀመ፡ ብዙሓት መንእሰያት ነተን ክልተ ተዛረብቲ እንግሊዝ ዘለዉወን ዞባታት፡ ናጽነት ንምጥላብ ‘ነጻ ኣምባዞንያ’ ዝሰመይዎ ዕጥቃዊ ቃልሲ ጀሚሮም።

ድሕሪ'ዚ፡ መንግስቲ ካሜሩን ብድሩዓት መካይን ተሰንዩ ንኸተማ ባመንዳ ለይትን ቀትርን ኮለላ ከካይደላ ጀሚሩ።

ነበርቲ እታ ከተማ፡ ኣባላት ሰራዊት መንግስቲ፡ ናብ መንበሪ ኣባይቲ ብምእታው ከምዝዘምቱ፡ ሰባት ከምዝኣስሩን ኣባይትን ዕዳጋታትን ከምዘንድዱን ብምግላጽ፡ መንእሰያት ናብቶም ‘ነጻ ኣምባዞንያ’ ዝጠልቡ ዕጡቓት ንኸይጽንበሩ ንምፍርራሕ ሬሳ ሓለፍቲ እቶም ዕጡቓት ዝርከብዎም ሓያለ ኣስከሬናት ኣብ ጎዶናታት ከምዝዝርግሕዎም ይገልጹ።

ሰራዊት መንግስቲ’ውን ኣብቲ ኵናት ዓበይቲ ክሳራታት ኣጋጢምዎ’ዩ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሓሙስን ዓርብን ኣብ ያውንደ፡ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር፡ ሬሳ ናይቶም ኣብቲ ኲናት ዝሞቱ ወተሃደራት መንግስቲ ብባንዴራ እታ ሃገር ተሸፊኑ ዝቕበረለን መዓልታት ኰይነን ኣለዋ።

ኣብ ኵናት፡ እቶም ቀንዲ ዋጋ ዝኸፍሉ ሰለማውያን ሰባት'ዮም
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ኵናት፡ እቶም ቀንዲ ዋጋ ዝኸፍሉ ሰለማውያን ሰባት'ዮም

እቶም ክንጸሉ ዝሓቱ ዘለዉ ዕጡቓት’ውን ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ብዝፍጽምዎ ተግባራት ወትሩ ኣደዳ ነቐፌታት እዮም።

እቶም ዕጡቓት ነቶም ‘ኣብ ልዕሊ ቃልስና ክድዓት ፈጺሞም’ ዝበልዎም ብምስያፍን ንደቀንስትዮ ብምስቓይን ገለ ካብቲ ብኸቢድ ዝንቀፍሉ ነጥብታት’ዩ።

እቶም ዕጡቓት ሰባት ምስ መንግስቲ ከይተሓባበሩ ንምፍርራሕ፡ ሰባት እናቐተሉ ዘርኢ ቪድታት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ይዝርግሑ’ዮም።

ዝሓለፈ ሰኑይ፡ ከተማ ባመንዳ ሰብ ተወር ናብ ዘይብለላ ከተማ’ያ ተቐይራ ውዒላ።

ጎደናታት ጭው-ጭው ኢሉ፡ ኵሉ ኣብያተ ንግዲ ተዓጽዩ ውዒሉ። ነዚ ትእዛዝ'ዚ ዕሽሽ ኢሎም ናብ ጐደና ዝወጽኡ ሰባት ከኣ ብጥይት ይቝለቡን ገዛኦም ይቃጸልን ኣሎ።

ሰራዊት መንግስቲ’ውን ዕላማ ናይቶም ኣብታ ከተማ ብብዝሒ ዝርከቡ ‘ነጻ ኣምባዞንያ’ ዝጠልቡ ዘለዉ ዕጡቓት ከይኰኑ ብምስጋእ፡ ካብ መዛግብቶም ተወር ኢሎም ኣይወጽኡን’ዮም።

እቶም ዕጡቓት ካብ ቅድሚ 4 ዓመታት ጀሚሮም ኣብታ ከተማ ኣብያተ ትምህርቲ ክዕጾ ስለዝኣወጁ፡ ዋላ’ኳ ገለ ኣብያተ ትምህርቲ መዓጹአን እንተኸፈታ፡ ተመሃሮ ግን ድቢዛ (ዩኒፎርም) ክገብሩ ኣይደልዩን’ዮም።

