ራይላ ኣሞሎ ኦዲንጋ
ኣዝሚዮ ላ ኦሞጃ ኮኦሊሽን
- ዕድመ 77፡ ካብ ዩኒቨርስቲ ማግደበርግ (ሕጂ ኦቶ ቮን ገረክ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዘሎ] ጀርመን ብምህንድስና ተመሪቑ
- ንሰልፊ ኣዚምዮ ላ ኡሞጃ ወኪሉ ንፕረዚደንትነት ይወዳደር ኣሎ
- ሎሚ ዓመት ንሓሙሻይ ግዚኡ'ዩ ዝወዳደር ዘሎ፡ ኣብ 1997፡ 2007፡ 2017 ከምኡ ኸኣ ብ 2017 ተወዳዲሩ ነይሩ
- ራይላ ኣሞሎ ኦዲንጋ፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ኬንያ ብዙሕነት ናይ ሰልፍታትን ዲሞክራስነ ዘተኣታተዉ ሰባት እዩ። ተኣሲሩን ብሰንኪ እቲ ዘካይዶ ዝነበረ ቃለሲ ካብ ሃገሩ ክስደድ ተገዲዱ ነይሩ።
- ካብ 2008 ክሳብ 2013 ቀዳማይ ሚኒስትር ኬንያ ኮይኑ ሰሪሑ።
- ራይላ ኣሞሎ ኦዲንጋ ኣብ እዋን ፕረዚደንትነት ኪባኪ ኣብ ፕሮጀክትታት ዓበይቲ ጽርግያታትን ምዝርጋሕ መስመር ኤለትሪክ ኣብ ገጠራት ሓላፊ ኮይኑ ጽቡቕ ስራሕ ሰሪሑ
- ኣብ ንኡስ ቁጠባን ሰንዓን ጽቡቕ ገስጋስ ቁጠባ ኣመዝጊቡ
- ኣቕርቦት ጽፉጽን ናብ ኩሉ ዝባጻሕን ኣገልግሎት ጥዕና
- ኣቕርቦት ንኣእምርኣዊ ማሕበራዊ ጥዕናውን ስምዒታውን ምዕባል ዘገልግሉ ማእከላት ስፖርትን መዘናግዕን
- ነቲ ኣብ 1 ነሓሰ 1982 ዝተኻየደ ፈተነ ዕለዋ ተኸቲሉ፡ ራይላ ኣሞሎ ኦዲንጋ ተኣሲሩ ክሕደት ዝርከቦ ዝተፈላለየ ክስታት ቀሪብዎ። ብመስት ካብ ኬንያ ናሽናል ኣርካይዝ ዝተረኸ ሓበሬታ፡ ራይላ ምስቲ ቀንዲ ሃንዳሲ ዕልዋ ዝነበሮ ሰብ ርክብ ከምዝነበሮ'ኳ ኮምሽን ፍትሕን ዕርቅን'ኳ እንተኣረጋገጸ፡ ረይላ ግን ኢድ ከምዘይብሉ እዩ ብተደጋጋሚ ዝገልጽ።
ዊሊያም ሳሞይ ሩቶ
ኬንያ ኩዋንዛ ኣሊያንስ
- ዕድመ 55፡ ካብ ዩኒቨርስቲ ናይሮቢ ብስን ማሕድሮ ኣትክልቲ ናይ ዶክትረይት ማዕረግ ከምኡ'ውን ብስነ እንስሳ ዲግሪ ኣለዎ።
- ንሰልፊ ዩናትድ ዲሞክራቲክ ኣልያንስ ዝተብሃለ ሰልፊ ወኪሉ ንፕረዚደንትነት ይወዳደር ኣሎ
- ን 'ዩዝ ፎር ካኒ'92' ይመርሕ ነይሩ
- ሚኒስተር ሕርሻ ኣብ ዝነበረሉ እቲ ንሱ ዝመርሖ ዝነበረ ሚኒስትሪ ዝብለጽ ሚኒስትሪ ተባሂሉ ተሰይሙ ነይሩ
- ብመሰረት ሓዲሽ ቅዋም ኬንያ ናይ 2010፡ ቀዳማይ ምክትል ፕረዚደንት ኮይኑ ሰሪሑ
- ካብ 1997 ክሳብ 2007 ኣባል ባይቶ ባይ ዞባ ኢልዶረት ኮይኑ ሰሪሑ
- ንንኣሽቱን ንማእከላይን ጽላት ቁጠባ ዓመታዊ 424 ሚልዮን ዶላር ሰሊዑ
- ዝተፈላለዩ ወጻኢታት ንምሽፋን፡ ኣብ ጽላት ትምህርቲ ደገፍ ክገብር።
- ፍርቂ ካብ ካቢንኡ ደቂ ኣንስትዮ እየን
