ህንዲ፡ ኮብራ ተመን ከም መሳርሒ ቅትለት ዝወዓለሉ ገበን

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ሓደ ህንዳዊ ንብዓልቲ ቤቱ ብ'ኮብራ' ዝተባህለ ተመን ኣንኪሱ ብምቕታሉ ክልተ ምሉእ ናይ ሕልፈት ማእሰርቲ ተፈሪዱ ነይሩ። ጋዜጠኛታት ቢቢሲ ሱቲክ ቢስዋስን ኣሽራፍ ፓዳናን እቲ ዘስካሕክሕ ቅትለት ብኸመይ ከምዝተፈጸመ ሰኒዶሞ ኣለዉ።
ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2020፡ ወዲ 28 ዓመት ሱራጅ ኩማር፡ 7000 ሩፒ (92 ዶላር ወይ 67 ፓውንድ) ብምኽፋል፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ዓለም መርዛማት ተባሂሎም ዝፍለጡ፡ ትንኳዕ ኮብራ ገዚኡ።
ንግዲ ኣትማን ኣብ ህንዲ ክልኩል'ዩ። ስለዝኾነ ድማ'ዩ ሱራጅ ነቲ ዕድጊ ብሕቡእ ፈጺምዎ። ሸያጢ ተመን ድማ ኣብ ደቡባዊት ክፍለሃገር ኬራላ ዝነብር ኣብ ሃድን ኣትማን ዝተዋፈረ ሱረሽ ኩማር እዩ።
ሱራጅ፡ ነቲ ዝዓደጎ ተመን ኣብ ሓደ ኣየር ክኣትዎ ዘንኮሎ መትሓዚ ፈሳሲ ጎማ (ኮንተይነር) ብምእታዉ ወሲድዎ።
ድሕሪ 13 መዓልታት ድማ፡ ነቲ ጎማ ኣብ ቦርስኡ ብምእታዉ ናብቲ 44 ኪሜ ርሒቑ ዝርከብ እንዳሓሙኡ ከደ። ኣብቲ እዋን ብዓልቲ ቤቱ ኡትራ ብሓደ ዘይተፈልጠ ተመን ተነኺሳ ኣብቲ እንዳ ስድራኣ ትእለ ነይራ።
ሱራጅን ኡትራን፡ ክልተ ዓመት ኣቒዲሞም'ዮም ብሓደ ናይ መውስቦ ድለላ ኣገልግሎት ዝህብ ትካል ተራኺቦም። ኣቦ ሱራጅ፡ ሪክሻው (ባጃጅ) እናዘወረ ዝናበር ኮይኑ፡ ኣዲኡ ግን ኣላይት ገዛ'ያ። እታ ብሰለስተ ዓመት እትንእሶ ኡትራ፡ ናይ ኣእምሮ ጸገም ዘለዋ ኮይና፡ ድሓን ሃብቲ ዘለዎም ካብ ዝብሃሉ ስድራቤት ዝተወልደት እያ። ኣቦኣ ኣብ ናይ ጎማ (ራበር) ንግድ ዝተዋፈረ ክኸውን እንከሎ፡ ኣዲኣ ድማ ሓላፊት ቤት ትምህርቲ ዝነበረት'ያ።
እቶም መጻምድቲ ምስ ተመርዓዉ፡ ሱራጅ ብናይ ሎሚ ዋጋ ኣስታት 32,000 ዶላር 768 ግራም ወርቂ፡ ሱዙኪ ዝተባህለት ናይ ገዛ ማኪናን 400,000 ሩፒ ጥረ ገንዘብን ተገዚሙ ነይሩ። ኣብ ርእሲኡ፡ እንዳሓሙኡ "ንጓሎም ምእንቲ ክከናኸነሎም" ወርሓዊ 8000 ሩፒ ይወሃቦ ነይሩ ክብሉ መርመርቲ ይገልጹ።
ኡትራ፡ ካብቲ ብተመን ተነኺሳ ዝኣተወቶ ሆስፒታል ምስ ወጸት፡ ናብ እንዳዓለቦኣ (እንዳ ስድራኣ) ከይዳ ትእለ ነይራ። ኣብቲ ሆስፒታል ኣብ ዝጸንሓትለን 52 መዓልታት እቲ ዝተነኽሰ እግራ ንክሕከም ሰለስተ ቃንዛ ዝመልኦ መጥባሕቲ ተኻዪዱላ። በቲ ኣብ ህንዲ ዓመታዊ ኣሽሓት ሰባት ዝቐትል፡ 'ራሰልስ ቫይፐር' ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣዝዩ መርዛም ሓመዳይ ተመን'ያ ተነኺሳ።
