ትራምፕ፡ ንሶማልያ 'ፋሉል' ምባሉ የዘራርብ ኣሎ

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ንኣባል ባይቶ ኣሜሪካ ዝኾነት ተወላዲት ሶማልያ ኢልሃም ኦማር ንምንእኣስ ትውልዲ ዓዳ ኣልዒሉ ነቒፉዋ።

ትራምፕ፡ "ኣሜሪካ ከምቲ ንሳ ዝመጽአትሉ ሕጊ-ኣልቦ ዝኾነት ዓዲ፡ ሶማልያ፡ ክንከውን እዩ ድሌታ" ክብል፡ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ዘካየዶ ናይ ምርጫ ጎስጓስ ተዛሪቡ።

እንተኾነ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሶማልያ ነቲ ናይ ትራምፕ ርእይቶ ምላሽ ክህብሉ ከምዘይልዩ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ትራምፕ፡ ምስ ኢልሃም ዝጸንሐ ጸገም ኣለዎ፡ ንሳው'ን ብትሪ ክትነቕፎ እያ ጸኒሓ። ኣብቲ ናይ ሕጂ ነቀፌትኡ ግን፡ ንዓኣ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ንትውልዲ ዓዳ እውን'ዩ ወቒሱ።

"ናይ ሃገርና መንግስቲ ልክዕ ከምቲ ንሳ ዝመጸአትሉ ሃገር ዓይነት ክኸውን'ያ ትደልዮ። ኣብ ሶማልያ። መንግስቲ የለን፣ ድሕነት የለን፣ ፖሊስ የለን፣ ዝኾነ ነገር የለን። በቃ! ፋሉል።

"ንሳ ሃገርና ከመይ ክንመርሕ ከምዘለና ትነግረና ኣላ። ኣይፋሉን፤ የቐንየልና" ኢሉዋ።

ንምንታይ እዩ ከምኡ ኢሉ?

ኣሜሪካ፡ ኣብዚ እዋን ጎስጓስ መረጻ እያ ዘላ። እዚ ርእይቶ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ክፍለ ሃገር ኣላባማ ኣብ ቅድሚ ደገፍቱ ጎስጓስ መረጻ ኣብ ዘካየደሉ ኣጋጣሚ እዩ ተዛሪብዎ።

ምስዛ ተወላዲት ሶማልያ ዝኾነት ኣሜሪካ ኣባል ባይቶ ኢልሃም ዑመር፡ ቀጻሊ ቅርሕንቲ እዩ ዘለዎ። ንሳ'ውን ኣዝያ ክትነቕፎ'ያ ትስማዕ። ኢልሃም ኣባል ሰልፊ ዲሞክራት እያ።

"ብጽልኢ ዝተምልአት ሶሻሊስት ኣሜሪካዊት እያ" ክብል ድሕሪ ምግላጹ፡ "ጆ ባይደን እንተድኣ ስዒሩ፡ በዓል እዚኣ እዮም ናይ ጽባሕ ዕጫ ኣሜሪካ ክውስኑ" ኢሉ።

ጆ ባይደን፡ ንሰልፊ ዲሞክራት ወኪሉ ንፕረዚደንታዊ መረጻ ዝወዳደር ዘሎን ንትራምፕ ኣብ መዋጥር ዘእትዎ ዘሎን ፖለቲከኛ እዩ። ምክትል ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ዝነበረ ድማ'ዩ።

ኢልሃም ዑመር ብወገና፡ 'ዓሌታዊ' ክትብል መሊሳትሉ።

ነዚ ኣብ ዝመጽእ ሕዳር ክካየድ ትጽቢት ዝግበረሉ መረጻ፡ ብፍላይ ኣብታ ንሳ እትውክላ ክፍለ ሃገር ሚኒሶታ ዝተኻየዱ ቅድመ መረጻ ዳህሳሳት፡ ድምጺ ይስእን ስለዘሎ ዝፈጠረሉ ሕርቃን ከምኡ የብሎ ኣሎ ክትብል ገሊጻ።

"ዓሌታዊ ከምዝኾነ እዩ ዘርእይካ። ንከምዚ ዓይነት ዓሌታዊ ሰብ ግዘ የብልናን። ምስ ባይደን ኮይነ ከምዚ መንነቱ ክቕላዕ ስለዝገበርኩ ድማ ሕብንቲ እየ" ኢላ።

ጓል 37 ኢልሃም፡ ብ1995 [አቆጻጽራ ኤውሮጳ] እያ፡ ናብ ኣሜሪካ ተሰዲዳ።

ቅድሚ ኣሜሪካ ምእታዋ ድማ፡ ምስ ስድራኣ ኣብ ኬንያ መዕቆቢ ስድተኛታት ኣርባዕተ ዓመት ጸኒሓ።

ኣቦኣ፡ ምስ ኮሮናቫይረስ ብዝተኣሳሰር ቅድሚ ሓደ ሰሙን ሙማቱ ይፍለጥ።