ዕውት ፕረዚደንታዊ መረጻ ኬንያ ዊልያም ሩቶ መን’ዩ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዊልያም ሩቶ፡ ንዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ምኽትል ፕሬዝደንት ኡህሩ ኬንያታ ኰይኑ ኣብ ስልጣን ጸኒሑ’ዩ።
እቲ ምኽትል ፕሬዝደንት፡ ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ዝተኻየደ ሃገራዊ መረጻ ብጸቢብ ኣፈላላይ ከም ዝተዓወተ ድማ፡ ኮሚሽን መረጻ እታ ሃገር ትማሊ ኣፍሊጡ ኣሎ።
ኣብዚ ሓያሎ ንሕንሕ ዝተራእዮ መረጻ፡ ቀዳማይ ሚኒስትር ነበር ራይላ ኦዲንጋ ቀንዲ መነሓንሕቲ ዊልያም ሩቶ ነይሩ።
ቁልዕነት ዊልያም ሩቶ፡ ታሪኽ ህይወት ብዙሓት ኬንያውያን ድኻታት እዩ ክብሃል ይክኣል።
ንፈለማ እዋን ናብ ቤት ትምህርቲ ዝኸደላ መዓልቲ፡ ጥራሕ እግሩ ነይሩ። ወዲ 15 ዓመት ምስ ኰነ’ዩ ጫማ ወድዩ።
ኣብ ገጠራት ሓጓፍ ሸንጥሮታት ኬንያ፡ ኣብ ጽግዒ ጽርግያ ኰይኑ ክኣ ደርሆን ለውዝን (ኦቾሎኒ/ፉል) ይሸይጥ ነይሩ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ሩቶ ኣብ ኬንያ ካልኣይ ሓያል ሰብ ኰይኑ ምኽትል ፕሬዝደንት እዩ።
ኣብ ዝቕጽል ወርሒ 9 ነሓሰ 2022 ኣብ ዝካየድ ፕሬዝደንታዊ መረጻ ድማ ሕጹይ ተወዳዳርን ወኪል ድኻታትን ኰይኑ ቐሪቡ ኣሎ። እዚ ኽኣ ነቲ ታሪኽ ህይወቱ ዝፈልጥ ሓድሽ ኣይኰነን።
ሩቶ፡ ‘ኬንያ ኩዋንዛ’ [ቀዳምነት ንኬንያ] ዝብል መሪሕ ቃል ሒዙ ተበጊሱ ኣሎ። ኣብታ ሃገር ቁጠባዊ ዕብየት ከምጽእ’ውን ይመጻባዕ።
ኣብዛ ሃገር፡ 40 ሚኢታዊት ዕድሚኦም ካብ 18 ክሳብ 34 ዝዀኑ መናእሰይ ሸቕሊ ኣልቦ’ዮም።
እዚ ቁጠባ ክኣ፡ ነቶም ዓመታዊ ናብ ስራሕ ዝኣትው 800 ሽሕ መናእሰይ ክሓቁፍ ኣይክኣለን።
ስለዚ፡ ሩቶ ነቶም እንጀራ ዓለም ንምርካብ ላዕልን ታሕትን ዝብሉ መናእሰይ ‘ተጋሂት ሃገር’ ብዝብል ቃል ይገልጾም።
ዊልያም ሩቶ፡ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስን ኲናት ዩክሬይንን ኣብ ዓለም ናህሪ ዋጋታት ከም ዝተራእየ ብምግላጽ፡ ንሱ ድኻታት ክጥቀሙ ዘኽእል ካብ ታሕቲ ናብ ላዕሊ ዝድይብ ቁጠባዊ ሃብቲ ከምጽእ ምዃኑ ይዛረብ።
እዚ ወዲ 55 ዓመት ሰብኣይ፡ ንመጀመርታ ግዜ’ዩ ንፕሬዝደንትነት ዝወዳደር ዘሎ።
ልክዕ ከምቲ ብ1997 ኣባል ባይቶ ምምሕዳር ሰሜን ኤልዶሬት ኰይኑ ዝተመረጸ፡ ሕጂ’ውን ፕሬዝደንት ኰይኑ ንክምረጽ ዕድል ክትቀንዖ ተስፋ ይገብር ኣሎ።