ሰራዊት መንግስቲ’ውን ኣብታ ከተማ፡ ሰዓታት እቶ-እቶ ስለዝኣወጀ፡ እተን ለይቲ ነታ ከተማ ግርማ ዝህባኣ ዝነበረ ኣብያተ መግቢ፡ ባራትን ክለባትን ዋሕዲ ቀረብ ኤለክትሪክ ተወሲኽዎ እታ ከተማ ቀትርን ለይትን ሕልምልም ኢላ ኣላ።

ሓንቲ ብስራሕ ምስሳሳይ እትናበር ነባሪት እታ ኸተማ፡ “እዚ ከም ዕንባባ ተሮግሮግ ዝብል ዘሎ ንሰብ የህዲምዎ’ዩ” ብምባል ነቲ ተኵሲ ብወስጠዘ ብተምሳሌት ዕምባባ ገሊጻቶ።

እቶም ኣብ ወጻኢ ዝነበሩን ንቝጠባ እታ ከተማ ዓቢይ ኣስተዋጽኦ ዘለዎምን ተወለድቲ እታ ከተማ’ውን ናብታ ከተማ ካብ ምምጻእ ተሓሲሞም’ዮም።

ካርታ ካሜሮን

ምኽንያቱ መንግስቲ ነቶም ዝቃለሱ ዘለዉ ገንዘባዊ ሓገዛት ተበርክትሎም ኢኹም ብምባል ኣብ ጸሊም መዝገብ ኣስፊርዎም ኣሎ። ገለ’ውን ካብ ወጻኢ ናብታ ሃገር ምስ ኣተዉ፡ ኣብ ከተማ ያውንደ ብጽኑዕ ኣብ ዝሕሎ ኣብያተ ማእሰርቲ ተዳጕኖም ኣለዉ።

ንነዊሕ እዋን ከተማ ባመንዳ ዝነበረ ፔተር ሻንጋ፡ ኣብታ ከተማ ምንባር ኣዝዩ ምቍር ምንባሩ ብምዝካር “ሕጂ ህይወት ልክዕ ከም ሎተሪ’ያ ኰይና ዘላ። ሞት ኣብ ጥቓና ትውዕል ኣላ፡ ሎሚ ዘዕለልካዮ ጽባሕ ሞይቱ ትሰምዕ፣ ሞት ኣብ ዘይዕድመኻ ክኸውን እንከሎ ኸኣ የቐንዙ’ዩ፡” ይብል።

ንማርያ ክላለ ቡሱ ግን እዚ ሰዓት እቶ እቶ በዓል ቤታ ብእዋኑ ገዛ ክኣቱ ዘገድድ ስለዝኾነ ብኻልእ ኩርናዕ’ያ ትጥምቶ።

“ምስ ደቁ ሕጂ’ዩ ክላለን ክዕልልን ጀሚሩ፣ በዓል ቤተይ ቅድሚ እዚ ሰዓታት እቶ-እቶ ሰኺሩ ብለይቲ ይኣቱ፡ ትክ ኢሉ ኸኣ ናብ ዓራቱ’ዩ ነይሩ። ሕጂ ግን ምስ ደቁ ክጻወትን ጥራውዝቶም ክርእየሎምን የምሲ ኣሎ፣ እቲ ግርጭት ፍቕሪ ቤትና መሊስልና’ዩ፡” ትብል።

ኣስዒባ፡ “እቲ ቀንዲ ጸገም፡ እቲ ምሉእ ለይቲ ቶግ ክብል ዝሓድር ተኵሲ፡ ለይትና ደዊንዎ ይሓድር ምህላዉ’ዩ፡” ትውስኽ።

ነበርቲ እታ ከተማ፡ ድሕሪ ነፍሲ ወከፍ ተዅሲ ንሓድሕዶም እናተደዋወሉ፡ “ሰብዶ ሃሪማ?” እናበሉ’ዮም ዝተሓታተቱ። እዚ ዅሉ እናዀነ ግን ሰብ ምንቅስቃሳቱ ኣየቋረጸን።

