ትካል ጥዕና ዓለም፡ መንከስቲ ተመን ትኹረት ጥዕና ክኸዉን ኣለዎ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ትካል ጥዕና ዓለም ብመንከስቲ ተመን ዝበጽሕ ጸገም ጥዕና ትኹረት ክወሃቦ ይግባእ ኢሉ።
እቲ ትካል ምስ መንከስቲ ተመን ዝዛመዱ ዝተሓላለኹ ጸገማት ጥዕና ሸለል ክበሃሉ ኣይግባእን ኢሉ ኣጠንቂቑ።
ኩለን ሃገራት ድማ ምስ መጥቃዕቲ ተመን ተዛሚዱ ሓደ ዓይነት ስትራቴጂ ክኽተላ ዝገብር መምርሒ ሰነድ ኣዉጺኡ።
እዚ ስልጠናን ኣፋዉስን ብሕሳር ዋጋ ምቕራብ'ዉን ዝሓቁፍ'ዩ።
በብዓመቱ ኣብ ዓለም ልዕሊ 100 ሽሕ ሰባት ብመንከስቲ ተመን እንትሞቱ፡ ሓሙሽተ ኢድ እዚኦም ኣብ ኣፍሪቃ ከምዝኾኑ ይሕብር።
ከባቢ ፍርቂ ሚሊዮን ሰባት ምዕዋር ዓይኒ፣ ምቁሳልን ስንክልናን የጋጥሞም።
ኣብ ናይጀሪያ፡ በብዓመቲ ልዕሊ 10 ሽሕ ሰባት ብተመን ይንከሱ።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







