ኬንያ፡ ንፕረዚደንትነት ዘማዕዱ ዘሎ ደጋፊ ኣርሰናል ራይላ ኦዲንጋ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ራይላ ኦዲንጋ፡ ኣብ ኬንያ ካብ ፍሉጥ ስድራቤት'ዩ መጺኡ። እንተዀነ፡ ድሕሪ ናጽነት ምኽትል ፕረዚደንት ኰይኑ ንዘገልገለ ኣቦኡ ፖለቲካዊ ዘውዲ ከምልጦ ከም ዝጸንሐ ንዕኡ'ውን ንዓሰርታት ዓመታት ክትሃድሞ ጸኒሓ'ያ።
ኣብ 2008 ቀዳማይ ሚኒስትር ኰይኑ ተሸይሙ ዝነበረ ወዲ 77 ዓመት ኦዲንጋ፡ ኣብቲ ትሸዓተ ነሓሰ 2022 ዝካየድ ፕረዚደንታዊ መረጻ ኬንያ፡ ንሓምሻይ ግዜ'ዩ ፈተነ ከካይድ።
ኦዲንጋ፡ ኣፍቀርቲ ሰዓብቲ ኣለውዎ፤ እዞም ዝፈትውዎ ደገፍቱ ክኣ "ባባ" (ኣቦ)፣ "ኣግዋምቦ" (ስራሕ ኣምላኽ)፣ ከምኡ'ውን "ቲንጋ" [ትራክተር] ኢሎም ይጽውዑዎ።
ትራክተር፡ ኣብ 1997 ኣብ ዝተኻየደ መረጻ ዝተጠቐመሉ ምልክት ናይቲ ዝውክሎ ሰልፊ'ዩ ነይሩ።
ኦዲንጋ፡ ደጋፊ ኢንግሊዛዊት ጋንታ ኣርሴናል'ዩ። ኣብ ኩሎም መረጻታት ዝተፈላለየ ፖለቲካዊ ቅዲ ሒዙ'ዩ ዝመጽእ።
ኣብዚ ናይ ሕጂ መረጻ፡ ብስዋሂሊ 'Azimio la Umoja' (መርኣያ ሓድነት) ዝብል ጭርሖ ሒዙ ይወዳደር ኣሎ።
በዚ ቀልቢ ደገፍቲ ተሰናባቲ ፕረዚደንት ኡህሩ ኬንያታ ክገዝእ ይፍትን ኣሎ።
ንሱ፡ ፕረዚደንት ኬንያታ ዝጀመሮም ኣጀንዳታት ልምዓት ንቕድሚት ክወስድን ውጹዕ ህይወት ንዝመርሑ ዜጋታት ወርሓዊ 6,000 ሽሊንግ [50 ዶላር] ብምሃብ ክሕግዝ ምዃኑን ይመጻባዕ።
እቲ ገንዘብ፡ ኣብታ ሃገር ዝፍጸም ሰፊሕ ብልሽውና ብምስባር ዝርከብ ምዃኑ ይዛረብ።
ብተወሳኺ በቲ "ባባ ኬር" ኢሉ ዝሰመዮ ንምኽፋሉ ዝከኣል ኣገልግሎት ጥዕና ክህሉ ከም ዝገብር ይዛረብ።
በዚ ከኣ፡ ኣቦ ልዕሊ 56 ሚሊዮን ህዝቢ ኰይኑ ክርኣይ ይደሊ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ጓል ኣንስተይቲ ምኽትል
እቲ ወዲ 77 ዓመት፡ እቲ ሎምዘበን ዘካይዶ ፈተነ ናይ መወዳእትኡ ድዩ? ዝብል ኣይፍለጥን።
ብ2017 ኣብ ዝተኻየደ ፕረዙደንታዊ መረጻ "ናይ መወዳእታ ዓረር" ኢሉ ነይሩ።
ኣብ ወርሒ መጋቢት 2022 ምስ ቢቢሲ ፎከስ ኦን ኣፍሪቃ ኣብ ዝነበሮ ቃለ መጠይቕ፡ ኬንያውያን ኣብኡ ብዘለዎም "ልዑል እምነት ዳግም ንፕሬዝደንትነት ክወዳደር ከም ዝሓተቱዎ" ተዛሪቡ ናይ መርገጺ ለውጢ ምግባሩ ኣርእዩ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ክኣ፡ ሚኒስትሪ ፍትሒ ንዝነበረት ማርታ ካሩዋ ምኽትል ፕሬዝደንት ገይሩ ሓርዩ ኣሎ።
እዚ ታሪካዊ'ዩ፣ ምኽንያቱ ናይ መጀመርታ ጓል ኣንስተይቲ ምኽትል ዝመረጸ እዩ።
ጥምረት ክልቲኦም ተነሓናሕቲ ድማ፡ ብዙሓት ምስቲ ፕረዙደንት ጆ ባይደንን ምኽትሉ ካማላ ሃሪስን ዝነበሮም ጥምረት የወዳድሩዎ ኣለው።
