ቲክ ቶክ፡ ስለምንታይ መንግስታት ዓለም ንቲክ ቶክ ይጸልኡዎ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፕሬዝደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ቲክ ቶክ ዝተባህለ ማሕበራዊ ሚዲያ ተንቀሳቐስቲ ምስሊታት ኣሜሪካዊ ትካል እንተዘይዓዲጉዎ ክዓጽዎ እየ ኢሉ ተሓንዩ ኣሎ።
እዚ ሚሊዮናት ዝፈትውዎ ማሕበራዊ ድረ ገጽ፡ ስለ ምንታይ ንመንግስቲ ኣሜሪካ ስግኣት ኮይኑ?
መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ቲክ ቶክ እትረኽቦም ትሕዝቶታት ቁሩብ ፍሽኽ ዘብሉ'ዮም።
መብዛሕትኦም ናይ ውሑዳት ሴኮንዳት ንውሓት እንትህልዎም፡ በዚ እቲ ትካል ብሚሊዮናት ከስቢ ይረክብ።
እዚ ማሕበራዊ ሚዲያ ብ2010 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] እዩ ናብ ተጠቀምቲ ተዘርጊሑ። ኣብ ኢድ ሚሊዮናት ተጠቀምቲ ንክበጽሕ ግን ብዙሕ ግዜ ኣይወሰደሉን።
ብኣማኢት ሚሊዮናት ዝግመቱ ዓማዊል እዚ ድረ ገጽ ድማ መናእሰይ እዮም።
ቲክ ቶክ ከምቶም ካልኦት ናይ ማሕበራዊ ሚዲያ ኣማራጺታት መናእሰይ ተኣኻኺቦም ዝፈጠሩዎ ኣይኮነን።
እኳ ድኣ ካብ ሰለስተ መተግበሪታት [ኣፕሊኬሽናት] ተላዕቚጡ ዝተሰርሐ እዩ።
መጀመርታ ሚዩዚካሊ ዝተበሃል መተግበሪ ነይሩ። ብ2014 ዓ.ም ክመሃዝ እንከሎ ኣብ ኣሜሪካ እቲ ኣዝዩ ዝፍቶ መተግበሪ ኮይኑ።
ነዚ ዝርኣየ ባይትዳንስ ዝተባህለ ኩባኒያ 'ዶይን' ኢሉ ዝሰየሞ ተመሳሳሊ ቅርጺ ዘለዎ 'ኣፕ' ይሰርሕ።
ዶይን ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ጥራሕ ኣብ ቻይናን ታይላንድን 100 ሚሊዮን ዓማዊል የጥሪ።
እዚ መተግበሪ ውጽኢታውን ከስቢ ዝርከቦም ምዃኑ ዝተዓዘበ እዚ ትካል፡ ሓድሽ ሽም ዘለዎ መጥቀሚ ክምህዝ ኣለኒ በለ።
ኣብዚ ግዜ እዩ ቲክ ቶክ ዝተባህለ 'ኣፕ' ዝተወለደ።
ባይትዳንስን ሚዩዚካሊን ጠቕሊሉ ዓዲጉ ንብረት ብምግባር፡ ቲክ ቶክ ቐልጢፉ ኣብ ምዝርጋሕ ይጽመደልኩም።
ቲክ ቶክ ካብቶም ካልኦት ናይ ማሕበራዊ ሚዲያ መተግበሪታት ብምንታይ ይፍለየ ንእትብሉ፡ ሙዚቃ ዝጥቀመሉ መገድን ጠንካራ ቀመርን [ኣልጎሪዝም] ተግባራዊ ምግባሩ እዩ።
እዚ ቀመር ዝበልናዮ፡ ሓደ መተግበሪ ዓማዊሉ እንታይ ከም ዝደልዩ ቀልጢፉ ምምሃር እንትኽእል ማለት እዩ።
ተጠቀምቲ እቲ ማሕበራዊ ገጽ፡ ሙዚቃታት፣ መመላኽዕትን ምስሊታትን መሪጾም ክጥቀሙ ይኽእሉ።
