18 ዓመት ምስ ተመን ተሳንዮም ዝነበሩ ኢትዮጵያውያን ስድራ

ገበል

ምንጪ ስእሊ, MARVIN RECINOS

ቦትኡ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ‘ቦረና’ ኣብ ዝበሃል ዞባ ናይ ኦሮሚያ እዩ።

ኣብ’ዚ ዞባ ኣብ እትርከብ፡ “ድሬ” እትበሃል ቦታ ዝነብሩ ሰባት፡ ብዛዕባ ሓደ ዓሌት ተመን ክዛረቡ እንከለዉ፡ ከም መብዛሕትኡ ሰብ ብፍርሒ ኣይኮነን።

ብዛዕባ እንስሳ ዘቤት እምበር፡ ብዛዕባ እቲ ‘ሓደገኛን ዘፍርሕን’ እንስሳ ዝዛረቡ ዘለዉ ኣይመስሉን።

ደቂ ዓዲ ነቲ ተመን ‘ቡቲ’ እናበሉ እዮ ምዝጽውዕዎ።

“እዚ ቡቲ ዝበሃል መርዛም ተመን፡ ን 18 ዓመታት ኣብ መረባና ይነብር ኣሎ” ኢሉና ነባሪ ቦረና፡ ኣይተ ዱባ ዲዳ።

እዚ ተመን ሓደገኛ ከምዝኾነ እዩ ዝዛረብ። በዚ ተመን ዝተነኸሰ ሰብ፡ ናይ ምድሓን ዕድሉ ዝመንመነ እዩ ድማ ይብል ኣይተ ዱባ።

‘ኣሸምባይ ነኺሱኳስ፡ ትንፋሱ እንተረኺቡካ’ኳ ኣካልካ ይሓብጥ፡ ትሓምም’ ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ኣብ ዞባ ቦረና፡ ‘ሜልባና’ ኣብ እትበሃል ቁሸት ዝነብር እዚ ውልቀሰብ “እቲ ተመን፡ ብሰላም ኣብ መረባና ይነብር ኣሎ” እዩ ዝብል።

"ቅድሚ 18 ዓመት ኣቢልና ኢና ናብ’ዚ መጺእና። ኣብ’ዚ ካብ ዝሰፈርናሉ ግዜ ኣትሒዙ፡ ኣብ መረባና ይነብር ኣሎ። ናብ መረባና ይኣቱ ይወጽእ። ኣብ’ዚ ይውዕል ይሓድር። ምሳና ኣትዩ ይወጽእ” ኢሉ።

ኣይተ ዱባ ከምዝብሎ፡ ከም’ዚ ዝበለ መርዛም ተመን ናብ እንዳ ሰብ እንተኣትዩ ኣይቕተልን፡ ነውሪ እዩ።

ምኽንያቱ ድማ ተመን “ሕነ ፈዳዪ እዩ” ይብል ኣይተ ዱባ።

“ኣይንቐትልን፤ እንተቐቲልና፡ ንሰብ ከጥቅዕ እዩ፡ ሕነ ክፈዲ እዩ፡ ንኣብነት፡ ነቲ ኣብ መረባና ዘሎ ‘ቡቲ’ እንተቐቲልናዮ፡ ካልእ ‘ቡቲ’ መጺኡ ንሰብና ከጥቅዕ እዩ” ይብል ኣይተ ዱባ።

“ቅድሚ ሕዚ፡ ንሕና ከይረኣና፡ ኣናእሽቱ ደቅና ሓደ ‘ቡቲ’ ቀቲሎም ነይሮም፤ ድሕሪኡ፡ ንሓደ ተፊንና ቀቲሉልና” ብምባል፡ ን ‘ቡቲ’ ምቕታል መዘዝ ከምዘለዎ ይዛረብ።

እቲ ተመን፡ ን 18 ዓመት ኣብ መረበኦም ክነብር ከሎ፡ ተሳንዮም ከምዝነበሩን፡ ዝኾነ ፍርሕን ስግኣትን ከምዘይብሎምን እዩ ዝገልጽ።

“ዘስግእ የብልናን፡ ፈጣሪ እዩ ዝሕልወና” ይብል።

እቲ ኣብ መረበኦም ዘሎ ተመን፡ ረጒድን ንውሓቱ’ውን ክልተ እመት ከምዝኸውንን ኣይተ ዱባ ይዛረብ።