መረጻ ኬንያ፡ ራይላ ኦዲንጋ ኣቕሪብዎ ዘሎ ሕጋዊ ኣቤቱታ እንታይ’ዩ?

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣብ ኬንያ ንፕረዚደንትነት ተወዳዲሩ ዝተሳዕረ ራይላ ኣሞሎ ኦዲንጋ፡ ነቲ ውጽኢት ብምንጻግ፡ ነቲ ዊልያም ሩቶ ተዓዊትሉ ዝተበሃለ መረጻ ብሕጊ ንምብዳህ፡ ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ሰነዳት ኣደጊፉ ትማሊ ኣቤቱታ ኣቕሪቡ ኣሎ።
በዚ መሰረት፡ ነቲ ራያላ ኣሞሎ ኣዲንጋ ኣቕሪብዎ ዘሎ ሰለስተ ሕጋዊ ነጥብታት ዳህሲስናዮ ኣለና።
ኣቦ ወንበር ኮሚሽን ምርጫ እታ ሃገር ዝፈጸሞ ጌጋ ኣሎ ድዩ?
ሓደ ካብቲ ራይላ ኦዲንጋ ኣብ ኣቤቱታኡ ኣቕሪብዎ ዘሎ ነጥቢ፡ ንተራ ኣቦ ወንበር ኮሚሽን መረጻ እታ ሃገር ዋፉላ ቻቡካቲ ዝምልከት እዩ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኮሚሽን መረጻ ኬንያ ብሸውዓተ ኮሚሽነራት ዝቘመ’ዩ።
ውጽኢት ክንገር ሰዓታት ምስ ተፈፎ ኸኣ፡ ካብቶም ሸውዓተ ኮሚሽነራት፡ ምክትል ኣቦ ወንበር ትርከቦም ኣርባዕተ ኮሚሽነራት፡ እቲ ምቝጻርን ምጽራይን ድምጺ፡ ዘይንጹሩነት ነይርዎ’ዩ ብምባል ነቲ ምንጋር ውጽኢት ኢዶም ከምዘይሕውስሉ ዝገልጽ መግለጺ ሂቦም።
ብወግዒ’ውን ኣብ ልዕሊ እቲ ኣቦ ወንበር ዘለዎም ተቓውሞ ኣስሚዖም።
ነዚ ምርኩስ ብምግባር ኣቦ ወንበር ኮሚሽን መረጻ ኬንያ ዋፉላ ቻቡካቲ ምልኣት ኮሚሽነራት ኣብ ዘይብሉ ዊልያም ሩቶ’ዩ ተዓዊቱ ኢሉ ክእውጅ ከምዘይነበሮ’ዮም ጠበቓታት ራይላ ኣሞሎ ኦዶንጋ ሓጋዊ ነጥቢ ዘቕርቡ ዘለዉ።
እንተዀነ ንስልጣን ዋፉላ ቻቡካቲ ኣብ ዝምልከት ክልተ ዝተፈላለየ ሕጋዊ መግለጺ’ዩ ዝወሃብ ዘሎ።
ገለ ክኢላታት ሕጊ፡ እቲ ውጽኢት ድሕሪ ምሃብ ድምጺ ኣብ ውሽጢ ሸውዓተ መዓልታት ክንግር ቅዋም ስለዘገድዶ ክነግር ግድን እዩ፣ ብመሰረት ቅዋም 'ታ ሃገር'ውን ስልጣን ኣለዎ ዝብሉ እዮም።
ገለ ኸኣ፡ ቻቡካቲ ኵሎም እቶም ኮሚሽነራት ንዘጻረይዎ ድምጺ’ዩ ክእውጅ ስልጣን ዘለዎ ብምባል ዝማጐቱ ኣለዉ።
ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኬንያ ኸኣ፡ ነዚ ሕጋዊ ትርጕም ዝደሊ ስልጣን ኣቦ ወንበር ኮሚሽን መረጻ ኬንያ ዝምልከት ጉዳይ ደምዳሚ መልሲ ክህበሉ ትጽቢት ይግበር።
'ካብ ዝተመዝገቡ ክንደይ ሚእታዊት ኣድሚጾም' ዝብል ኦዲንጋ ዘልዓሎ ነጥቢ ቅኑዕ ድዩ?