ኦዲንጋ፡ ቁልፊ ኣብ ዝበሃሉ ከባቢታት - ማእከላይ፣ ምብራቕን ገምገም ኬንያ ዝወዳደር ኰይኑ እዚ ልዕሊ 50 ሚኢታዊት ድምጺ ክረክብ የኽእሎ።
ኦዲንጋ፡ ወራሲ ፖለቲካዊ ኣሰር ኣቡኡ ጃራሞጊ ኦዲንጋ ተገይሩ'ዩ ዝርኣይ፤ ንሱ፡ ድሕሪ ናጽነት ፈላሚ ምኽትል ፕረዚደንት ኬንያ እዩ ነይሩ፤ እንተዀነ ብ1966 ምስቲ ኣብቲ ግዜ ፕረዚደንት ዝነበረ ጀሞ ኬንያታ (ኣቦ ፕሬዝደንት ኡህሩ ኬንያታ) ክሰማምዑ ብዘይምኽኣሎም ካብቲ መንግስቲ ወጺኡ።
ጃራሞጊ ኦዲንጋ፡ ሃገሩ ምስ ሕብረት ሶቭየትን ቻይናን ጽቡቕ ርክብ ክህልዋ እንትደሊ፡ ጀሞ ኬንያታ ግን እቲ ርክባት ምስ ኣመሪካን ካልኦት ሃገራት ምዕራብን ክኸውን ይመርጽ።
ኣፈላላዮም እናሰፍሐ ምስ ከደ፡ ጃራሞጊ ኦዲንጋ ን18 ኣዋርሕ ተኣሲሩ፤ ብ1971 ተፈቲሑ።
ራይላ'ውን ተኣሲሩ እቲ ዝነውሐ ናይ ማእሰርቲ ግዜ'ውን ኣሕሊፉ'ዩ።
ኣንጻር ምልኪ ሓደ ሰልፊ ዝገብሮ ቃልሲ ክልተ ግዜ (ካብ 1982 ክሳብ 1988 ከምኡ'ውን ካብ 1989 ክሳብ 1991 እዋን ጀሞ ኬንያታን ዳኒኤል ኣራፕ ሞይን) ንማእሰርቲ ዳሪግዎ እዩ።
መጀመርታ፡ ብ1982 ዕልዋ መንግስቲ ከካይድ ፈቲኑ ተባሂሉ ክእሰር እንከሎ፡ እዚ ኣጋጣሚ ብደረጃ ሃገር ንክፍለጥ ኣኽኢሉዎ።
መለዓዓልን በሊሕ ስትራቴጂስትን
ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት፡ ስርዓተ ብዙሕነት ሰልፊ ምስ ተኣታተወ፡ ናብ ስልጣን ንምምጻእ ዝገበሮም ተደጋጋምቲ ፈተነታት ክሰምረሉ ኣይክኣለን።
መብዛሕትኡ ግዜ፡ ኣብ ውጽኢት መረጻ ተታሊለ'የ እዩ ዝብል።
እዚ፡ ብፍላይ ኣብ 2007 ኣብ ዝነበረ መረጻ ናይቲ ግዜ ፕረዚደንት ሙዋይ ኪባኪ ውጽኢት መረጻ ኣታሊሉ'ዩ ኢሉ ብምእማኑ ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ዓቢ ቅልውላው ኣስዒቡ እዩ።
ድሕሪ እቲ መረጻ ኣብ ዝስዓበ ናዕቢ ኣስታት 1200 ሰባት ክሞቱ እንከለው፡ ልዕሊ 500 ሽሕ ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም።
እዚ ጸገማት ንምፍታሕ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝነበረ ኮፊ ኣናን ዝመርሖም ሽምግልናታት ድሕሪ ምክያዶም፡ ልፍንታዊ መንግስቲ ተመስሪቱ ቀዳማይ ሚኒስትር ኰይኑ።
እንተዀነ ምስ ኪባኪ ዝነበሮ ርክብ ሓርፊፉ ቀጺሉ።
ብ2017 ኣብ ዝተኻየደ መረጻ ብኬንያታ ክስዓር እንከሎ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ግን ረቲዑ።
እንተዀነ እቲ ዳግም መረጻ ንክካየድ ዝቐረበ ሓሳብ እኹል መጻወቲ ሜዳ የለን ብምባል ነጺጉዎ።
እዚ ክኣ ኬንያታ ዳግም ንክምረጽ ኣኽኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እዚ፡ ህዝቢ ናይ ምልዕዓል ተክእሎ ከም ዘለዎን በሊሕ ስትራቴጂስት ምዃኑን ዝንገረሉ ኦዲንጋ፡ ኣብ ናይሮቢ ኣብ ዘካየዶ ጎስጓስ፡ ንርእሱ "ናይ ህዝቢ ፕሬዝደንት" እየ ኢሉ ኣዊጁ።