ሩቶ፡ ብ1992 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] እዩ ናብ ፖለቲካ ኣትዩ፤ ኣብቲ ግዜ ፕሬዝደንት ካብ ዝነበረ ዳኒኤል ኣራፕ ሞይ ተሞክሮን ልምድን ከም ዝወሰደ'ውን ይዝረብ።
ንሱ፡ ኣብቲ ግዜ ዓብላሊ ናይ ዝነበረ ሰልፊ ሞይ ዝዀነ ዳኑ-ፓርቲ ኣባል መናእሰይ ኰይኑ፡ ኣብ ተመሳሳሊ ዓመት ኣብታ ሃገር ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ዝተኻየደ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ሰልፊታት ዝተወዳደርሉ መረጻ፡ መረጽቲ ንክምዝገቡ ጎስጓስ ካብ ሞንጎ ዝገብሩ ዝነበሩ መናእሰይ እዩ።
ጽቡቕ ተዛራቢ ከም ዝዀነ ይንገር። ስለ ዝዀነ ድማ ኣብ ናይ ድጋፍ ሰልፍታት ብዙሕ ህዝቢ ይእከበሉ ነበረ።
ካብ መራኸብቲ ማዕከናት ንዝቐርበሉ ሕቶታት ብዝህቦ ምላሽ’ውን ጽቡቕ ተዛራቢ ምዃኑ ኣመስኪሩ’ዩ።
መብዛሕትኡ ግዜ ክዛረብ እንከሎ፡ “መሓዛይ” ዝብል ቃል ይጥቀም።
እዚ ድማ፡ ምስ መረጽቲ ጽቡቕ ርክብ ንምፍጣርን ልቢ ነቐፍቱ ንምትርካስን ሓጊዙዎ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣሰላልፋ ምቕያር
ሚኒስትር ትምህርቲ ሓዊሱ፡ ዝተፈላለዩ ናይ ሚኒስትር ቦታታት ዝሓዘ ዊልያም ሩቶ፡ ካብ 2013 ጀሚሩ ምኽትል ፕሬዝደንት ኰይኑ ኣብ ምግልጋል ይርከብ።
ኣብቲ ግዜ፡ ምኽትል ናይቲ ዘመን ስልጣኑ ዘብቅዕ ዘሎ ፕሬዝደንት ኬንያታ ኰይኑ ክቐርብ እንከሎ ብዙሓት ኬንያውያን ሰንቢዶም።
ቅድሚኡ፡ ክልቲኦም ውልቀሰባት ኣብ ዝተፈላለየ ደንበ ፖለቲካ እዮም ነይሮም።
ኬንያውያን፡ እቲ ብ2007 ዝተኻየደ ፕሬዝደንታዊ መረጻን በሰልኡን ኣይርስዑዎን።
ብሰንኪ ኣብቲ ግዜ ዝነበረ መረጻ ኣስታት 1200 ሰባት ክቕተሉ እንከለው፡ ኣዝዩ ኣካታዒ መረጻ እዩ ነይሩ።
በዚ ምኽንያት፡ ሩቶን ኬንያታን ኣብቲ መረጻ ናዕቢ ብምልዕዓልን ንዕኡ ስዒቦም ብዝተፈጸሙ ገበናት ሰብኣውነትን ኣብ ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበን ክሲ ተመስሪቱሎም ነይሩ።
ሩቶ፡ ኣብቲ ሽዑ እዋን ኣብ ጎኒ መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ራይላ ኦዲንጋ እዩ ነይሩ። ሕጂ ድማ፡ ክልቲኦም ንሓድሕዶም ንፕሬዝደንትነት ተፋጢጦም ኣለው።
ኬንያታ ድማ፡ ኣብ ጎኒ ዳግም ንክምረጽ ዝወዳደር ዝነበረ ምዋይ ኪባኪ ጠጠው ኢሉ ነይሩ።
ክልቲኦም ናብ ስልጣን ክመጽኡ እንከለው ዝነበሮም ውህደት ውጽኢታዊ ነይሩ። ሕውነታዊ ፍቕሪ ዝተባህለሉ ጥብኩር ርክብ ፈጢሮም።
