ብዕጸ ፋርስን ብመርዚ ተመንን ንግዲ ወጻኢ ከሳልጥ'የ ዝብል ሕጹይ ፕረዚደንት ኬንያ

ምንጪ ስእሊ, GEORGE WAJACKOYAH
ኣብዚ እዋን ሕጹይ ፕረዚደንት ኬንያ ዝኾነ ጆርጅ ዋጃኮኣ፡ ብንእስነቱ ኣብ ኬንያ ግዳም ሓደር ዝነበረ፡ ድሒሩ ድማ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ኳዓቲ መቓብር ዝነበረ፡ ዕጸ ፋርስ፣ መርዚ ተመንን ፍረነፍሲ ዝብእን ንሰደድ ኣዝዩ ከም ዘመቻቸወ ይግለጽ።
ዋላ’ኳ ብዙሓት ብዛዕባ ተግባራዊነት ውጥንኡ እንተተጠራጠሩ፡ ጎስጓስ ምርጫ ሕጹይ ፕረዚደንት ኬንያ ግን ንብዙሓት መሲጥዎም ኣሎ።
17 ዲግሪ ኣለኒ ዝብል ወዲ 63 ዓመት፡ በዓል ሞያ ሕጊ፡ ፕሮፌሰር ዋጃኮያህ፡ ኣብ መጻኢ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ዝካየድ መረጻ ኬንያ ካብ ዝወዳደሩ ኣርባዕተ ሕጹያት ፕረዚደንት፡ ከም ሓደ ፍሉይ ትርኢት ብምርኣይ ኣቓልቦ ስሒቡ ኣሎ።
ብዙሕ ኣቓልቦ እንተሰሓበ እውን 'ኣብ መረፃ ክዕወቱ ድዩ?' ንዝብል ግን፡ ካብ ህዝቢ ዝተኣከበ ዳህሳስ ከምኡ ኣየርእን።
እቲ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ዝተዘርግሐ ዳህሳስ ከም ዘመልክቶ፡ 'ሱር' ዝተባህለ ሰልፊ ወኪሉ ዝወዳደር ዘሎ ዋጃኮያ፡ 4 ሚእታዊት ድምጺ ጥራይ ከም ዝረክብን ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ከም ዘሎን ይግለጽ።
ክኢላታት እቲ ዓውዲ ግን፡ ከም ሓደ ንመጀመርታ ግዜ ሕጹይ ንዝወዳደር ሰብ መጠን፡ ኣብ ጽቡቕ ኣብ መንገዲ ከምዘሎ ይዛረቡ።
ብፍላይ እቶም መሪሕ ተወዳደርቲ፡ 43 ሚኢታዊ ዝተውሃበ መራሒ ተቓዋሚ ራይላ ኦዲንጋን 39 ሚኢታዊ ዝረኸበ ምክትል ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶን ዝኾነ ይኹን ድምፂ ክስእኑ ኣይደለዩን፣ ዋጃኮያ ግን ገለ ድምጽታት ክወስድ ትፅቢት ተገይሩሉ።
"ዋጃኮያ፡ ብዙሓት ዝስሕቑሉ ዝነበሩ ሓሳባት ብምልዓል የናውጽ ኣሎ። ልቢ ናይቶም ኣብ ከተማ ይኹን ኣብ ገጠር ዝርከቡ ብዛዕባ ቁጠባ ዝተቖጥዑ መንእሰያት ክስሕብ ክኢሉ። ዝተፈላለዩ ብሄራት፣ እምነትን ሰልፍታትን ዘለዎም መናእሰይ ይሰምዕዎ ኣለው" ክብል ኣሰናዳኢ ጋዜጣ ዴይሊ ኔሽን ኬንያ ማቻርያ ጋይቶ ፅሒፉ።
ንጎስጓስ ምርጫ ኣብ ጎደናታት ክወጽእ እንከሎ፡ ኣብ ክንዲ ምሉእ ሱፍ ካቦትን ዝኽደን፡ ቲሸርት፡ ቆቢዕ፡ ስካርፍ፡ ጂንስ፡ ኦቨርሎስ ገይሩ ይረአ። በዚ መንገዲ ድማ ኣካል ናይቲ ኣብታ ሃገር ሰፊኑ ዘሎ ሰፊሕ ብልሽውና ከምዘይኮኑ የርእዪ።
