ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ንኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ተወሳኺ ስግኣት ዝኾንዎም ዘለዉ ዝተወደቡ ጉጅለታት

መጥቃዕቲ ከየጋጥሚ ሰጊኡ ድኳኑ ዝዓጹ ዘሎ ሰብኣይ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, መጥቃዕቲ ከየጋጥሚ ሰጊኡ ድኳኑ ዝዓጹ ዘሎ ሰብኣይ

ቅድሚ መዓልቲታት ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝኸደ ሰብ በቢከባቢኡ ፖሊስ እንትንቀሳቐሱ ይርእይ፡፡

ናይ ኣሌክሳንድራ ድማ ፍልይ ዝበለ እዩ፡፡

ንምንታይ ንዝብል ፡ ኣብ መንጎ ነበርቲ እቲ ከባብን ኣብቲ ከባቢ ኣብ ንግዲ ዝተዋፈሩ ወጻእተኛታትን ጎንጺ ክፍጠር ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ዘበገሶ እዩ፡፡

እቲ ስግኣት ሕዚ እውን ኣሎ፡፡ ካብቶም ኣብ ስግኣት ዝርከቡ ድማ ኢትዮጵያውያን ይርከቡዎም፡፡

ስለዚ ካብቲ ከም ምኽንያት ዝውሰድ ቀንዲ ጉዳይ ንጀምር፡፡

ከም ኣሌክሳንድራ ኣይኹን እምበር ኣብ መላእ ደቡብ ኣፍሪቃ ናይ መነባብሮ ፍልልይ ብሰፊሑ ይረኣይ እዩ፡፡

ነዚ፡ ኩሉ ሰብ ነናይ ባዕሉ ምኽንያት እዩ ዘቐምጥ፡፡

ገሊኦም እቲ ስርዓት እዩ ይብሉ፤ ገሊኦም ድማ ‘‘ስደተኛታት እዮም ኣብዚ ኣብጺሖምና’’ ይብሉ፡፡

ኣብታ ድኽነት ሰንሰን ኣቢሉና ዝብሉ ዜጋታት ዘለዉዋ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ብሰማይ ብመሬት ኢሎም ዝኣተዉ ስደተኛታት ብናብራ ይህብትሙ ኣለዉ፡፡

ነዚ ኣካታዒ ጉዳይ ዝሓዙ ክልተ ጉጅለታት ተቐልቂሎም፡፡

'ዘ ኣሌክሳንድራ ዱዱላ ሙቭመንት' ን 'ኦፕሬሽን ዱዱላ'ን ይበሃሉ፡፡

ክልቲኦም ሰነድ ዘይብሎም ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ካብታ ሃገር ክወጽኡ ዝጉስጉሱ እዮም፡፡

እዚ ሓሳቦም ድማ በቲ ተገፊዕና፣ ኣብ ዓድና ዝግብኣና ኣይረኸብናን ዝብል ህዝቢ ተቐባልነት ረኺቡ፡፡

እቶም ጉጅለታት እንታይ እዮም ዝደልዩ?

ቀንዲ ምኽንያት እቲ ኣብ መንጎ ዜጋታት ደቡብ ኣፍሪቃን ሰነድ ዘይብሎም ስደተኛታትን ዝተፈጠረ ቅርሕንቲ ድኽነት እዩ፡፡

ልክዕ ይኹን ኣይኹን ብዘየገድስ፡ ነቲ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ዘልዕልዎ መረረት ምኽንያት እዞም ሰነድ ዘይብሎም ስደተኛታት እዮም፡፡

ብቋንቋ ዙሉ፡ ‘ዱዱላ’ ማለት ‘‘ኣባርርዎም’’ ወይ ‘‘ይኺዱልና’’ ማለት እዩ፡፡ እዚ ድማ እቶም ጉጅለታት እንታይ ከምዝደልዩ ብግልጺ ዘርእይ እዩ፡፡

ዋላኳ እዞም ክልተ ጉጅለታት ዝፈላለዩ እንተኾኑ፡ ዝተጣየሽሉ ዕላማ ግን ሓደ እዩ፤ ሕጋዊ ናይ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ወጻእተኛታት ካብታ ሃገር እናኣረኻ ምብራር፡፡

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጉጅለ ዱዱላ ኣብ ሶዌቶ ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም ነይሮም

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጉጅለ ዱዱላ ኣብ ሶዌቶ ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም ነይሮም