መዐጀቢ ሙዚቃ እወጃ ዜና ቢቢሲ ሓዊሱ ኣሜሪካዊ ራፐር ሊል ናስ ኤክስ ዘዝየሞ 'ኦልድ ታውን ሮድ' ብምኽንያት ቲክ ቶክ ናይ ብዙሓት ሚሊዮናት መዘራረብቲ ኮይኖም ነይሮም።
'ፎር ዩ ፔጅ' ዝተባህለ ናይቲ መተገብሪ ቅርጺ፡ ተጠቀምቲ ቅድሚ ሕጂ ዝርኣዩዎም ምስሊታት መሰረት ገይሩ ትሕዝቶታት የቕርብ።
ኣብ ቲክ ቶክ ዋላ ንኡሽቶ ሰዓብቲ ይሃልዩኹም፡ እቲ ዝጠቃዕኹምዎ ምስሊ ካልኦት ክፈትዉዎ ይኽእሉ እዮም ኢሉ እንተሓሲቡ ዓርሱ ንብዙሓት የባጽሖ።
በዚ ምኽንያት ኩባኒያ ዶይን ካብ ግምት ብዙሓት ንላዕሊ ብቕልጡፍ ይውንጨፍ እዩ ዘሎ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሓምለ ሓደ ቢሊየን ተጠቀምቲ ነዞም መተግበሪታት ኣብ ስልኮም ጽዒኖምዎም'ዮም።
ካብዚኦም እቲ ፍርቂ ሚሊየን መዓልታዊ ዝጥቀም እዩ።
ድሕሪ ሓደ ዓመት ክልተ ቢሊየን ሰባት ነቶም መተግበሪታት ኣብ ስልኮም ክጽዕኑዎም እንከለው፡ ኣስታት 800 ሚሊዮን ንጡፋት ተጠቀምቲ ከም ዘለዎም ተገሊጹ ነይሩ።
እዚ ቅልጡፍ ዕብየት ቲክ ቶክ ፖለቲከኛታት ኣይፈተዉዎን።
ሓደ ናይ ቻይና መተግበሪ [ኣፕ] ከመይ ኢሉ ኣብ ሓጺር ግዜ ክንድዚ ዝኣክል ተጠቀምቲ ክህልዎ ይኽእል ዝብል ሕቶ ብዙሓት ኮይኑ።
ሽሕ'ኳ ጭቡጥ ነቐፌታ ኣይኹን፡ ህንድን ኣሜሪካን ቲክ ቶክ ካብ ተጠቀምቲ ውልቃዊ መረዳእታ እናኣከበ ንመንግስቲ ቻይና ኣሕሊፉ ይህብ እዩ ይብላ።
ህንዲ ዝሓለፈ ዓመት ቲክ ቶክ ኣብ ረብሓ ከይውዕል ኣጊዳ እያ።
ናይዚ ምኽንያት ዝበለቶ ሓደ እቲ መተግበሪ ናይ ጾታዊ ርክብ ፊልሚታት የስፋሕፍሕ እዩ ዝብል ኮይኑ፡ ሕጂ ድማ ቲክ ቶክ ሓዊሱ ቻይና ዘፍረየቶም መተግበሪታት ውልቃዊ መረዳእታ ተጠቀምቲ ይስልሉ እዮም ብዝብል እዩ።
መንግስቲ ኣሜሪካ ብወገኑ ዝሓለፈ ዓመት ቲክ ቶክ ከመይ ከም ዝሰርሕ ዘጻሪ ትካል ኣቚሙ።
ኣብ ቀረባ ሚኒስትረ ጉዳይ ወጻኢ ማይክ ፖምፒዮ፡ ቲክ ቶክ ንሰልፊ ኮሚኒስት ቻይና መረዳእታ ካብ ሞንጎ ዘቐብሉ መተግበሪታት እዩ ኢሉ ነይሩ።
ኮሚሽን መረዳእታ ዓባይ ብሪጣኒያን ቤት ጽሕፈት ድሕነት ኣውስትራሊያን ኣብ ልዕሊ እዚ መተግበሪ ምጽራይ ጀሚሮም'ዮም።
ይኹን'ምበር እዘን ሃገራት ምስ ቻይና ዝነበረን ዝምድና እናሓርፈፈ ምምጽኡ ክዝንጋዕ የብሉን።
ዶናልድ ትራምፕ ዝመርሓ ኣሜሪካ ብንግዲ ምስ ቻይና ኣብ ኲናት እያ ዘላ። ወተሃደራት ህንድን ቻይናን ኣብ ዶባት ክልቲአን ሃገራት ተዋጊኦም'ዮም።
ዓባይ ብሪጣኒያ እንተኾነት'ውን ብምኽንያት ሆንግ ኮንግ ምስ ቻይና ዓይንን ሓመድን ኮይነን እየን።
ኣውስትራሊያ'ውን ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ምስ መንግስቲ ቻይና ስረይ ስሬኻ ትብሃሃል ኣላ።