ማሪዋና ዘትክኽ መሲሉ እውን ብኣጻብዕቱ ምልክታት ይገብር። እቲ ህዝቢ ብደርፍታት ሬጌ ክስዕስዕ ከሎ ፡ ንሱ ብሓጎስ ይዘልል።
ፕሮፌሰር ዋጃኮያ፡ ፕረዚደንት ኰይኑ እንተተዓዊቶም፡ ንክልተ ዓበይቲ ጸገማት ኬንያ፡ ማለት ሽቕለት ኣልቦነት ንምፍታሕን ሃገራዊ ዕዳኣ ንምንካይን፡ ንሕርሻ ዕጸ ፋርስን ንኢንዱስትሪን ሕክምናን ዝኸውን ምህርቱን ዝቆጻጸር ሕጊ ከምዘውጽእ ገሊጹ።
ከም ኣገላልጻኡ፡ እዚ ስጉምቲ ንኬንያ ዓመታዊ ልዕሊ ትሽዓተ ትሪልዮን ሽልንግ ወይ 76 ቢልዮን ዶላር ኣታዊ ከም ዝረክብ ዝገለጸ ዀይኑ፡ መንግስቲ ዳግማይ "ሓንቲ ሳንቲም ክልቃሕ ከይግደድን'ዩ" ኢሉ።
“ምዕራባውያን ሃገራት ንማሪዋና ሕጋዊ ገይረንኦ ኣለዋ። ስለምንታይ ንሕናኸ ሕጋዊ ዘይንገብሮ?" ክብል ድማ ይሓትት።
ዋላ እኳ ነቲ ዝብሎ ብመጽናዕቲ እንተዘይደገፎ፡ ማሪዋና ንኢንዱስትርያውን መድሃኒታውን ኣጠቓቕማ ሕጋዊ ምግባር ግን ቀንዲ ድፍኢት ናይቲ ዝገብሮ ጎስጓስ ምርጫ እዩ። መርበብ ሓበሬታ ኣፍሪካን ቼክ፡ ነቲ ውጥኑ ዘደናግር እዩ ክብል ገሊጽዎ።
ይኹን እምበር፡ መዛረቢ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ፡ ነቶም ብስራሕ ኣልቦነት ኣዝዮም ዝተሃስዩ መንእሰያት እታ ሃገር ድማ የሐጉስ ኣሎ።
ፕሮፌሰር ዋጃኮያ ዘቕረቦ እማመ እንተተዓዊቱ፡ ንኬንያ ኣብ ጎኒ ሌሶቶ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ዛምብያን ዚምባብወን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ኣህጉራዊ ዕዳጋ ማሪዋና ክወዳደራ ዝፍትና ሃገራት ከእትዋ እዩ።
ማሪዋና፡ ኣብ ክሳብ 2028 ከም ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ፡ 70 ቢልዮን ዶላር ክኸውን ትጽቢት ከምዘሎ ገለ ግምታት ይሕብሩ። ፕሮፌሰር ዋጃኮያህ ማሪዋና ኣትኪኹ ከምዘይፈልጥ እኳ እንተገለጸ፡ ኬንያ ነቲ መድሃኒት ሕጋዊ እንተገይራቶ ግን ሓጎሱ ንምግላጽ ናይ መጀመርታ ማሪዋና ዘትክኽ ሰብ ከምዝኸውን ገሊጹ። "ማሪዋና ሕጋዊ እንተዀይኑ፡ እቶም ተቖጻጸርቲ ኣካላት ድማ እንተፈቒዶም፡ ምትካኹ ጽቡቕ'ዩ" ይብል።
ፕሮፌሰር ዋጃኮያ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ብካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኬንያ ተኮኒኑ ኣሎ። እታ ቤተክርስትያን ንማሪዋና ሕጋዊ ምግባር ብምንቃፍ፡ ምጥቃም ሓሽሽ ኣብ መንእሰያት ዘግድድ እዩ ኢላ። “ስድራቤታት ኣብ ትሕቲ ስግኣት ሓሽሽ ይርከቡ። እዚ ድማ ናብ ምፍልላይን ዓመጽን ሞት ከይተረፈ ከስዕብ እዩ” ክብሉ ጳጳስ ጀምስ ማርያ ዋይናና ኣጠንቂቖም።