በዚ፡ ክሲ ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበን ሓዊሱ ክከላኸሉዎ ክኢሎም። ዓቃቢ ሕጊ፡ ብ2014 ኣብ ልዕሊ ፕሬዝደንት ኬንያታ ዝተኸፍተ ክሲ ክቋረጽ ገይሩ።
ብ2016 ድማ፡ ዳያኑ እቲ ኣብ ልዕሊ ዊልያም ሩቶ ዝተኸፍተ ክሲ ክቋረጽ ገይሮም።
ርክብ ክልቲኦም መራሕቲ ግን ኣይቀጸለን። ኬንያታ፡ ን2018 ኣዝዩ ዘገርም ናይ ኣሰላልፋ ለውጢ ፈጢሩ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ድሕሪኡ፡ ኬንያታ ምስ ኦዲንጋ ተዓሪቑ፤ ንሩቶ ገጹ ዓጺፍሉ። እቲ ተሰናባቲ ፕሬዝደንት ኣብ መጻኢ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ዝካየድ መረጻ ኦዲንጋ ንክትክኦ ከም ዝድግፎ ወግዓዊ ገይሩ።
ደገፍቲ እቲ ፕሬዝደንት፡ ሩቶ ንሓለቕኡ ምእዙዝ ኣይኰነን ይብሉ። ንሱ ግን ነዚ ክሲ ይነጽጎ።
ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም መራሕቲ ውጥጥ ከም ዘሎ ኣይክሕዱን። ሩቶን ኬንያታን “ፖለቲካ ዝርእይሉ መገዲ” ዝተፈላለየ ምዃኑ ይገልጹ።
ሩቶ፡ እቲ ሕገ መንግስቲ ዋሕስ ስለ ዝዀኖ ኣብ ስልጣኑ [ምኽትል ፕሬዝደንት ኰይኑ] ክቕጽል እዩ።
ዋንነት ሰፋሕቲ መሬትን ሕርሻን
ብሄር፡ ኣብ ፖለቲካ ኬንያ ዓብዪ ተራ ኣለዎ። ሩቶ፡ ኣብዛ ሃገር ብብዝሒ ህዝቢ ሳልሳይ ካብ ዝዀነ ብሄር ካላንጂን እዩ ዝውለድ።
ካብ ካላንጂን ዝመጽአ ሓደ ፕሬዝደንት ጥራይ’ዩ ነዛ ሃገር መሪሑ፤ ንሱ’ውን እቲ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ኣራፕ ሞይ እዩ።
በዓልቲ ቤት ሩቶ፡ ራቼል ትብሃል፤ ኣብ ሕብረት መናእሰይ ቤተክርስቲያን እዮም ተራኺቦም።
ኣብ ሓዳሮም ክኣ፡ ሽዱሽተ ቈልዑ ኣፍርዮም። ዓበይቲ ዓዲ ካላንጂን ንፖለቲካዊ ሓላፍነት ዝተሓጸየ’ዩ ኢሎም ዝመረቑዎ በኹሪ ወዶም፡ ኒክ ይብሃል።
ጓሉ ጁን ክኣ፡ ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ትሰርሕ።
ሩቶ፡ ሕርሻ ይፈቱ’ዩ፤ ኣብ ምዕራብን ገማግምን ኬንያ ሰፋሕቲ መሬት ወኒኑ ኣብ ሕርሻን ኢንዳስትሪ ኣገልግሎትን ወፍሪ ኣለዎ።
ዕፉን የፍሪ፣ ጸባን ምርባሕ ደርሆን ድማ ኣለዎ።
ሽሙ ግን ምስ ብልሽውና ይልዓል’ዩ። በዚ ምኽንያት ኣብ ምንጪ ሃብቱ ብዙሕ ሕቶታት ይለዓል።
ብ2013፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኬንያ ኣብ ዘመሓላለፎ ውሳነ 40 ሄክታር ሕርሻ መሬት ከረክብ ወሲኑ።
እዚ፡ ድሕሪ መረጻ 2007 መሬቱ ንዝመንዝዖ ሓረስታይ ካሕሳ ክኸፍል ተፈሪዱዎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







