ኣብ ግብጺ ሰለስተ ሰባት ብዕንቅርቢት ተነኺሶም ሞይቶም

ጥንቅርብዒታት

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images

ኣብ ግብጺ ደቡባዊት ከተማ ኣስዋን፡ ከቢድ ማዕበል ናብ ጽርጋታትን መንበሪ ኣባይትን ዘምጸአን ዕንቅርቢታትን [ጥንቅርብዒታት] ሰለስተ ሰባት ነኺሰን ቀቲለን፡፡

ኣስታት 450 ሰባት እውን ብሕንዚ እተን ዕንቅርቢታትን ጉድኣት ከምዝበጸሖም ሓደ በዓል ስልጣን ጥዕና ሓቢሩ፡፡

እቲ ኣብ ጥቓ ሩባ ናይል ዝርከብ ከባቢ ብዓርቢ ብኸቢድ ኣውሎ ንፋስ ተጠቒዑ ነይሩ።

ኣብቲ ከባቢ ከቢድ ዝናብ እንትሃርም ኣብ ጽርጋታት በዝሒ ዘለዎም ጥንቅርብዒታትን ኣትማንን ተገሊፎም ምርኣይ ልሙድ እዩ፡፡

ኣብዚ እዋን ናብቶም ዝተጠቕዑ ከባቢታት ጸረ-ሕንዚ መድሃኒታት ብበዝሒ ከምዝተኸፋፈለ ሓደ በዓል መዚ ጥዕና ንወኪል ዜና ኣህራም ገሊጹ፡፡

ኣብ ምሃብ ክታበታት ተዋፊሮም ዝነበሩ ዶኳትር፡ ነቶም ብጥንቅርብዒታት ጉድኣት ዝበጸሖም ሰባት ናብ ምሕካም ክወፍሩ ከምዝተገበረ እቲ በዓል መዚ ወሲኹ ሓቢሩ፡፡

ነበርቲ በዝሒ ኣግራብ ካብ ዘለዎ ከባቢ ክርሕቑን ኣብ ገዝኦም ክጸንሑን ተነጊሩዎም ኣሎ፡፡

ግብጺ ካብተን ኣዝየን ቀተልቲ ዝኾና ዓሌታት፡ ሮጒድ ጭራ ዘለወን (ፋት-ተይልድ) እንቅርብዒታት ዝርከባላ ሃገር እያ።

ሕንዚ ናይተን ሮጒድ ጭራ ዘለወን ጸለምቲ ዕንቅርቢታት ሓደ ሰዓት ኣብ ዘይመልእ እዋን ክቐትል ይኽእል እዩ፡፡

ብዙሕ መንከስቲ ዘጋጠሞ ሰብ ጸገም ምትንፋስ፣ ምንቅጥቃጥ ጭዋዳን ዘይተለመደ ምንቅስቓስ ርእስን ዝኣመሰሉ ምልክታት ከርእይ ይኽእል እዩ፡፡

ኣብ እዋን መድሓኒት ጸረ-ሕንዚ ብምውሳድ በቲ ሕንዚ ዝስዕብ ሞት ምክልኻል ይከኣል እዩ፡፡

መግለጺ ቪድዮ, ደም ተመን ከመይ ከምዝስተ፣ ጥንቅርብዒት ከመይ ከምዝብላዕን ዝመሃሩ ወተሃደራን ኣሜሪካን ደቡብ ኮርያን