ራይላ ኦዲንጋ ሓደ ካብቲ ኣቤቱታ ኣስሚዕሉ ዘሎ ነጥቢ፡ ካብ ዝተመዝገቡ ክንደይ ኣድሚጾም ኣብ ዝብል ብኣቦ ወንበር ኮሚሽን መረጻ ኬንያ ዋፉላ ቻቡካቲ ዝተወሃበ ሚእታዊት፡ ምስቶም ዘድመጹ ናይ ልዕሊ 250 ሽሕ ፍልልይ ኣለዎ ዝብል ነጥቢ’ዩ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣቦ ወንበር ኮሚሽን መረጻ ኬንያ ዋፉላ ቻቡካቲ፡ ካብቶም ከድምጹ ዝተመዝገቡ 65.4 ሚእታዊት ከምዘድመጹ’ዩ ሓቢሩ።
ራይላ ኦዲንጋ ኸኣ፡ ካብቶም ተመዝጊቦም ዝነበሩ 65.4 እንተኣድሚጾም ቍጽሪ ኣድመጽቲ 14.5 ሚልዮን እዩ ክኸውን ዘለዎ እዩ ዝብል።
እንተዀነ ቍጽሪ ናይቶም ንኣርባዕተ ሕጹያት ድምጾም ዝሃቡ ምስ ዝድመር ግን 14.2 ሚልዮን እዩ ዝኸውን [ዋላ እቲ ዝተሰረዘ ድምጽታት እንተተደሚሩ፡ 14.3 ሚልዮን እዩ ዝኸውን]። ጠበቓታት ራይላ ነዚ ብምጽብጻብ እቲ ኮሚሽነር ናይ ልዕሊ 250 ሽሕ ድምጺ ኣበይ ኣእትይዎ ብምባል’ዮም ኣእዳዎም ናብቲ ኣቦ ወንበር ዘወጣውጡ ዘለዉ።
እዚ ብራይላን ጠበቓታቱን ቀሪቡ ዘሎ ቅማረ ቅኑዕ’ዩ፡ እንተዀነ ቻቡካቲ ኣብ መጀመርታ ደኣ ካብ ዝተመዝገቡ 65.4 ሚእታዊት’ዮም ኣድሚጾም ይበል’ምበር፡ ድሒሩ ግን ቍጽሪ ኣድመጽቲ 64.6 ሚእታዊት እዩ ኢሊ ኣሪምዎ’ዩ። እዚ ዳሕረዋይ ቍጽሪ ኸኣ ምስቲ ነቶም ኣርባዕተ ተወዳደርቲ ዝተወሃበን ዝተሰረዘን ድምጺ ማዕረ እዩ።
ስለዚ ራያላ ኦዲንጋ፡ እቲ ኮሚሽነር ኣብ መጀመርታ ጌጋ ፈጺሙ ነይሩ’ዩ ዳሕራይ ግን የዐርይዎ ዝብል ምጕት’ዩ ከቕርብ ዝኽእል።
ኣብ መወዳእታ ኵሉ ድምጺ ምስ ተቘጸረን ምስ ተጻረየን ከኣ፡ ካብቶም ዝተመዝገቡ 64.8 ሚእታዊት ከምዘድመጹ’ዩ ተገሊጹ።
ክሳብ ታሕቲ ዝኸደ ምድንጋራት [ተገራጫውነት] ነይሩ ድዩ?
ኬንያውያን ኣብቲ ብ 9 ነሓሰ ዝተኻየደ መረጻ፡ ፕረዚደንት ጥራይ ኣይኰኑን መሪጾም።
ማዕረ ማዕረኡ ኣመሓዳርቲ ዞባታት፡ ሰኔተራት፡ ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ፡ ወኪልቲ ደቀንስትዮን ኣባላት ባይቶ ዞባን’ውን መሪጾም’ዮም።
ዝያዳ ንምንጻሩ፡ ሓደ ኣድማጺ ሽዱሽተ ዝተፈላላየ ሕብሪ ዘለዎ ወረቐት እዩ ዝወሃቦ።
ኣብቲ ወረቐት ከኣ ሽምን ስእልን ተወዳደርቲ ኣለዎ።
ንኣብነት፡ ንፕረዚደንትንት ዝወዳደሩ ኣርባዕተ ሕጹያት ነይሮም፡ እቲ ኣድማጺ ኸኣ ነቲ ክመርጾ ዝደለየ ሰብ ኣብታ ጥቃ ስእሉ ንዘላ ርቡዕ ኩርናዕ ብፒሮ ምልክት ብምግባር ኣብታ ሳንዱቕ ፕረዚደንት የእትዋ፡ ነቶም ንኻልኦት ጽፍሒታት ዝወዳደሩ ኸኣ ብተመሳሳሊ ከምኣ ይገብር።
ኣብ መወዳእታ ኣብ ሽዱሽተ ሳንዱቕ፡ ማዕረ ክንዲ እቶም ዘድመጹ ወረቃቕቲ ይጸንሕ ማለት’ዩ።
ኦዲንጋ ኸኣ፡ ኣብ ገለ ገለ ቦታታት ቍጽሪ ናይቲ ኣብ ዝተፈላላየ ሳንዱቕ [ሽዱሽተ] ዝተፈላለየ ቍጽሪ ይጸንሕ ምንባሩ’ዩ ዝገልጽ።
ንኣብነት ኣብ ዞባ ኪሪንያጋ ንፕረዚደንትን ንኣመሓዳሪ ዞባን ኣብ ዝተወሃበ ድምጺ፡ ኣብቲ ንፕረዚደንት ዝተወሃበ ቁጽሪ ብ23 ሽሕ ጸብለል ኢሉ ምጽንሑ’ዩ ዝገልጽ።
ኣብ ገለ ገለ ቦታታት’ውን ብኣንጻሩ ንፕረዚደንታት ዝተወሃበ ድምጺ ካብቲ ንኻልእ ጽፍሕታት ዝተወሃበ ድምጺ ውሒዱ ከምዝርአ’ውን ብምጥቃስ፡ “ብተግባር ዝኸውን ዘይመስል ፍጻመ’ዩ” ኢሎም ገሊጾሞ ኣለዉ።
ኣብ ገለ ገለ ቦታታት ዝተሰረዘ ድምጽታት፡ ንኸምዚ ነገር ምኽንያት ክኸውን ይኽእል እዩ።
ብተወሳኺ እሱራት ንፕረዚደንት ጥራይ ክመርጹ እዩ ዕድል ተዋሂብዎም፡ እንተዀነ ንሶም ቍጽሮም ውሑድ ስለዝዀነ ዓቢይ ፍልልይ ከምጽእ ዝኽእል ኣይኮነን።
ጌጋታት ዝመስሉ ነገራት ክርኣዩ ይኽእሉ እዮም፡ እንተዀነ ካብ ኮሚሽን መረጻ ኬንያ ኵሉ ሰነዳት ስለዘይርከብ ኣብ ሕጂ ኴንካ ፍርዲ ክትህበሉ የጸግም’ዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