ከምዚ ምግባር ድማ ንደቡብ ኣፍሪቃውያን ናይ ስራሕን ንግድን በርታት ክኽፈት ከምዝገብር ይኣምኑ፡፡

እዚ እዩ ድማ ንኢትዮጵያውያን ስግኣት ኮይኑ ዘሎ፡፡

እዚ እዩ ድቃስ ዝኸልኦም፡፡

‘‘ሕቶኦም ዜጋታት ወጻኢ ይውጽኡ እሞ እቲ ንግዲ ንሕና ክንቆጻጸሮ ዝብል እዩ’’ ይብል፡ ተቐማጢ ጆሃንበርግ ገዛሀኝ ሹማሞ፡፡

ንኢትዮጵያውያን ብፍላይ ‘‘እንታይ ዘይሰርሕዎ ነገር ኣሎ?’’ ብምባል ከምዝገልጹዎም ይዛረብ፡፡

‘‘ናይ ገዛ ሰራሕተኛ፣ ኣሳሰይቲ ዘወርቲ ታክስን ንሳቶም እዮም’’ ብዝብል እዩ ‘‘እንታይ ዘይሰርሕዎ ነገር ኣሎ’’ ዝብልዎም፡፡

ነዚ ኩሉ ዝሰርሑ ኢትዮጵያውያን እዮም እምበኣር ስግኣት ሓዲርዎም ዘሎ፡፡

ዱኳነይ ይስርቕዶ ይኸውን? ክሱጎግዶ ይኾን፣ ክሳብ ህይወቶም ምስኣን ዝበጽሕ ስግኣት፡፡

ቅድሚ ሕዚ ‘‘በዚ ጎዲኦምና እዮም፤ ኣብ ዓዲ እማትና ዝሰራሕናዮ ከንቱ ገይሮምዎ እዮም’’ ይብል ገዛሀኝ፡፡

ንሱ ‘‘ዋላኳ ኣብ ኣሌክሳንድራ ዝበሃል ከባቢ ዜጋታት ወጻኢ ንግዲ ይግደፉ ዝብል ምንቅስቓስ እንተሃለወ፡ ኣካላት ሕጊ ተቖጻጺሮምዎ እዮም’’ ይበል እምበር ኣብ ቀረባ መዓልቲ ሓደ ኢትዮጵያዊ ከምዝሞተ ገሊጹ፡፡

ዛጊት ከመይ ከምዝሞተ ከምዘይተፈለጠን ምስዚ ዝተሓሓዝ እንተኾይኑ የጻርዩ ከምዘለዉን ገዛሀኝ ሓቢሩ፡፡

ሓድሽ ሕጊ ዘስዓቦ ካልእ ስግኣት

ሽሙ ከይጥቀስ ዝሓበረና ካልእ ነባራይ ከተማ ፒተርስበርግ ድማ ኣብቲ ዝነብረሉ ከባቢ ብዙሕ ስግኣት ከምዘየለ ገሊጹ፡፡

ኣብ ካልኦት ከባቢታት ግን ስግኣት ከምዝነበረ ሰሚዑ እዩ፡፡

ንስደተኛታት ካብ ሃገር ዘውጽእ ሓደ ሕጊ ክጸድቕ እዩ ካብ ዝበሃል ጀሚሩ፡ ምንቅስቓስ ኣባላት ዱዱላ ወሲኹ እዩ፡፡

‘‘ዱዱላ ዝበሃል ጉጅለ ነቲ ስደተኛ ብሓይሊ ክነባርሮ ኢና ብምባል ንፖሊስ ኮነ ንመንግስቲ ሕጊ ኣይነኽብርን ኢሎም ባዕሎም ይፍትኑ ኣለዉ፡፡’’

ገዛሀኝ ከምዝብሎ ድማ ኣባላት እዚ ጉጅለ ኣብ ዝተጸውዕዎ ዝመጹን ግበሩ ዝተባህሉዎ ዝገብሩን እዮም፡፡

ዕላማ እቲ ጉጅለ ዜጋታት ወጻኢ ካብታ ሃገር ክወጹኡ ምግባር ከምዝኾነ ዝገልጽ ገዛሀኝ ‘‘ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ስራሕ ስኢኖም፡ ሲቪ ሒዞም ኣብ ገዛ ኮፍ ኢሎም ኣለዉ፡፡ ሲቪኹም ሒዝኩም ናብ ተቓውሞ ውጹ ኢሎም እዮም ዘለዓዕልዎም’’ ይብል፡፡

ነዚ እዩ ድማ ስግኣቶም እናወሰኸ ዝመጽእ ዘሎ፡፡

‘‘ሐዚ ህዝብና ኣብ ሰቐቐን እዩ ዘሎ፡፡ መዓዝ መጺኦም ከቃጽሉና ይኾኑ እናበለ ኣብ ጭንቀት ዝኣተወ ብዙሕ ሰብ እዩ፡፡ ብዙሓት ጭንቀት ዘለዎም ሰባት ናብ ሆስፒታል ይኸዱ እዮም፡፡ ብዙሕ ጸገም ይፈጥረልና ኣሎ’’ ክብል የረድእ፡፡