ኣሕምልቲ እናሸጠት እትናበር፡ ነበሪት እታ ከተማ ብወገና፡ “ተተኲሱ እናበልና ክንሃድም እንተዄንና እንታይ ኢና ክንበልዕ? ገለ ሒዘ ክመጽእ ዝጽበዩኒ ቈልዑ ኣለዉኒ።”

ወሲኻ፡ “ምስ ተተኮሰ ንሕባእ፡ ተመሊስና ኸኣ ንሰርሕ፡ ናብራና ከምዚ’ዩ ኰይኑ ዘሎ፡” ትውስኽ።

ካልእ ተቐማጢት እታ ከተማ ኸኣ፡ ደቃ ድምጺ ናይቲ ተኲሲ ሰሚዖም፡ መን ከምዝተኮሶ ዝፈልጥሉ ደረጃ ከምዝበጽሑ ትገልጽ።

“ጓለይ ጓል ሸውዓተ ዓመት’ያ፡ እቲ ተኵሲ ካብ ሰራዊት መንግስቲ ዝተኮስ ማሽን-ጋን ድዩ ካብቶም ምልሻታት ዝተተኮሰ ኤከይ-47 ትፈልዮ እያ”

እቲ ኵናት ካብ ዝጅመር፡ ኣብታ ከተማ ጥንሲ ትሕቲ ዕድመ ብርኡይ ከምዝወሰኸ’ውን ይንገር’ዩ።

እቲ ምኽንያት፡ እተን ብሰንኪ ኵናት ካብ ቤተን ዝሃደማ ደቀንስትዮ፡ ብሰራዊት መንግስትን በቶም ዕጡቓትን ጾታዊ ዓመጻት ስለዘጋጥመን’ዩ።

ሓንቲ በቲ ዘጋጥም ዘሎ ዓመጻት ዝተቘጥዐት ነባሪት እቲ ከተማ፡ “ንጾታዊ ዓመጽ ከም መሳርሒ ኵናት ምጥቃም ዘፈንፍንን ሰይጣናዊ ስራሕን’ዩ” ትብል።

ብሓፈሻኡ፡ ነበርቲ ናይታ ሓደ እዋን ኣዝያ ዕምርቲ ዝነበረት ከተማ ባመንዳ፡ ነቲ ካብ ክልቲኦም ወገናት ዝመጽኦም ዘሎ ተዅሲ ኣብ ግምት ብምእታው፡ እቲ ኵናት ኣገዳስነት ከምዘይብሉ’ዮም ዝዛረቡ።

ሸየጥቲ ሳንዱቕ ሬሳ ግን ዕዳጋኦም እናሓደረ’ዩ ዝዕምር ዘሎ።

ካሜሮን፡ እታ ብሰንኪ ሓድጊ መግዛእቲ ተገማሚዓ ዘላ ሃገር

ኣፍሪቃ ብኣውሮጳውያን እናተገማመዐት

ምንጪ ስእሊ, Alamy

  • ኣብ 1884 ብጀርመን ተገቢጣ
  • ኣብ 1916 ሰራዊት ብሪጣንያን ፈረንሳን ንሰራዊት ጀርመን ብምስዓር ሒዞማ
  • ኣብ 1919 ካሜሩን ኣብ ክልተ ተገማሚዓ [ካብ መሬት ካሜሩን 80 ሚእታዊት ፈረንሳ 20 ሚእታዊት ብሪጣንያ ሒዘናኦ]
  • እቲ ብፈረንሳ ተታሒዙ ዝነበረ ክፋል ካሜሩን፡ ኣብ 1960 ነጻ ኰይኑ
  • እቲ ብሪጣንያ ተታሒዙ ዝነበረ ደቡባዊ ክፋል ካሜሩን ብረፈረንዳም ምስ ካሜሩን ክሓብር እንከሎ፡ ኣብ ሰሜን እታ ሃገር ዝርከቡ ተዛረብቲ እንግሊዝ ኸኣ ምስ ናይጀርያ ተጸንቢሮም