መርመርቲ ከምዝበልዎ፡ ብ6 ግንቦት፡ ኡትራ ከይሓወየት እንከላ፡ ሱራጅ ኣደንዛዚ መድሃኒት ዝተሓወሶ ሓደ ብርጭቆ ጹማቕ ሂቡዋ። ደንዚዛ ምስ ደቀሰት ድማ፡ ነቲ ሓደ ሚትሮን ፈረቓን ዝኸውን ኣብ ጎማ ኣእትዩ ዘምጽኦ ኮብራ ኣውጺኡ ኣብ ልዕሊኣ ደርብይዎ።
ግና፡ ኣብ ክንዲ ዘጥቅዓ እቲ ተመን ለምም እናበለ ከይዱ። ሱራጅ፡ ኣልዒሉ መሊሱ ናብኣ ደርብይዎ። ሕጂ'ውን እቲ ተመን ለመም እናበለ ተኣልዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ንሳልሳይ ግዜ ኣልዒሉ፡ ነቲ ተመን ብርእሱ ሒዙ፡ ኣብ ጸጋማይ ቅልጽም ሰበይቱ ጸቒጥዎ። እቲ በቲ ኩነታት ዝጠቖጥዐ ለመምታ ድማ ክልተ ሳዕ ነኺሱዋ። ብድሕሪኡ፡ ናብ ከብሒ ናይቲ ክፍሊ ኣትዩ ኣብኡ ሓዲሩ።
"ኮብራ፡ እንተዘይተዂቲኽካዮ ኣይናኸስን'ዩ፡ ስለዚ ሱራጅ ብርእሱ ሒዙ ኣብ ልዕሊ ሰበይቱ ክጸቕጦ ነይሩዎ" ይብል ኣብ መጽናዕቲ ለምምታ ዝነጥፍ ማቪሽ ኩማር።
ሱራጅ፡ ነቲ ናይ ጽማቕ ብርጭቆ ሓጺቡ፡ ነቲ ተመን ክሕዝ ዝተጠቕመሉ በትሪ ሰይሩ፡ ከቃልዖ ዝኽእል ናይ ቴለፎን ሓበሬታ ደምሲሱ ይብሉ ኣብቲ ጉዳይ ዝተዋፈሩ መርመርቲ።
ኣዲኣ ንኡትራ፡ ናብቲ መደቀሲ ክፍሊ ምስኣተወት፡ ጓላ፡ ኣብ ዓራት "ኣፋ ተኸፊቱ፡ ጸጋማይ ኢዳ ጠልጠል ኢሉ" ከምዝጸንሓታ ንፖሊስ ሓቢራ።
ሱራጅ'ውን ኣብቲ ክፍሊ ከምዝነበረ'ያ ትዛረብ።
"ስለምንታይ ምስ ዊኖኣ ምህላዋ ከተረጋግጽ ኣይከኣልካን?" ክትብል ማኒመካላ ቪጃያን ንሰብኣይ ጓላ ትውከሶ።
"ካብ ድቃሳ ከበራብራ ኣይደለኹን" ክብል ሱራጅ ይምልስ።
ብኩነታታ ዝሰንበዱ ስድራቤታ ተቐላጢፎም ናብ ሆስፒታል ወሲዶማ፡ እንተኾነ ግን ሓካይም ተመሪዛ ከምዝሞተት ብምርግጋጽ፡ ፖሊስ ጸዊዖም።
ኣብ ሬሳኣ ብዝተገብረ መርመራ፡ ኣብ ቅልጽማ ክልተ ጽምዲ ውጋእ ኣብ ዝተቐራረበ ቦታታት ረኺቦም። ናይ ደም መርመራ ምስተገብረ ድማ፡ ናይ ኮብራ ተመን መርዚን ኣደንዛዚ መድሃኒትን ጸኒሕዋ። ናይ ኮብራ ተመን መርዚ ንጭዋዳታት ስርዓተ-ምስትንፋስ ብምልማስ ኣብ ውሽጢ ሰዓታት ክቐትል ይኽእል'ዩ።
ስድራቤት ኡትራ ብዝገበርዎ ጥርዓን፡ ሱራጅ ብ24 ግንቦት ምስ ዘይንቡር ሞት ብዓልቲ ቤቱ ብዝተሓሓዝ ኣብ ቀይዲ ፖሊስ ኣትዩ። ድሕሪ'ቲ 78 መዓልታት ዝወሰደ መርመራን፡ ልዕሊ 1000 ገጽ ዘለዎ ክሲን ድማ መስርሕ ፍርዲ ተጀሚሩ።
