ካብ ሃገሮም ስደተኛታት ዘባርሩ ዘለው ደቡብ ኣፍሪቃውያን

ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ስሪል ራማፎሳ፡ በቲ ኣብ ልዕሊ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ወጻእተኛታት ዝበጽሕ ዘሎ ግህሰት “ኣዐርዩ ተረቢሹ” ምህላው ይገልጽ። እዚ ጸገም ብቐንዱ፡ ኣብታ ካብ 2008 (ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ) ጀሚሩ ማእከል ናዕቢ ጽልኢ ወጻእተኛታት ዝዀነት ከተማ ኣሌክሳንድራ ዝርአ ዘሎ’ዩ።
“ፈላማ፡ ሸውዓተ ኰይኖም’ዮም ናብዚ መጺኦም። ነተን ዝነበራ ማሽናት፣ መድረቒ ጸጉርን ቅብኣታትን ክኣ ወሲዶምዎ። ሽጉጥ ሒዞም ስለ ዝነበሩ እንትርፎ እናርኣናዮም ክወስዱዎ ምፍቃድ ካልእ ኣማራጺ ኣይነበረናን”።
ዴቪድ - ትኽክለኛ ሽሙ ኣይኰነን - ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ኣብ ጆሃንስበርግ ከተማ ኣሌክሳንድራ ዝርከብ እንዳ ቐምቃሚ ጸጉሪ፡ ብሕርቃን ኩርምይ ኢሉ ኰፍ ኢሉ ኣሎ።
እዚ ሞዛምቢካዊ፡ ናብ ኣእዳው እናጠመተ ወጻእተኛ ብምዃኑ ጥራይ ብርክት ዝበሉ መጥቃዕታት ክበጽሖ ከም ዝጸንሐ የብርህ።
እቶም መጥቃዕቲ ዘብጽሑሉ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ምዃኖም’ውን ይዛረብ፤ ወትሩ ሓደ ዓይነት ጠለብ’ዩ ዘለዎም - ካብታ ሃገር ክወጽእ።
“ኪዱ፣ ድኳንኩም ዕጸው’ዮም ዝብሉና፤ ግን ኣነ ናበይ ከም ዝኸይድ ኣይፈልጥን” ይብል።
እታ ዴቪድ ዝውንና እንዳ ቐምቃሚ ድኳን፡ ካብ ክልተ ሜትር ዘይትሰፍሕ ጸባብ’ያ፤ ግን ንሱ ዝሕበነላን ዝሕጎሰላን ቦታኡ እያ።
ኣብታ ድኳኑ፡ ዝተፈላለየ ቅዲ ጸጉሪ ርእሲ ዘርእዩ ኣሳእልን ብኣግባቡ ዝተሰርሑ ናውታት መቐምቐሚ ጸጉርን ይርኣዩ።
ካብቲ ስራሕ ዝረኽቦ ገንዘብ፡ ኣብ ሞዛምቢክ ንዘለው ስድራቤቱ ይሕግዘሉ።
“ስድራይ ዝበልዑዎ ክሳብ ዝረኸቡ፡ ንዓይ ንሱ’ዩ ዘገድሰኒ። ኣብ ዝዀነ እዋን ክቐትሉኒ ይኽእሉ’ዮም፤ እንታይ ከም ዝፍጠር ኣይፈልጥን” ይብል።
ኣብ ቀረባ ኣብ ሞንጎ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ነበርቲ ኣሌክሳንድራን ወጻእተኛታት ሰብ ንግድን ዝተላዕለ ግጭት፡ ኣብታ ሃገር ካልእ ጎነጽ ኣንጻር ስደተኛታት ከይለዓል ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ።
ኣብዛ ከተማ ኣብ 2008 ኣብ ልዕሊ ወጻእተኛታት ዘነጻጸረ ናይ ጽልኢ ዓመጽ ካብ ዝልዓል ንድሓር እናሰፍሐ መጺኡ እዩ።
ኣብታ ሃገር፡ ኣብ 2021 ብዝተልዓለ ዓመጽ ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመት ብሰለስተ ዕጽፊ ዝበዝሑ ወጻእተኛታት ከም ዝተቐትሉ ማእከል ስደትን ሕብረተሰብን ኣፍሪቃ ይሕብር።
ድኽነት፡ ሓደ ምንጪ እዞም ጎንጺታት ኮይኑ፡ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ክረኽቡዎ ዝግባእ ስራሕ ብስደተኛታት ይውሰድ ኣሎ ዝብል ተቓውሞ ኣለዎም።
ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ሓደ ካብ ሰለስተ ክሰርሕ ዝኽእል ሓይሊ ሰብ ደቡብ ኣፍሪቃ ሽቕሊ ኣልቦ’ዩ፤ እዚ ኣብቶም ትሕቲ 24 ዓመት ዝዀኑ መናእሰይ ካብቶም ሰለስተ እቶም ክልተ ስራሕ ዝሰኣኑ እዮም።

