ኣብ ግብጺ ሰለስተ ሰባት ብዕንቅርቢት ተነኺሶም ሞይቶም

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images
ኣብ ግብጺ ደቡባዊት ከተማ ኣስዋን፡ ከቢድ ማዕበል ናብ ጽርጋታትን መንበሪ ኣባይትን ዘምጸአን ዕንቅርቢታትን [ጥንቅርብዒታት] ሰለስተ ሰባት ነኺሰን ቀቲለን፡፡
ኣስታት 450 ሰባት እውን ብሕንዚ እተን ዕንቅርቢታትን ጉድኣት ከምዝበጸሖም ሓደ በዓል ስልጣን ጥዕና ሓቢሩ፡፡
እቲ ኣብ ጥቓ ሩባ ናይል ዝርከብ ከባቢ ብዓርቢ ብኸቢድ ኣውሎ ንፋስ ተጠቒዑ ነይሩ።
ኣብቲ ከባቢ ከቢድ ዝናብ እንትሃርም ኣብ ጽርጋታት በዝሒ ዘለዎም ጥንቅርብዒታትን ኣትማንን ተገሊፎም ምርኣይ ልሙድ እዩ፡፡
ኣብዚ እዋን ናብቶም ዝተጠቕዑ ከባቢታት ጸረ-ሕንዚ መድሃኒታት ብበዝሒ ከምዝተኸፋፈለ ሓደ በዓል መዚ ጥዕና ንወኪል ዜና ኣህራም ገሊጹ፡፡
ኣብ ምሃብ ክታበታት ተዋፊሮም ዝነበሩ ዶኳትር፡ ነቶም ብጥንቅርብዒታት ጉድኣት ዝበጸሖም ሰባት ናብ ምሕካም ክወፍሩ ከምዝተገበረ እቲ በዓል መዚ ወሲኹ ሓቢሩ፡፡
ነበርቲ በዝሒ ኣግራብ ካብ ዘለዎ ከባቢ ክርሕቑን ኣብ ገዝኦም ክጸንሑን ተነጊሩዎም ኣሎ፡፡
ግብጺ ካብተን ኣዝየን ቀተልቲ ዝኾና ዓሌታት፡ ሮጒድ ጭራ ዘለወን (ፋት-ተይልድ) እንቅርብዒታት ዝርከባላ ሃገር እያ።
ሕንዚ ናይተን ሮጒድ ጭራ ዘለወን ጸለምቲ ዕንቅርቢታት ሓደ ሰዓት ኣብ ዘይመልእ እዋን ክቐትል ይኽእል እዩ፡፡
ብዙሕ መንከስቲ ዘጋጠሞ ሰብ ጸገም ምትንፋስ፣ ምንቅጥቃጥ ጭዋዳን ዘይተለመደ ምንቅስቓስ ርእስን ዝኣመሰሉ ምልክታት ከርእይ ይኽእል እዩ፡፡
ኣብ እዋን መድሓኒት ጸረ-ሕንዚ ብምውሳድ በቲ ሕንዚ ዝስዕብ ሞት ምክልኻል ይከኣል እዩ፡፡










![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