ተመራመርቲ ስነ-ለመምታን ሓካይምን ዝርከብዎም ልዕሊ 90 ሰባት ምስክርነቶም ሂቦም። ኣኽበርቲ ሕጊ፡ ንሰነዳት ቴለፎን ሱራጅ፡ ናይ ኢንተርነት ሓበሬታ፡ ተፋሒሩ ዝወጸ ዝሞተ ኮብራ፡ ኣብ ማኪና ዝጸንሐ ኣደንዛዚ መድሃኒትን ቅድሚ ሕጂ ክልተ ኣትማን ገዚኡ ምንባሩ ዝገልጽ መርትዖታትን ብምእካብ ንፍርዲ ተዳልዮም'ዮም። መርመርቲ ከምዝበልዎ ድማ፡ ሱራጅ ራሰልስ ቫይፐር ዝተባህለ፡ ፈለማ ንኡትራ ዝነኸሳ መርዛም ተመን ገዚኡ ከምዝነበረ ዝገልጽ መርትዖ'ውን ተረኺቡ'ዩ።
መዓስ እዚ ጥራይ፡ ሃዳናይ ተመን ሱረሽ'ውን ክልተ ኣትማን ከምዝሸጠሉ ተኣሚኑ። ሓደ ኪኢላ ኣትማን'ውን፡ እቲ ኮብራ ብክፉት መስኮት ክኣቱ ዘሎ ተኽእሎ ኣዝዩ ጸቢብ ምዃኑ ኣብ ቤት ፍርዲ መስኪሩ። ህያው ኮብራን ተሓዚኡን፡ ከምኡ'ውን ንግዳይ ዝውክል ባንቡላን ዘለዎ ምስሊ ቦታ ፍጻመ ገበን'ውን ንምርኢት ቀሪቡ።
"ኮብራ ብለይቲ ንቑሓት ኣይኮኑን። ኣብቲ ናይ ሰብ ባንቡላ መምስ ደርበናዮ ለመም ኢሉ'ዩ ናብ ምድሪ ወሪዱ፡ ናብቲ ዝጸልመተ ኩርናዕ ናይቲ ክፍሊ ይኸይድ" ክብል ማቪሽ ኩማር ተዛሪቡ። "ዋላ'ውን ምስ ቶኽቶኽናዮ ክናኸስ ኣይፈተነን"።
ንሓደ ኮብራ ብክሳዱ ሒዙ ኣብ ስጋ ደርሆ ምስ ጸቐጦ ግን መርዚ ከፍስስ ጀሚሩ። እቲ ኣብ መንጎ'ቲ ኣብ ቅልጽም ኡትራ ዝተረኽበ ክልተ ውጋእ ዘሎ ፍልልይ ድማ ማዕረ'ቲ ኣብቲ ስጋ ደርሆ ዝተራእየ ውጋእ ኮይኑ።
"እዚ ጉዳይ'ዚ፡ ሰይጣናዊ ቅትለት ብዓልቲቤት'ዩ" ክብል ዳኛ ኤም. ማኖጅ ገሊጽዎ። ስለዝኾነ ድማ፡ ሱራጅ ደይ-መደይ ኢሉ ንኡትራ ቀቲሉ "ብኮብራ ከምዝተነኸሰት ከምስል ብምፍታኑ፡ ንሕልፈት ክእሰር ፈሪዱዎ።
መርመርቲ ከምዝበልዎ፡ ሱራጅ ሰበይቱ ንምቕታል፡ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ወርሒ ክልተ ጥራይ ዘይኮነ ሰለስተ ፈተነታት'ዩ ኣካይዱ።
እቲ ኣመላላሲ ሰራሕተኛ ባንክ ዝኾነ ሱራጅ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት'ዩ ንሃዳናይ ኣትማን ሱረሽ ምስ ረኸቦ ራሰልስ ቫይፐር ዝተባህለ ተመን ብ10,000 ሩፒ ገዚኡሉ። ኣብ ኮንተይነር ገይሩ ንገዝኡ ምስ ወሰዶ ድማ ኣብ እንዳ ዕንጨይቲ ኣቐሚጡዎ።
ብድሕሪኡ፡ ብ27 ለካቲት ሱራጅ ነቲ ተመን ኣብ ምድሪቤት ናይቲ ኣብ ቀዳማይ ደርቢ ዘሎ ክፍሊ ፈንይዎ። ሰበይቱ ናብኡ ከይዳ ቴለፎኑ ከተምጽኣሉ ድማ ሓቲቱዋ።
ኡትራ፡ እቲ መርዛም ተመን ኣብ ምድሪ ተዓዂሊሉ ምስ ራኣየት ናይ ርድኡኒ ጻውዒት ገይራ ክትብል ኣዲኣ ትዛረብ። ሱራጅ ናብቲ ደርቢ ደዪቡ ነቲ ተመን ብበትሪ ኣልዒሉ ካብ ገዛ ወጺኡ። ናብቲ ኣብ ደገ ዝነበረ ኮንተይነር መሊሱዎ።