ፕሮፌሰር ዋጃኮያ፡ ኩሎም ብመንግስቲ ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ ንኹባንያታት ቻይና ዝተውሃቡ ኩሎም ውዕላት ዳግም ክግምግሙ ምዃኖም እውን ቃል ኣትዩ። 21% ናይ ኬንያ ናይ ደገ ዕዳ፡ ካብ ቻይና ብምዃኑ ሃገራዊ ቁጥዐ ኣለዓዒሉ ኣሎ።
ብፍላይ እታ ሃገር፡ ከም መንገድን ባቡርን ዝኣመሰሉ መሰረተ ልምዓት ንምህናፅ ዝኣተወቶም ውዕላት፡ ንህዝቢ ብዕሊ ዘይምግላፅ እቲ ሕፁይ ፕረዚደንት ዘልዕሎ ሕቶ እዩ።
ፕሮፌሰር ዋጃኮያ፡ ምርባሕ ተመን ከም ካልእ ዓንዲ ቁጠባ ኬንያ እዩ ዝሪኦ።
"ካብ ወርቂ ንላዕሊ ዋጋ ኣለዎ" ዝበሎ መርዚ ተመን፡ መድሃኒታዊ ጸረ-መርዚ ተመን ንምፍራይ ከምዝውዕል፡ ናብ ከም በዓል ቻይና ዝኣመሰላ ሃገራት ከም ዝለኣኽን፡ ስጋ ተመን ድማ ከም ጥዑም መግቢ ከም ዝቑጸር ተዛሪቡ።
ፕሮፌሰር ዋጃኮያ ዝኾነ መርትዖ'ኳ እንተዘይኣቐረበ፡ "ቁጠባ ርጉእ ንምግባር ኣብ ዓመት ሓደ ቢልዮን ዶላር ክህልወና ይኽእል'ዩ" ይብል። ብተወሳኺ ኣብ ቻይና ንሕክምና ዝውዕል ፍረነፍሲ ዝብኢ፡ ካብ ማሪዋና ዝያዳ ኣታዊ ስለዘምጽእ ኬንያ ናብ ወጻኢ ሰደድ ክትገብር ከምዘለዋ ይምጉት።
እዚ ዘረባኡ ካብ ጉጅለታት ዕቃበ እንስሳ ዘገዳምን ማሕበር ሕክምና እንስሳታት ኬንያን ቁጥዐ ኣስዒቡ። እቲ ማሕበር መካነ እንስሳታት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ንግዲ ዘርኢ ዝብእን ተመንን ክልኩል ኮይኑ፡ ንህላወ ዓሌታት እንስሳ ዘገዳም ስግኣት ዝፈጥር'ዩ" ኢሉ።
ባክተርያን ቫይረሳትን፡ ናብ ሰብ ብቐሊሉ ክተሓላለፉ ክገበር ከምዝኽእል'ውን እቲ መግለጺ ኣመልኪቱ።
ነቐፍቱ፡ 'ንወፍሪ ምርጫኡ ህቡብነት ዝደሊ እዩ' ክብሉ እኳ እንተኾነንዎ፡ ደገፍትን ፈተውትን ፕሮፌሰር ዋጃኮያህ ንብድሆታት ህይወት ሰጊሩ ንፕረዚደንትነት ክወዳደር ብምልዓል የጣቕዕሉ።
እቲ ፕሮፌሰር ኣብ ገጠራት ምዕራብ ኬንያ ዝተወልደ ኮይኑ፡ ወለዱ ምስተፋትሑ ናብ ጎደናታት ርእሰ ከተማ ናይሮቢ ወጺኡ።
ንጽጉማትን ዝበልዕዎ ዘይብሎምን ዝምግብ፡ ማእከል ኣገልገልቲ ምኩራብ ሃረ ክሪሽና ነቲ ወዲ ረኸብዎ።
ፕሮፌሰር ዋጃኮያ እውን ኣብቲ ምኩራብ ሰፊሩ ድሒሩ ካህን ሃረ ክሪሽና ኮይኑ።
ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቶም ንኽዛዝም ደገፍ ተገይርሉ። ድሕሪ ምምራቑ ድማ ናብ ፖሊስ ኬንያ ተጸንቢሩ። ከምኡ እናበለ፡ ናብ ላዕሊ ደይቡ ናብ ክፍሊ ጸጥታን ስለያን ተጸንቢሩ።
ፕሮፌሰር ዋጃኮያ፡ ኣብ 1990 ዝተፈጸመ ቅትለት ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሮበርት ኦኮ፡ ዝምልከት ምስጢራዊ ሓበሬታ ድሕሪ ምርካቡ፡ ፕሮፌሰር ዋጃኮያ ኣብ ጸገም ከምዝኣተወ ይዛረብ።
