ዶናልድ ትራምፕ፡ ቻይናዊ ትካል ‘ቲክቶክ’ ኣብ ኣሜሪካ ከየገልግል ክፍርም ምዃኑ ሓቢሩ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ነቲ ብቻይና ዝውነን ተንቀሳቓሲ ምስልታት ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ዝዝርግሖ መተግበሪ ‘ቲክቶክ’ ኣብ ኣሜሪካ ከየገልግል ክእግዶ ምዃኑ ሓቢሩ።
ትራምፕ ንጋዜጤኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ እቲ ናይ ምኽልካል ተግባር ሎሚ ቀዳም ክፍርመሉ ምዃኑ ሓቢሩ ኣሎ።
ሰብ መዚ ጸጥታ ኣሜሪካ ብውሳነ ናይ ዶናልድ ትራምፕ ሕጉሳት ከምዘይኮኑ ብምሕባር፡ ቲክቶክ ውልቃዊ ሰነዳት ናይ ሰባት ኣብ ምስናድ ሓጋዚ ምዃኑ ኣብሪሆም።
እዚ ተገልገልቱ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ዝውስኹ ዘለዉ ‘ቲክ ቶክ’ ኣብ ኣሜሪካ ጥራይ ወርሓዊ 80 ሚልዮን ሰባት ይጥቀምሉ።
ኣሜረካውያን ‘ቲክ ቶክ’ ከይጥቀሙ እንተተኸልኪሎም እዚ ብቻይናዊ ትካል ባይት ዳንስ ዝውነን ቲክ ቶክ ዓቢ ክሳራ ከጋጥሞ ከምዝኽልእ እዩ ዝግመት።
ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ ውሽጢ ፕረዚደንታዊ ነፋሪት ‘ኣየር ፎርስ ዋን’ ኮይኑ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ “ይፍተዉ ይጽልኡ ቲክቶክ ኣብ ኣሜሪካ ከይሰርሕ ንእግዶ ኣለና” ኢሉ።
ውሃቢት ቃል ቲክቶክ ሂላሪ ናክውኣደ ንዋሺንግቶን ፖስት ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ብዛዕባ ውሳነ ናይ ዶናልድ ትራምፕ ርእይቶኣ ክትህብ ከምዘይትድሊ ብምጥቃስ “ኣብ ነዊሕ እዋን ትካል ቲኪ ቶክ ዕዉት ኮይኑ ከምዝወጽእ ብርእሰ ተኣማንነት ክገልጽ ይፈቱ” ኢላ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







