መሸጣ ፎርሙላ ጸባ ንህጻናት ኣፍሪቃ ይጎድእ ኣሎ - መጽናዕቲ

ጸባ ዝሰቲ ዘሎ ህጻን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሰብ ሞያ ጥዕና፡ ኣብ ናይጄሪያ ካብ ዝርከባ ሓደሽቲ ኣዴታት ኣስታት ፍርቂ፣ ካብ ሓሙሽተ እተን ክልተ ኣዴታት ሞሮኮ ከምኡ’ውን ልዕሊ ሕምሺት ደቡብ ኣፍሪቃውያን ኣዴታት ንደቀን ፎርሙላ ጸባ [ሰብ ዝሰርሖ ጸባ] ክህበኦም ከም ዝገበሩ ተገሊጹ።

እዚ ውድብ ጥዕና ዓለምን ፈንድ ህጻናት ዩኒሴፍን ብሓባር ዘካየዱዎ መጽናዕቲ ብሰንኪ እዞም ምህርታት ጥዕና ህጻናት ይጉዳእ ከም ዘሎ ይሕብር።

ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም’ውን “እቲ ጸብጻብ ብግልጺ ከም ዘርእዮ መሸጣ ጸባ ፎርሙላ ቕቡልነት ብዘይብሉ መልክዑ ተስፋሕፊሑ ብብዝሕን ብዘጋግን መገዲ ይሽየጥ ኣሎ” ክብል ነቒፉ።

ሰብ ሞያ ጥዕና ናይጄሪያን ሞሮኮን ኣብ ህዝባውን ናይ ውልቂ ትካላት ጥዕናን ብግልጺ ምስ ኩባኒያታት ጸባ ፎርሙላ ህጻናት ክርኣዩ ልሙድ እዩ።

እቲ ጸብጻብ ን8500 ስድራቤታትን ነፍሰጾር ኣዴታትትን ከምኡ’ውን ኣብ ባንግላድሽ፣ ቻይና፣ ሜክሲኮ፣ ሞሮኮ፣ ናይጄሪያ፣ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ብሪጣኒያን ቬትናምን ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ዓለም ዝርከቡ 300 ሰራሕተኛታት ጥዕና ክሳተፉ ገይሩ።

“ደቂ ኣንስትዮ ካብ ዕድጊት ስነ ምግባር ወጻእ ዝኾነ መሸጣ ፎርሙላ ጸባ ንምክልኻል ኣብ ዙርያ ጡብ ምጥዋብ ጠንካራ ፖሊሲታትን ሕግታትን ክወጽኡን ኣብ ምጥዋብ ኣዴታት ኢንቨስት ክግበርን ኣለዎ። ብተወሳኺ ቤተሰበን ንምዕባይ ዝሕግዘን መረዳእታ ከም ዝረኸባ ክረጋገጽን እኹል ሓበሬታን ቤተሰበን ንምዕባይ ዝሕግዘን ሓገዝን ክረኽባን ይግባእ” ክትብል ዋና ዳይሬክተር ዩኒሴፍ ካትሪን ሩሴል ተዛሪባ።

ጸባ ጡብ ኣደ ንጥዕናን ዕብየትን ህጻናት ኣገዳሲ ዝብሃል እዩ።

እዚ ውሑስ፣ ጽሩይን ኣብ ቖልዑት ዝተለምዱ ሕማማት ንምክልኻል ዘኽእሎም ‘ኣንቲ ቦዲን’ ዝሓዘ እዩ።

ውድብ ጥዕና ዓለም ሓደሽቲ ዝተወልዱ ህጻናት ጥዕንኦምን ሃለዋቶምን ንምርግጋጽ ብውሑድ ንሽዱሽተ ወርሒ ካብ ጸባ ጡብ ኣዲኦም ወጻእ ካልእ ክወስዱ ከም ዘይብሎም ይምዕድ።

ጸባ ጡብ ረኺቦም ዝዓብዩ ህጻናት ዝሓሸ ናይ ኣእምሮ ክእለት ከም ዝህልዎም፣ ንልዕሊ ዓቐን ርጉዲን ሕማም ሽኮርን ናይ ምቅላዕ ተኽእሎኦም ዝነከየ ከም ዝኾነን ሰብ ሞያ ይገልጹ።

እተን ዘጥቡዋ ኣዴታት’ውን ንመንሽተሮታት ጡብን ማህጸንን ናይ ምቅላዕ ዕድለን ዝነከየ እዩ።