ደገፍቱ ክኣ፡ ኬንያታ ዳግም ብምምራጹ ዝነበሮም ሕርቃን ንምግላጽ፡ ኣብ ልዕሊ ብስድራ ኬንያታ ዝውነኑ ትካላት ንግዲ ኣዲሞም።
እዚ፡ ዜጋታት ዘለዎም ፖለቲካውን ቁጠባውን ቁጥዐታት ካብ ሞንጎ ዝገለጽሉ ተቓውሞ እዩ ነይሩ።
ገሊኦም ናብ ጎነጽ ዝተቐየሩ ኰይኖም፡ ብሰንኩ ህይወት ሰብ ጠፊኡን ሰፊሕ ቁጠባዊ ሃሰያ ወሪዱን እዩ።
ኣብ 2018፡ ክልቲኦም ፖለቲከኛታት ዕርቂ ምስ ኣውረዱ ግን፡ ዋላ'ውን ብምኽባር ዋጋታት ዝርኣይ ቁጥዐ እንተሎ ኣብ ኬንያ ብዙሕ ሰልፊ ተቓውሞ ኣይተርኣየን።
ክልቲኦም፡ ኣብ ሕገ መንግእቲ እታ ሃገር ምምሕያሻት ንምግባር "ተበግሶ ህንጸት ድልድላት" ዝብል ሓሳብ ኣበጊሶም።
ኬንያ፡ ደገፍቱ ናብ ኦዲንጋ ከዘንብሉ ምግባሩ፡ ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ፖለቲከኛታት ዝጸንሐ ፖለቲካዊ ውጥጥ ንከብቅዕ ዝገብር ስልጣን ቀዳማይ ሚኒስትርነት ንክህቦ ደልዩ'ዩ ዝብሉ ሓሜታት ክልዓሉ ገይሩ ኣሎ።
እንተዀነ፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እቲ ፕሬዝደንት ካብ ሕጊ ወጻኢ ዕረያታት ንምግባር ተንቀሳቐሱ'ዩ ብዝብል ነቲ ተበግሶ ውድቂ ገይሩዎ።
ዝዀነ ዀይኑ ግን፡ ኬንያታ፡ ኣብ ክንዲ ምኽትሉ ዊልያም ሩቶ ኦዲንጋ ንክምረጽ ጸቕጢ ምግባር ቀጺሉ ኣሎ።
ኦዲንጋ፡ ንማማ ኢዳ ዝተመርዓወ ኰይኑ ኣርባዕተ ቈልዑ ኣለውዎ።
ካብ ደቁ እቲ ሓደ ፊደል ዝብሃል ኳዓኦይኑ፡ ሽሙ ካብ ኲባዊ መራሒ ፊደል ካስትሮ ዝተወስደ እዩ።
ኦዲንጋ ኣብ ሓደ እዋን ብዛዕባ እዚ ክዛረብ እንከሎ፡ ወዱ ኣብ እዋን ዝሑል ኲናት ስለ ዝተወልደን "ኣብ እዋን ኲናት ቬትናም ካስትሮ ኣንጻር ኣመሪካ ጠጠው ኢሉ ብምንባሩን" ከም ዝዀነ ኣብሪሁ ነይሩ።
እቲ ስርወ ንግስናዊ ባህሊ ንምቕጻል፡ ኦዲንጋ ወዱ ኣብ ፖለቲካ እዛ ሃገር ንክትክኦ ሓጺዩዎ እኳ እንተነበረ፡ ፊደል ኣብ መበል 41 ዓመቱ ብ2015 ሞይቱ።
ጓሉ ሮዝማሪ ክኣ ብ2017፡ ኣብ ኣፍሪቃ እቲ ዝዓበየ ሻውል ወኪላ ኣባል ባይቶ ንምዃን ክትወዳደር ምዃና ወግዓዊ ገይራ ነይራ፤ ኣቡኣ ነዚ ከባቢ ን20 ዓመታት ወኪሉዎ'ዩ።
እንተዀነ፡ ጥዕናዊ ጉዳያት ምኽንያት ብምግባር ካብቲ ውድድር ንርእሳ ኣግሊላ።
ኦዲንጋ፡ ኣብ ኬንያ ሃፋትም ካብ ሞንጎ ዝብሃሉ እዩ። ኣብ መፍረ ጋዝ ስሊንደር፣ ፍርያት ኤታኖልን ካልኦትን ክኣ ድልየት ኣለውዎ።
ሉዎ፡ ኣብ ኬንያ ራብዓይ ዝዓበየ ብሄር ኰይኑ፡ ራይላ'ውን ተወላዲ እቲ ብሄር'ዩ።
ኣብዚ መረጻ እንተተዓዊቱ ድማ ፈላማይ ካብ ሉዎ ዝወጽአ ፕሬዝደንት ክኸውን እዩ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