እዚ ዛዕባ ስራሕን ዕድላት ንግድን፡ ምንቅስቓስ ኣሌክሳንድራ፡ ዱዱላ ዝተባህለ ጉጅለ ዝመርሖ ኰይኑ፡ ዱዱላ “ምድፋእ” ወይ ብቋንቋ ዙሉ ድማ “ምስጓግ” ዝብል ትርጉም ኣለዎ።
እዚ ጉጅለ፡ ብዘይሕጋዊ ስደተኛታት ዝመሓደሩ’ዮም ዝበሎም ድኳናት ክዕጸው ገይሩ’ዩ። ከም ዴቪድ ዝበሉ ወጻእተኛታት ድማ እቶም ጎነጻዊ መጥቃዕቲ ዘብጽሑ ዘለው ሰባት ኣባላት እዚ ጉጅለ ምዃኖም ይዛረቡ።
ኣባላት ቢቢሲ፡ ናብታ ከተማ ኣብ ዝተንቀሳቐሱሉ፡ ኣባላት ዱዱላ ‘ሓለዋ’ ዝብሉዎ ምንቅስቓስ ክገብሩ ተዓዚቡ’ዩ። ናይቶም ስደተኛታት ወረቐት ይሓቱ።
ወሃቢት ቃል ኣግነስ ማላትጂ “እቶም ‘ወዲኒ ወይ ቀፊር’ እናበልኩም እትህቡና ኣሽማት፡ መንፈስ ኣባላትና ክሰብሩዎ ኣይነፍቅድን፤ መሰልና ኢና ንሓትት ዘለና” ትብል።
ሰብ መዚ፡ ሕጊ ስደተኛታት ዘይምትእትታዎም ወይ’ውን ደቡብ ኣፍሪቃውያን ክጥቅዑ እንከለው ምላሽ ዘይምሃቦም ትነቅፍ።
“መንግስቲ ስርሑ ብኣግባቡ እንተዝሰርሕ ነይሩ ናይ ዓርሰ ምክልኻል ኮሚቴ ኣየምድለየን ነይሩ። ንሕና’ውን መጥቃዕቲ ይበጽሓና’ዩ፤ ብ7 መጋቢት ወጻእተኛታት ብበትርን ኣጽዋርን ኣጥቂዖምና እዮም። ስለዚ ብዙሓት ነገራት ትኹረት የድልዮም’ዩ” ኢላ።
ኣሌክሳንድራ፡ ሓንቲ ካብተን ድኻ ከተማታት ደቡብ ኣፍሪቃ’ያ። ግን ድማ ኣብ ጥቓ እታ ኣብ ኣፍሪቃ ልዑል ሃፍቲ ዘለዋ ሳንድቶን እትርከብ ከተማ ብምዃና፡ ብዙሓት ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገርን ሃገራት ኣፍሪቃን ዝመጹ ኣጋይሽ እትስሕብ ኰይና እያ።
እንተዀነ፡ ብዝሒ ህዝቢ እቲ ከባቢ እናዓበየ ምስ መጽአ፡ ኣብ ሞንጎ ሓደሽቲ ዝመጽኡን ነበርቲ እታ ከተማን ብቐጻሊ ጎነጻትን ዓመጻትን ክልዓል ጀሚሩ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ፕሪቶሪያ ክኢላ ስነ ገበን ዶክተር ሉፉኖ ሳዲቕ “ኩላትና ጽቡቕ ህይወት ክህልወና ኢና ንደሊ፤ ግን ክኣ ኩላትና ጽቡቕ ህይወት ኣይንረክብን። ኣብ ሳንድቶን ዝተጠቐምካሉ ሽቓቕ ክተጽሪ ኣንጊህኻ ኣይትልዓልን። ብቐሊሉ ማይ ስለ ዘለካ፡ ቡምባ ጥራይ ኢኻ ትኸፍት። ኩሉ ኣብ ኢድካ’ዩ።
“ኣብ ስግር ጽርግያ ክኣ ኣሌክሳንድራ ኣላ፤ መዓልታዊ ነዚ ህይወት ትርእዮ። ስግኣታትኻ ዘንጸባርቕ መስትያት’ዩ። እቲ ዘይመዓርነት ኣብ ቅድሜኻ ተዀሊዑ ትርእዮ። ሓሓሊፉ ነዚ መልሲ ክትስእነሉ እንከለኻ፡ እቲ ዝቐለለ ነገር ካልእ ሰብ ምጥቃዕ መሲሉ ይርኣየካ” ብምባል ነቲ ኩነታት ተረድእ።
ወዲ 19 ዓመት ጆን - ትኽክለኛ ሽሙ ኣይኮነን- ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ሞዛምቢክ ናብ ጆሃንስበርግ ካብ ዝመጽእ ኣትሒዙ ናይ ሞት ምፍርራሕ ይበጽሖ ከም ዝነበረ ይዛረብ።
ንሱን መሓዙቱን፡ ኣብ ጽርግያ ስጋ ጠቢሶም ገዓት ኣብሲሎም’ዮም ዝሸጡ።
“ዱዱላ በትሪ ሒዞም ስለ ዝመጽኡ ይሃርሙና። ክመጽኡ እንተርኢናዮም ንብረትና ገዲፍና ንሃድም”።
ጆን’ውን ልክዕ ከም ዴቪድ ንቤተሰቡ ክሕግዝ እዩ ዝደሊ። ዝረኽቦ ገንዘብ ዓቚሩ ክኣ መኪና ክገዝእ ይሓልም።
ግን ክኣ፡ “ናብ ካልእ ሃገር ክኸይድ'የ ዝሓስብ፤ ኣብ ሞዛምቢክ ዘለው ስድራቤትና እቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዘሎ ኩነታት ስለ ዝፈልጡዎ ይጽልዩልና’ዮም” ይብል።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