- ኣብ 2018 ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኬንያ ንምክትል ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ገቢትዎ ዝነበረ 100 ኣኬር መሬት ክምልስን 62500 ዶላር ንኣድርያን ሙተሲ ከምልስ ወሲኑ፡ ኣድርያን ሙተሲ ሓረስታይ ኮይኑ እቲ ምክትል ፕረዚደንት ድሕሪ ምርጫ ናይ 2007'ዩ መሬቱ ወሲድሉ።
- ዊልያም ሩቶ ኣብ 2011 ብቅትለት፡ ምጥራዝን ዝብል ዝርከቦ ሰለስተ ክስታት ተመስሪትዎ ናብ ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ተኸሲሱ ነይሩ፡ ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመታት ግን እኹል መርትዖታት ኣይተረኸበን ተባሂሉ እቲ ክሲ ከምዝውንዘፍ ኮይኑ።
ጆርጅ ዋጃኮያህ
ሰልፊ ሩትስ
- ወዲ 61 ዓመት ፕሮፌሰር፡ ካብ ዩኒቨርስቲ ዋርዊክ ብሕግን ምዕባለን ማስተርስ ዲግሪ ክህልዎ እንከሎ ካብ ዩኒቨርስቲ ባልቲሞር ኸኣ ብሕጊ ካልእ ማስተርስ ዲግሪ ኣለዎ።
- ፕሮፌሰር ዋጃኮኣህ ንሰልፊ ሩትስ ወኪሉ'ዩ ንፕረዚደንትነት ዝወዳደር ዘሎ
- ኣብ እዋን ፕረዚደንት ዳንኤል ኣራክ ሞይ ተቖጻጸሪ ናይ ሓደ ፍሉይ ጨንፈር ኮይኑ ሰሪሑ፡ ብሰብ መዚ ከይእሰር ብምፍራሕ ኸኣ ካብ ሃገሩ ክሃድም ተገዲዱ።
- ኣብቲ ኣብ 2018 ዝመስረቶ ናይ ሕጊ ትካል ብዓል ሽርካ'ዩ።
- ኣብ ኣሜሪካ፡ ዓባይ ብሪጣንያን ኬንያን ኣብ ዝርከባ ዩኒቨርስቲታት ሕግን ቁጠባን ይምህር ነይሩ።
- ሓሽሽ [ማሪዋና] ሕጋዊ ንምግባር ይሰርሕ ኣሎ
- ናይ ስራሕ መዓልታት ካብ ሰኑይ ክሳብ ሓሙስ ጥራይ ክኸውን እማመ ሒዙ'ሎ
- ሕክምና ብነጻ ክኸውን፡ ንኣረጋውያን፡ ንሕማም ቅሉዓት ንዝኾኑን ንነብሰ ጾራትን ሓገዝ ክገብር ምዃኑ ተመባጺዑ ኣሎ
ዴቪድ ማዉረ ዋይሂጋ
ሰልፊ ኣጋኖ
- ደቪድ ምዋረ ንሰልፊ ኣጋኖ ወኪሉ'ዩ ንፕረዚደንትንት ዝወዳደር ዘሎ
- መራሒ ሰልፊ ኣጋኖ'ዩ
- ካብ ዩኒቨርስቲ ናይሮቢ ብዲግሪ ክምረቕ እንከሎ ብመጽናዕቲ መሪሕነት ማስተርስ ዲግሪ ኣለዎ
- ላዕለዋይ ጠበቓ ክኸውን እንከሎ ንልዕሊ 30 ዓመታት ምስ ሕጊ ኣብ ዝተኣሳሰሩ ጉዳያት ሰሪሑ
- ናይ ሕጊ ትካል ክህልዎ እንከሎ፡ ንዝተፈላለየ ፖሎቲካዊ ስልጣን ክወዳደር ጸኒሑ
- ኣብ 2006 ንሰልፊ ኣጋኖ መስሪቱ
- ኣንጻር ለበዳ ብልሽውና ክቃለስ ቃል ኣትዩ ኣሎ
- ንስራሕ ዘይብሎም ስራሕ ክፈጥረሎም
- ኣብ ወጻኢ ተኸዚኑ ዘሎ ሃብቲ ኬንያ ክመልሰ ምዃኑ ቃል ኣትዩ ኣሎ




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)



