ደቡብ ኣፍሪቃ: ለማዳ ኣናኮንዳ ካብ ዋንኣ ስለዝተሰወረት ነበርቲ ጥንቃቐ ክገብሩ ተነጊርዎም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ክልተ ሜትሮ ቁመት ዘለዋን ቢጫ ዝሕብራን ሜዱሳ ዝተብሃለት ለማዳ ኣናኮንዳ (ዓይነት ገበል) ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ሰሜናዊ ሸነኽ ከተማ ደርባን ከምዝተሰወረት ተሓቢሩ።
ወናኒ ናይታ ዝተሰወረት ኣናኮንዳ ዝኾነ ፕረሰን ኔር፡ ነበርቲ ፎኒክስ ንኸይፈርሑ ተማሕጺኑ። “እታ ኣናኮንዳ ለዋህን ፈራሕን እያ” ክብል ንመደበር ራድዮ ‘ኢስት ኮስት’ ተዛሪቡ።
ሆሊዉድ ነቶም ኣብ ደቡብ ኣመሪካ ጫካ ኣማዞን ዝርከቡ ዘይተናኸስቲ ኣናኮንዳ ሕማቕ ሽም ሂቦምዎም ኢሉ። ፕረሰን “ንሳ [እታ ኣናኮንዳ] ኣይትጓድኣን’ያ፣ ከምቲ ኣብ ድራማታት እትርእይዎ ኣይክተበልዓኩሙን እያ” ኢሉ።
እታ ኣናኮንዳ ኣብ ዝሓለፈ ሮብዕ ምሸት እትነብረሉ ጋብላ እንዳጸረየ እንከሎ ኣምሊጣ ከምዝተሰወረት ሓቢሩ። እቲ መንበሪኣ ዝሑል ኩነታት ኣየር ንምፍጣር ተባሂሉ ማይ ከምዘለዎ ዝሓበረ ኔር ንኽተጽርዮ ክልተ መዓልቲ ከምዝወስድ ገሊጹ።
እታ ኣናኮንዳ መንበሪኣ ክሳብ ጽገና ዝግበረሉ ኣብ ሓደ ቱቦ ተዓጽያ’ኳ እንተነበረት ነቲ መሸጎር ሰይራ ክተምልጥ ኪኢላ።
ዓሰርተ ሓሙሽተ ኣትማን ዘለዎ ኔር፡ ኣናኮንዳ ሜዱሳ ከም ዕድል ኮይኑ ኣርሒቓ ከይዳ ምናልባት’ውን ጽምዋ ኣብ ዝዓሰሎ ሓደ እግሪ ጽላል ትዘናጋዕ ትህሉ ኢሉ።
“እቲ ጉዳይ ካልእ ክፉእ ሰብ ረኺቡ እንከይቀተላ እንከሎ ናይ ምርካብ’ዩ ኮይኑ” ዝበላ ወናኒ እታ ኣናኮንዳ ዝኾነ ንዕኣ ዝረኸበ ሰብ እንተሎ ክሕብሮ ከምዘለዎ ተማሕጺኑ’ሎ።



![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







