ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኬንያ ብዓወት ዊልያም ሩቶ ከምዝተወድአ ኮሚሽን ምርጫ ኣፍሊጡ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ድሕሪ ናይ 6 መዓልታት ትጽቢት ዝተገልጸ ውጽኢት ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኬንያ ብዓወት ዊልያም ሩቶ ከምዝተወድአ ኣቦመንበር ኮሚሽን ምርጫ ብወግዒ ኣፍሊጡ።
ምክትል ፕረዚደንት ኮይኑ ከገልግል ዝጸንሐ ዊልያም ሩቶ ሳሞይ 50.5 ሚእታዊት ድምጺ ብምርካብ'ዩ ተዓዊቱ ዘሎ።
ኣቦመንበር ናይቲ ኮሚሽን ዋፉላ ቸቡካቲ ኣብ ዝገለጾ ውጽኢት ምርጫ ቀንዲ ተቓናቓኒኡ ዝኾነ ራይላ ኦዲንጋ ብወገኑ 48.85 ሚእታዊት ከምዝረኸበ ገሊጹ።
ስነስርዓት ምንጋር ናይቲ ንኣስታት ሓደ ሰሙን ትጽቢት ዝተገብረሉ ውጽኢት ምርጫ ምስሕሓብን ውጥጥን ዝተራእየሉ'ዩ ነይሩ።
ምክትል ኣቦመንበር ዝርከቦም ኣርባዕተ ኣባላት ናይቲ ኮሚሽን፡ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ "ዋንነት ውጽኢት ምርጫ ክንወስድ ኣይክኣልናን" ብምባል ዘለዎም ተቓውሞ ኣፍሊጦም ኣለዉ።
"ዘይግሉጽ ባህሪ ኣገባብ ኣተሓሕዛ ናይዚ ገጽ" መስርሕ ምርጫ ነቲ መግለጺ ክህቡ ከምዘገደዶም ድማ ጠቒሶም።
ምክትል ኣቦመንበር ናይቲ 7 ኣባላት ዘለውዎ ኮሚሽን ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ ተወሳኺ "ሰፊሕ መግለጺ ክንህብ ኢና. . .ናብ ኣብያተ ፍርዲ ንምዃድ ክፉት ኣፍደገ ስለዘሎን ግዝኣተ-ሕጊ ክረጋገጽ ብምዃኑን ኬንያውያን ክሃድኡ" ተማሕጺና።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ወከልቲ ናይቲ ኦዲንጋ ዝመርሖ ሰልፊ ኣቐዲሞም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ እቲ ምርጫ ምጥፍፋእ ከምዝነበሮ ተዛሪቦም ነይሮም።
ክልተ ላዕለዎት ኣባላት ናይቲ ኮሚሽን ከምዝቖሰሉን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ምፍርራሕ፡ ምስዋርን ማእሰርቲ ዝበጽሖም ወከልቲ ኮሚሽን ምርጫ ከምዘለዉ'ውን ኣቦመንበር ናይቲ ኮሚሽን ገሊጹ።
ምሩጽ-ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ኣብቲ ስነስርዓት ኣብ ዘስምዖ መደረ "ደስ ዝብል ምሸት'ዩ" ክብል ሓጎሱ ድሕሪ ምግላጽ፡ "ጅግና" ክብል ንኣቦመንበር ኮሚሽን ምርጫ ዘለዎ ናእዳ ገሊጹ።
ናይ ኩሎም ኬንያውያን ፕረዚደንት ኮይኑ ከገልግል ምዃኑ ቃል ብምእታው ድማ፡ እታ ሃገር ንቕድሚት ክትጥምት ተማሕጺኑ።
"ነቶም ኣንጻርና ብዙሕ ነገር ዝገበሩ ክብሎም ዝደሊ፡ ዝፈርሕዎ ነገር የለን። ሕነ ምፍዳይ ኣይክህሉን'ዩ። ንድሕሪት ክንምለስ ግዜ የብልናን" ክብል ሕድገት ከምዝገብር ኣሚቱ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