ፕሮፌሰር ዋጃኮያ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ ተሳቒዩ፡ ድሕሪ ምፍትሑ ድማ ብሓገዝ ኤምባሲ ኣመሪካ፡ ካብ ኬንያ ከም ዝሃደመ ተገይሩ።
ፕሮፌሰር ዋጃኮያ ካብ ኬንያ ምስ ወጽአ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ኣምርሑ። ብኡ ድማ ትሑት ስራሕ እናሰርሐ፡ ኣብ ለንደን ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ሶኣስ፡ ዩኒቨርሲቲ ዋርዊክን ዩኒቨርሲቲ ዎልቨር ሃምፕተንን ላዕለዋይ ትምህርቱ ቀጺሉ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዎልቨርሃምፕተን እናተማህረ እንከሎ፡ መነባብሮኡ ንምምላእ ከም ሓላዊ ጸጥታ፡ ኳዕቲ መቓብርን ሞርቲሻንን ኮይኑ ይሰርሕ ነይሩ።
ንሱ ንጋዜጣ ዳይሊ ኔሽን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እዞም ስራሓት "ትሑትን ክኸውን ገይሮምኒ፤ ኣድማሰይ ድማ ኣስፊሖሙለይ" ኢሉ።
ኣብቲ እዋን እቲ፡ ንቤት ትምህርትን ንስራሕን ዝኸውን ግዜ ምርካብ ብድሆ እዩ ነይሩ።
ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ዓለም ለውጢ ንምምፃእ ኣብ ዝግበር ፖለቲካዊ ጎስጓሳት'ውን ተሳቲፉ እዩ።
ፕሮፌሰር ዋጃኮያ ናብ ኣሜሪካ ምስ ገዓዘ ምስ ኣፍሪቃዊት ኣሜሪካዊት በዓልቲ ቤቱ ተራኸበ። እዞም መጻምድቲ ሰለስተ ቆልዑ ከምዘለዎም ይንገር።
ካብ ዋልደን ዩኒቨርስቲ ዶክትሬትኡ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለያ ትካላት ኣሜሪካ እውን ተማሂሩ እዩ።
ብድምር 17 ዲግሪ ኣለኒ ዝብሉ ኮይኖም፡ ትምህርቱ ድማ ሕጊ ኢሚግሬሽን፡ ርክባት ዓለም ለኸን ስደተኛታትን ዘጠቓልል እዩ።
ፕሮፌሰር ዋጃኮያ ኣብ 2010 ናብ ኬንያ ተመሊሶም ንፕረዚደንትነት ክወዳደሩ ምዃኑ ኣፍሊጡ።
ይኹን እምበር ኣብቲ እዋን ሓሳባቱ ገዲፉ፣ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ናይዚ ዓመት ኣብ ዝካየድ መረፃ ፕረዚደንት እታ ሃገር ንምዃን ፍሉያት ሓሳባት ሒዙ ብምምፃእ መረፅቲ የነቓቕሕ ኣሎ።
ካልእ ካብቲ ፕሮፌሰር ዘካየዶ ኣካታዒ ጎስጓስ ምርጫ፡ ሰራሕተኛታት ኣብ ሰሙን ኣርባዕተ መዓልቲ ጥራይ ክሰርሑ ብምፍቃድ ኩነታት ስራሕን መነባብሮን ንምምሕያሽ ቃል ይኣቱ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