ብዝኾነ፡ ቲክ ቶክ ካብ ተጠቀምቲ መረዳእታ ከም ዝእክብ ገና ክትምዝገብ ከለኻ ኣብ ዘዳለዎ ስምምዕ ኣስፊሩ እዩ።
እቶም ዝእክቦም መረዳእታታት ድማ፡
• ተጠቀምቲ እንታይ ዓይነት ትሕዝጦ ይፈትው
• ኣበይ ይነብሩ
• ስልኮም እንታይ ዓይነት ከም ዝኾነን እንታይ ዓይነት ኣሰራርሓ [ኦኤስ] ይጥቀም
• ተጠቀምቲ እንታይ ዓይነት ቴክኒክ እቲ መተግበሪ ይመርጹ ዝብሉ'ዮም።
ቲክ ቶክ ካብ ተጠቀምቲ መረዳእታ ዝእክበሉ መገዲ ካብቲ ከም ፌስኡክ ዝበሉ ኩሎም መተግበሪታት ዝጥቀምሉ መገዲ ዝተፈለየ ኣይኮነን።
ስለ ዝኾነ ድማ ፈጻሚ ስራሕ ትካል ቲክ ቶክ ኣሜሪካዊ ኬቪን ሜየር፡ ሰብ ሞያ ቲክ ቶክ ከመይ መረዳእታ ይእክብ ዝብል ንከጻርዩ ከነፍቅድ ኢና ኢሉ'ዩ።
እቲ ስግኣት ግን ቲክ ቶክ መረዳእታ ዝእክበሉ መገዲ ጥራሕ ኣይኮነን።
እቲ ባይትዳንስ ዝተባህለ ሓቛፊ ቲክ ቶክ ዝኾነ ኩባኒያ መረዳእታ ንመንግስቲ ኣሕሊፉ ይህብ ድዩ ዝብል ጉዳይ እዩ።
ኩባኒያ ቴሌኮሚዩኒኬሽን ሁዋዌ ተመሳሳሊ ዕጫ በጺሑዎ ከም ዝነበረ ይዝከር።
ብ2017 ዝጸደቐ ሕጊ ሃገራዊ ድሕነት ቻይና ዝኾነ ይኹን ትካል ወይ ዜጋ ምስ ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ድሕነት ናይ ምትሕብባር ግዴታ ኣለዎ ይብል።
ቲክ ቶክ ግን ሁዋዌ ድማ ንመንግስቲ ቻይና ኣሕሊፍና ዝሃብናዮ መረዳእታ የለን ይብሉ።
ቲክ ቶክ ግን በዚ ጥራሕ ኣይኮነን ዝንቀፍ ዘሎ።
እቲ ድረ ገጽ ገለ ድምጽታት ንምዕፋን ወይ ንምውጻእ ይውዕል ኣሎ ኢሎም ብዙሓት ይሓምዩዎ።
ንኣብነት፡ ኣብ ወርሒ ግንቦት #BlackLivesMatter ዝተባህለ ጎስጓስ ብዙሓት እንተተጠቐሙሉ'ውን፡ እቲ መተግበሪ ግን ኮነ ኢሉ ነዚ ተቓውሞ ዓፊኑዎ እዩ ይብሃል።
ብተወሳኺ ተቐጻጸርቲ እቲ ትካል ዝደለዩዎ ነገር ዓው ዓው ክብል ናይ ምግባርን ዓፊንካ ናይ ምትራፍን መሰል ኣለዎም ክብል ዋሽንግተን ፖስት ጽሒፉ እዩ።
ጋዜጣ ዘጋርዲያን'ውን ቲክ ቶክ ድምጺ ተቓውሞ ቲያናንሜን ዓፊኑ እዩ ኢሉ ጸብጺቡ ነይሩ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ ቢል ጌትስ ኣብ ኣሜሪካ ዘሎ ዕዳጋ ቲክ ቶክ ክዕድጎ መደብ ኣለዎ ተባሂሉ ኣሎ።
ቲክ ቶክ ልዕሊ 25 ዓመት ዕድሚኦም ናይ ዝኾኑ መናእሰይ መድረኽ ኮይኑ እየዑ።
ኣብ ኣሜሪካ እንተተዓጽዩ ነቲ ትካል ኮነ ነቶም መናእሰይ ዓብዪ ክሳራ ከም ዝኸውን ድማ ብዙሓት ይገልጹ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







