ኬንያውያን ሓድሽ መራሒ ይመርጹ ኣለዉ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ክብሪ ናብራ፡ ሸቕለት ኣልቦነትን ብልሽውናን ቀንዲ ጐስጓሳት ምረጹኒ ኮይኖም ዝቐነይሉ መስርሕ ምርጫ ኬንያ ሎሚ፡ ሰሉስ 09 ነሓሰ 2022 ንግሆ ጀሚሩ።
ንኽልተ እብረ ነታ ሃገር ዝመርሐ ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ፡ እቲ ሓደ እዋን ቀንዲ መቐናቕንቱ ዝነበረ ወዲ 77 ዓመት ራይላ ኦዲንጋ ክትከኦ እዩ ዝደሊ።
ኬንያታ ምስቲ ክትከኦ ተስፋ ገይሩ ዝነበረ ምኽትሉ ወዲ 55 ዓመት ዊልያም ሩቶ፡ ናብ ቅርሕንቲ ምስኣተው እዩ ንኦዲንጋ ዝድግፍ ዘሎ።
ልዕሊ 22 ሚልዮን ኬንያውያን ኣብቲ ምርጫ ከድምጹ ተመዝጊቦም ኣለዉ።
ካልኦት ምርጫታት እውን ይካየዱ ምህላዎምን ኣብ ገለ ከባቢ ምትሕውዋስ ቅጥዒታት ስለዝተርኣየን ግን ኣብ ጽፈት እቲ ምድላው ሕቶ ከልዕል ጀሚሩ'ሎ።
እቲ ሰዓት 6፡00 ንግሆ ዝጀመረ ከይዲ ምሃብ ድምጺ፡ ን 11 ሰዓታት ክፉት ኰይኑ ክጸንሕ እዩ።
ኣብቲ ኣብ 2017 ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ ምርጫ፡ ቤት ፍርዲ ዝርዝር ድምጺ ናብ ኤሌክትሮኒካዊ መሳርሒ ኣብ ምትሕልላፍ ኮሚሽን ምርጫ እታ ሃገር ሕጊ ኣይተኸተለን ብምባል ነቲ ምርጫ ሰሪዝዎ ነይሩ።
ኣብቲ ዝተደገመ ምርጫ ኡህሩ ኬንያታ ክዕወት እንከሎ፡ ቀንዲ ተናሓናሒኡ ዝነበረ ኦንዲንጋ ንርእሱ ካብቲ ምርጫ ኣግሊሉ።
ንሕንሕ ራይላ ኦዲንጋን (ባባ) ዊልያም ሩቶን ( ሃስለር)
ሎሚ ዝካየድ ዘሎ ምርጫ፡ ራይላ ኦዲንጋን ዊልያን ሩቶም ብኸቢድ ዝነሓንሕሉ ይመስል።
እቲ ደገፍቱ ‘ባባ’ ኢሎም ዝጽውዕዎ ምኵር ተቓዋሚ ፖለቲከኛ፡ ንሓምሻይ እዋን እዩ ንፕረዚደንትነት ዝወዳደር ዘሎ። ንባዕሉ ከም ሓደ ተራ ኬንያዊ ገይሩ ከቕርብ ዝፍትንን ንነብሱ ‘ሃስለር’ (ጻዕራም) ኢሉ ዝጽውዕን ዊልያም ሩቶ ድማ ንፈለማ እዋን ዝወዳደር ዘሎ።
ደቪድ ምዋረን ጆርጅ ዋጃኮያን ዝበሃሉ ካልኦት ሕጹያት ተወዳደርቲ እውን ኣለዉ።
ዋላ'ኳ ኣብቲ ወፍሪ ምረጹኒ ብዙሓት ኣገደስቲ ዛዕባታት ተላዒሎም እንተዀኑ፡ ዓሌታዊ ተኣማንነት እውን ነቲ ሰባት ንመን ይመርጹ ዝብል ክውስን ከምዝኽእል ይግመት።
ንፈለማ እዋን ነቶም ብቝጽሪ ዝለዓሉ ዓሌት ኵኪዩ ዝወከለ ፕረዚደንታዊ ተወዳዳሪ የለን።
እንተዀነ ንናይቲ ዓሌት ልቢ ንምርካብ ክልቲኦም ቀንዲ ተወዳደርቲ ምክትላቶም ካብቲ ዓሌት ሓርዮም ኣለዉ።
ኣብቲ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ንምዕዋት ሓደ ተወዳዳራይ፡ ካብ መላእ እታ ሃገር ልዕሊ ፍርቂ ድምጺ ከምኡ ድማ ብውሑድ ኣብ 24 ግዝኣታት እንተወሓደ 25 ሚእታዊት ድምጺ ክረክብ ኣለዎ።
እቶም ኣድመጽቲ ብተወሳኺ ናብ ቤት ምኽሪ ዝኣትዉ ወከልቲ፡ ኣመሓደርቲ ግዝኣታትን ኣባላት ባይቶ እተን ግዝኣታትን ክመርጹ እዮም።
እቶም ቀንዲ ተነሓናሕቲ ንውጽኢት እቲ ምርጫ ከምዝቕበሉ ቃል ኣትዮም ኣለዉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







