ክልተ ስሙያት ፖለቲከኛታት ዝተሓናነቕሉ መረፃ ኬንያ ናበይ የምርሕ?

ራይላ ኦዲንጋ (ፀጋም) ዊልያም ሩቶ (የማን)

ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ንሃገራዊ መረፃ ድምፆም ዝሃቡ ኬንያውያን፡ ነቲ ውፅኢት ብሃንቀውታ ይፅበዩ ኣለዉ።

ቆፀራ ድምፂ ይካየደሉ ኣብ ዘሎ እዋን፡ ፕረዝደንት ኬንያ ንምዃን ዝቐረቡ ሕፁያት ብፀቢብ ኣፈላላይ ድምፂ’ዮም ዝነሓንሑ ዘለዉ።

ኣብ ኣፍሪቃ ፅኑዕ ቁጠባ፣ ስርዓት ፍትሕን መረፃን ከምኡ’ውን መራኸብቲ ሓፋሽ ካብ ሞንጎ ዘለወን ሃገራት ሓንቲ ኣብ ዝኾነት ኬንያ ናይ ዝካየድ መረፃ ውፅኢት ካብታ ሃገር ሓሊፉ፡ ኣብታ ኣህጉር ልዑል ኣቓልቦ’ዩ ዝረክብ።

ኣብዚ መረጻ 22 ሚልየን ህዝቢ ከድምጺ ክምዝገብ እንከሎ፡ 14 ሚሊዮን ህዝቢ ጥራይ'ዩ ድምጹ ሂቡ።

መረጽቲ፡ ንፕረዝደንት ሓዊሱ፣ ኣማሓደርቲ ግዝኣታት፣ ኣባላት ሃገራውን ከባብያውን ባይቶ ንምምራፅ ድምፂ ሂቦም።

ካብዚኦም ዓብይ ኣቓልቦ ስሒቡ ዘሎ ግና፡ ነታ ሃገር ንዝቕፅሉ ሓሙሽተ ዓመታት ብፕረዝደንትነት ንምምራሕ ዝግበር ንሕንሕ እዩ።

እዚ ኣብ ሞንጎ ኣብዚ እዋን ምክትል ፕረዝደንት ኬንያ ዘሎ ዊልያም ሩቶን ቀዳማይ ሚኒስትር ነበር ራይላ ኦዲንጋን ዝህሉ ንሕንሕ ከቢድ ከም ዝኾን ኣቐዲሙ እውን ተተንብዩ’ዩ ነይሩ።

ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ዘሎ ንሕንሕ ጎንፂ ከየስዕብ ስግኣት ብዙሓት ኰይኑ፡ ክሳብ ሕዚ ዘሎ ኩነታት ግና እዚ እዩ ዝበሃል ጎንፂ ኣየጋጠመን።

ድምፂ ተዋሂቡ ምቑፃር ድምፂ ካብ ዝጅመር ካልኣይ መዓልቲ እኳ እንተቑፀረ፡ ራይላን ሩቶን ካብ መረፅቲ ብዝረኸብዎ ድምፂ ልዕልነት ክሕዙ ኣይከኣሉን ዘለው።

ኣብዚ መረፃ ካብ ሞንጎ ዘድመፁ፡ ዋላ’ኳ ልዕሊ ፍርቂ እንተተቖፀረ፡ ኣብ ሞንጎ እዞም ሕፁያት ዘሎ ኣፈላላይ ፀቢብ ብምዃኑ፡ ሚልዮናት ኬንያውያን ንናይ መወዳእታ ውፅኢት ብሃንቀውታ ይፅበዩ ኣለዉ።

ኣብዚ መረፃ እንታይ ትፅቢት ይግበር?

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እንተኾነ ኣብ ዝቕፅሉ መዓልታት እንታይ ዓይነት ኩነታት ክፍጠሩ ይኽእሉ ኢልና ንጽበ?