ብ2 መጋቢት ድማ ካልኣይ ፈተነ ኣካዪዱ። ኣብ ምቁር መግቢ ኡትራ መደንዘዚ ብምሕዋስ፡ ምስ ደቀሰት ነቲ ተመን ኣብቲ ዝደቀሰትሉ ክፍሊ ፈንይዎ።
ኣብዚ እዋን'ዚ ግን፡ እቲ ተመን ኣጥቂዕዋ። ኣብ እግራ ዝተነኽሰት ኡትራ፡ ብቓንዛ ኡይ እናበለት ተበራቢራ። ሽዑ ሱራጅ ነቲ ተመን ብመስኮት ደርብዪዎ።
"መንከስቲ ተመን ኣብ ኬራላ ልሙድ ስለዝኾነ ካልእ ሕማቕ ነገር ኣይጠርጠርናን" ይብል ኣቦኣ ንኡትራ ቪጃኣሰናን ቪድህያድሃራን።
ኣብ ህንዲ ዓመታዊ ኣስታት 60,000 ሰባት ብተመን ተነኺሶም ይሞቱ።
ኣብታ ምሸት ጽኑዕ ክንክን ክህብ ዝኽእል ሆስፒታል ንምርካብ ልዕሊ 2 ሰዓት ወሲዱ። ኡትራ፡ ሕበጥን ምድማይን በርቲዕዋ ነይሩ። ሰለስተ ናይ ቆርበት መጥባሕቲ ድሕሪ ምክያዳ ኸኣ ናብቲ ኣብ ኮላም ዝተባህለ ከባቢ ዝርከብ ብዓል ክልተ ደርቢ ገዛ ስድራኣ ተመሊሳ።

ምንጪ ስእሊ, SREEDHAR LA
ሱራጅ ድማ ምስ ወዱን ወለዱን ኣብቲ ኣብ ፓታናምቲታ ዝርከብ ገዝኦም ተሪፉ። እንተኾነ ግን ሕጂ'ውን ካልእ ውዲት'ዩ ዝኣልም ነይሩ።
"ብዓልቲቤቱ ኣብ ሆስፒታል እንከላ፡ ሱራጅ ኣትማን ብኸመይ ከምዝተሓዙ ኣብ መርበባት ኢንተርነት ሃሰው ይብል ነይሩ። ብዛዕባ መርዚ ኣትማን'ውን ከጽንዕ ጀሚሩ" ይብል ሓደ ካብ መርመርቲ ዝኾነ ኣኑፕ ክሪሽና።
እቲ መርማሪ ከምዝብሎ፡ ሱራጅ፡ ወዶም ድሩቭ ኣብ 2019 ካብ ዝውለድ ንደሓር'ዩ ነቲ ቅትለት ንምፍጻም ክኣልም ጀሚሩ። ብዛዕባ መርዛማት ኣትማን ኣብ ኢንተርነት የንብብን፡ ብዛዕባ እተሓሕዝኦም ናይ ዩቱብ ቪድዮታት ይርእን ከምዝነበረ ታሪኽ ዳህሳስ ኢንተርነቱ ይምስክር። ሓደ ካብቶም ዝርኣዮም ቪድዮታት ብሓደ ፍሉጥ ሃዳናይ ኣትማን ዝዳሎ ኮይኑ "ሓደገኛን ተናኻሲን ራሰልስ ቫይፐር" ዝብል ምርኢት'ዩ ነይሩ።
ሱራጅ፡ ሰበይቱ ኣብ ሕልማ "ብናይ ገበል መርገም ትስንብድያ" ክብል ንመሓዙቱ የዕልል ምንባሩ'ውን ጸብጻባት ይገልጹ።
እቲ ሓቂ፡ ሱራጅ፡ ገንዘባ ብምስራቕ ካልእ ሰበይቲ ንምምርዓዉ ደይ-መደይ ኢሉ ክቐትላ ከምዝወጠነ መርመርቲ ገሊጾም።
"ብደቂቕ'ዩ ወጢንዎ፡ ኣብ ሳልሳይ ፈተነ ድማ ተዓዊቱ" ይብል መራሒ ናይቲ መርመራ ፓሊስ ኣፑኩታን ኣሾክ። ኣኽባሪ ሕጊ ሞሃንራዥ ጎፓላክሪሽናን፡ እቲ ጉዳይ "ኣብ ህንዲ ካብ ዝተገብረ መርመራታት ኣገዳሲ ምዕራፍ ዝሕዝ ኮይኑ፡ እንስሳ ናይ ቅትለት ኣጽዋር ከምዝኾነ ኣኽበርቲ ሕጊ ከረጋግጹ ዝኸኣልሉ'ዩ" ኢሉ።
እቲ ሳሕቲ ዛጋጥም ክልተ ናይ ሕልፈት ማእሰርቲ ዝተበየነሉ ሱራጅ፡ ዝኾነ ጣዕሳ ከምዘየርኣየ እቲ ኣኽባር ሕጊ ተዛሪቡ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