ኣብ ኣሌክሳንድራ ዝርከቡ ደገፍቲ ዱዱላ ኣብ ልዕሊ ወጻእተኛታት ዘለዎም ተቃውሞ ዘለዎም ስግኣት እናገለጹ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ኣሌክሳንድራ ዝርከቡ ደገፍቲ ዱዱላ ኣብ ልዕሊ ወጻእተኛታት ዘለዎም ተቃውሞ ዘለዎም ስግኣት እናገለጹ

ንባዕልኻን ንብረትካን ንምሕላዉ ዝኽፈል ገንዘብ

እቲ ሽሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ኢትዮጵያዊ ድማ ኣብቲ ዝነብሩሉ ከባቢ ወርሓዊ ገንዘብ እንተኸፊልኩም ከይትባረሩ ክንገብር ኢና ምስዝበልዎም ኣካላት ጸጥታ ይሰርሑ ከምዘለዉ ጠቒሱ፡፡

‘‘ዛጊት ጉድኣት ዝበጸሖ የለን፡፡ ኣብቲ ኣነ ዘለኹዎ ጉድኣት ዝበጸሖ የለን፡፡ ምንቅስቓስ ግን ኣሎ፡፡ ዋላኳ ኣብቲ ሕብረተሰብ ስግኣት እንተሃለወ ሐዚ ጽቡቕ እዩ ዘሎ፡፡ ብፍላይ ኣባና [ኣብ ኢትዮጵያውያን] ጽቡቕ ኣመለኻኽታ እዩ ዘሎ’’ ይብል፡፡

ብፍላይ እቲ ስደተኛታት ከባርር እዩ ዝተባህለ ሕጊ፡ ከቢድ ስግኣት ከምዝፈጠረ ይገልጽ፡፡

ገዛሀኝ ከምዘብሎ፡ ኣብ ድሕሪት እቲ ዱዱላ ዝተባህለ ምንቅስቓስ ኢትዮጵያውያን እውን ተሳተፍቲ እዮም፡፡

ንምንታይ? ንዝብል ሕቶ ድማ ‘‘በብእዋኑ ዕግርግር እንትለዓል፡ ንመረጋግኢ ብዝብል ገንዘብ ይእክቡ እዮም፡፡ እቶም ኢትዮጵያውያን ምስኣቶም [ምስ ኣባላት ጉጅለ ዱዱላ] ገንዘብ ይካፈሉ እዮም’’ ይብል፡፡ ብዛዕባ እዚ ክሲ ግን ቢቢሲ ዘረጋገጾ ሓበሬታ የለን፡፡

ብዙሓት ናይ ነባርነት ወረቐት ዘይብሎም ስደተኛታት ከምዘለዉ ዝገልጽ እቲ ወሃቢ ርእይቶ በቲ ክወጽእ እዩ ዝተባህለ ሓድሸ ሕጊ ብዙሓት ከምዝተሻቐሉን ‘‘በዚ ምኽንያት ከምቲ ናይ ቅድሚ ሕዚ ስርቅን ካልኦት ጸገማትን ከጋጥሙ እዮም’’ ዝብል ስግኣት ከምዘሎን ተዛሪቡ፡፡

ኣብዚ እዋን እቲ ጉጅለ ተመሳሳሊ ጻውዒት የቕርብ ከምዘሎ ዝገልጽ ገዛሀኝ፡ እቲ ስደተኛ መንበሪ ፍቓድ ክወሃቦ ትጽቢት እንትገብር እዚ ከጋጥም ከምዘሕዝኖ ሓቢሩ፡፡

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ሓገዝ ዝገበረሎም እንተኾይኑ ዝሓተተ እቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብዚ እዋን ትኹረት እቲ ኤምባሲ ኣብ ካልእ ከምዝኾነ እዩ ዝዛረብ፡፡

ቢቢሲ ነዚ ኣመልኪቱ ካብቲ ኤምባሲ ሓበሬታ ንምርካብ ዝገበሮ ፈተነ ኣይሰመረን፡፡

ገዛሀኝ እቲ ኣብ ዱዱላ ዝረኣይ ዘሎ ስምዒት ናይ ኩሎም ደቡብ ኣፍሪቃውያን ድሌት ከምዘይኮነ እዩ ዝገልጽ፡፡

ስደተኛታት ዘለዎም ዓብዪ ማሕበራውን ቁጠባውን ረብሓ ብምጥቃስ ዝከራኸሩ ከም ታቦ ምቤኪ(ፕረዚደንት ነበር ደቡብ ኣፍሪቃ) ዝበሉ ፖለቲከኛታት ምህላዎም እውን ነቶም ስደተኛታት ተስፋ ዝህብ እዩ፡፡