እቲ ፈላማይ ኣብቲ መረፃ ልዑል ድምፂ ብምርካብ ግልፂ ሰዓራይ ክህሉ’ዩ። በዚ ድማ እቲ ተዓዋታይ ወግዓዊ ክኸውን’ዩ።

እዚ ማለት፡ ካብቲ ዝተውሃበ ሓፈሻዊ ድምፂ ልዕሊ ፍርቂ እንተውሓደ ካብ 47 ግዝኣታት እታ ሃገር ኣብ 24 ግዝኣታት ዝተውሃበ ድምፂ፡ 25 ሚእታዊት ምርካቡ ምስ ተረጋገፀ እዩ።

እዚ ከኣ ኣካትዓይ ዘይዀን እንትኾን፡ ካልኦቶም ድማ ንሕፁያት ተወዳደርቲ ኣሚኖም ክቕበሉ ኣለዎም።

እቲ ተዓዋታይ ብቐሊሉ ብቐጥታ ዝፍለይ እንተዀይኑ፡ እቲ ውፅኢት ወግዓዊ ምስ ኰነ ድሕሪ ክልተ ሰሙናት ኣብ ዘላ ፈላመይቲ ሰሉስ ስልጣን ፕረዝደንትነት ንምርካብ ቃለ መሓላ ይፍፅም።

እቲ ካልእ ትፅቢት ዝግበረሉ ድማ፡ እቲ ተዓዋታይ ብኮምሽን መረፃ ወግዓዊ ምስ ኮነ ብቤት-ፍርዲ ኣካትዓይ ዝዀነሉ ኩነታት’ዩ።

እቲ ውፅኢት ኣካትዓይ’ዩ እንተድኣ ተባሂሉ፡ እቲ ኮምሽን ሰዓራይ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ፡ ቅረታ ዘለዎ ኣካል ኣብ ውሽጢ ሸውዓተ መዓልታት ናብ ቤት-ፍርዲ ጥርዓን ከቕርብ ኣለዎ።

ላዕለዋይ ቤት-ፍርዲ ከኣ ቅረታ ምስ ቀረበ ኣብ ውሽጢ 21 መዓልታት ውሳነ ክህብ ግድን ይኸውን። ቤት ፍርዲ፡ ብዝህቦ ብይን ነቲ ውፅኢት ከፅንዕ ወይ ውድቂ ክገብር ይኽእል።

ነቲ ውፅኢት እንተድኣ ውድቂ ገይርዎ፡ ኣብ ውሽጢ 60 መዓልታት ሓድሽ መረፃ ንኽካየድ ብይን የሕልፍ።

ካልእ ካብዚ ውፅኢት መረፃ ትፅቢት ዝግበር፡ እቲ ኮምሽን ተዓዋታይ ፕረዝደንት ወግዓዊ ይገብር፤ እንተዀነ ሕፁይ ፕረዝደንት ስዒረ’የ ኢሉ ናብ ቤት-ፍርዲ ንምኻድ ፍቓደኛ ኣብ ዘይኾነሉ ግዘ’ዩ።

ብመሰረት እዚ እቲ ዝተመረፀ ፕረዝደንት ቃለ መሓላ ክፍፅም ይግበር። ይኹን’ምበር ኣብዚ ዝተሓላለኹ ነገራት ክስዕቡ ይኽእሉ።

ከምቲ ኣብ 2007 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ኣብ ኬንያ ዝተኻየደ መረፃ ስዒቡ ዝተፈጠረ ፖለቲካውን ዓሌታውን ጎንፂ ህይወት ብዙሓት ዝበልዐ ቅልውላው እውን ክስዕብ ይኽእል።

እቲ ካልእ ትፅቢት ዝግበረሉ ነገር ድማ ግልፂ ሰዓራይ ዘይምህላው እዩ።

እዚ ማለት ሕፁያት ተወዳደርቲ፡ ልዕሊ ፍርቂ ድምፂ መረፅቲ እንተ ዘይረኺቦምን፡ እንተውሓደ ካብ 47 ግዝኣታት ኣብተን 24 ካብ ዝተውሃቡ ድምፅታት 25 ሚእታዊት እንተዘይረኺቦምን ማለት’ዩ።

እዚ ዝፍጠር እንተዀይኑ፡ ኣብ ሞንጐ ክልቲኦም ሕፁያት ካልኣይ ዙር መረፃ ክካየድ ኣለዎ። እዚ፡ ፈላማይ መረፃ ምስ ተኻየደ፡ ድሕሪ 30 መዓልታት እዩ ዝካየድ።

