ንበዓልቲ ቤቱ ብመርዛም ተመን ኣንኪሱ ዝቐተለ ሰብኣይ ንሕልፈት ተፈሪዱ

ሱራጅ ኩማር ምስ በዓልቲ ቤቱ

ቤት ፍርዲ ህንዲ፡ ንበዓልቲ ቤቱ 'ኮብራ' ብዝብል ዝፍለጥ ኣዝዩ መርዛም ተመን ኣንኪሱ ዝቐተለ ሰብኣይ ክልተ ግዜ ብናይ ሕልፈት ማእሰርቲ ክቕጻዕ በይንሉ።

ሱራጅ ኩማር ዝተባሃለ ሰብኣይ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት በዓልቲ ቤቱ በቲ መርዛም ተመን ተነኺሳ ምስ ሞተት'ዩ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ።

ፖሊስ ህንዲ፡ እቲ ሰብኣይ፡ "ወለድኺ ዘይጠቅም ገዝሚ ሂቦም ኣፋንዮምኒ" እናበለ ብቐጻሊ የሳቕያ ከምዝነበረ ምስ ፈለጠ ኣብ ልዕሊኡ ምጽራይ ዝጀመሩ።

ነቲ ተግባር ከመይ ፈጺምዎ?

በዓልቲ ቤቱ ኣብ ዓራታ ደቂሳ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፡ ነቲ ካብ በረኻ ዘምጽኦ ኮብራ ብትሕቲ ኮበርታኣ ብምእታው ኣንኩሱ ከምዝቐተላ ቤት ፍርዲ ኣረጋጊጹ'ሎ።

ብሰኑይ ኣብ ዝወዓለ መጋባእያ ድማ ገበነኛ ኢልዎ።

ጓል 25 ዓመት በዓልቲ ቤቱ ኣብ ወርሒ ግንቦት'ያ ኣብ ውሽጢ ገዝኣ ሞይታ ተረኺባ።

ቅድሚ በዓልቤታ ነቲ ተግባር ምፍጻሙ፡ ብኻልእ 'ቫይፐር' ዝበሃል ዓይነት ተመን ተነኺሳ ብምንባራ መንቀሊ ሞታ ንሱ ክኸውን ከምዝኽእል ስድርኣ ጥርጢሮም ነይሮም።

እንተኾነ፡ ካብቲ ቀዳማይ መንከስቲ ተመን ትሓዊ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ብሽርሒ በዓል ቤታ ንኻልኣይ ጊዜ ብሓደገኛ ተመን ተመሪዛ ከምዝሞተት ተረጋጊጹ'ሎ።

ሱራጅ ዝፈጸሞ ቅትለት ኣብ ህንዲ ብዓይነቱ ኣዝዩ ፍሉይን ጭካነ ዝመልኦን ምዃኑ ዝገለጹ እቶም ደያኑ፡ በዚ ምኽንያት ብኽልተ ናይ ሕልፈት ማእሰርቲ ክቕጻዕን ንስድራ ግዳይ ፍርቂ ሚልዮን ሩፒስ (6,635 ዶላር) ክኽሕስ ብይን ሂቦም።

እቲ ክሱስ ብሞት ክቕጻዕ ክምጉት ዝጸንሐ ኣኽባር ሕጊ ግን፡ በቲ ውሳነ ናይ ቤት-ፍርዲ ፈጺሙ ዕጉብ ከምዘይኮነ ገሊጹ።

ፖሊስ ህንዲ፡ ሱራጅ ነቲ ኮብራ ካብ በረኻ ማእሪሩ ናብ ገዝኡ ኣብ ምምጻእ ንዝተሐባበሮ ውልቀ-ሰብ'ውን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዩዎ'ሎ።