ቅድሚ ሕዚ ዝነበረ መረፃ

ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ዝተኻየደ መረፃ፡ ፕረዝደንት ኡሁሩ ኬንያታን ናይ ሕዚ ሕፁይ ራይላ ኦዲንጋን ኣዝዩ ብዝተቐራረበ ድምፂ ክነሓነሑ ድሕሪ ምፅናሕ፡ ኣብ መወዳእታ ኣብ ስልጣን ዝፀንሐ ኬንያታ ከም ዝተዓወተ ወግዓዊ ኮይኑ።

ይኹን’ምበር ኣብቲ ውፅኢት ሕቶታት ስዒቦም፡ ኣብ ሓደ ሓደ ቦታታት ደገፍቲ ተቓወምቲ ፖለቲካዊ ውድባት ናብ ኣደባባያት ወፅዮም፡ ጎንፅታት ተኸሲቶም ነይሮም።

እቲ ተዓዋታይ ልዕልነቱ እንትገልፅ፡ እቲ ዝተሰዓረ ከኣ ምትላል ተፈፂሙ ብምባል ነቲ ውፅኢት ብምንፃጉ፡ እታ ሃገር ኣብ ወጥሪ ክትኣቱ ምኽንያት ኮይኑ ነይሩ።

ፖለቲከኛታት እቲ ዘይምርግጋዕ ክሃድእ ንደገፍቶም እንትሓቱ፡ ኣብቲ መረፃ ኣነ እየ ተዓዊተ ዝበለ ራይላ ኦዲንጋ ድማ ጥርዓኑ ናብ ቤት-ፍርዲ ወሲድዎ።

ኬንያ ኣለኒ ኢላ ካብ ትምከሐሎም ሃገራዊ ትካላት ሓደ ዝኾነ ላዕለዋይ ቤት-ፍርዲ፡ ንዝቐረበሉ ጥርዓን ሃንቀውታ ክሳብ ዝፈጥር ድሕሪ ምክትታል ብይን ኣሕሊፉ።

እቲ ቤት-ፍርዲ ካብ ክልቲኦም ወገናት ንዝቐረበሉ ጥርዓንን መረዳእታታትን ድሕሪ ምምርማር፡ ኣብ ኣፍሪቃ ተራእዩ ብዘይፈልጥ መልክዑ፡ ኣብ ስልጣን ዘሎ ፕረዝደንት ዝተዓወተሉ ውፅኢት መረፃ ውድቂ ብምግባር፡ እቲ መረፃ ክድገም ፈሪዱ።

ኣፍሪቃን ዓለምን ነቲ ብይን ንኢደሞ፤ ዓወቱ ተኣዊጁ ዝነበረ ፕረዝደንት ኡሁሩ ኬንያታ’ውን ንውሳነ እቲ ቤት-ፍርዲ ተቐቢሉ ንዳግማይ መረፃ ክዳሎ ጀሚሩ።

ኣብ ሓፂር ግዘ ውሽጢ ኣብ ዝተኻየደ ፕረዝደንታዊ መረፃ፡ ሕዚ ንካልኣይ ግዘ ናይ ሓሙሽተ ዓመት ዘበነ ስልጣኑ ዛዚሙ ይሰናበት ዘሎ ኡሁሩ ኬንያታ ዳግማይ ከምዝሰዓረ ተረጋጊፁ።

ይኹን’ምበር ራይላ ኦዲንጋ፡ ውፅኢት ካልኣይ ዙር መረፃ’ውን ብዘይ ምቕባል፡ ሕጋዊ ፕረዝደንት ኣነ’የ ብምባል ብወግዒ ቃለ-መሓላ ክሳብ ምፍፃም በፂሑ ነይሩ።

ደሓር ግና ኡሁሩ ኬንያታን ራይላ ኦዲንጋን ተቐራሪቦም ሰላም ብምምፃእ፡ ሕዚ ክሳብ መሻርኽቲ ምዃን በፂሖም።

ኣብዚ ናይ ሎሚ መረፃ፡ ፕረዝደንት ኡሁሩ ኬንያታ፡ ልዕሊ ምክትሉ ዊልያም ሩቶ፡ ንተቓዋሚ ራይላ ኦዲንጋ ብተደጋጋሚ ድጋፉ ገሊፁ’ዩ።