ናይጀርያ: ሓደ 57 ኣንስቲ ዝተመርዓወ ተኸታሊ ሰይጣናዊ እምነት ኣብ ሞተራ ዝተወልዐ መኪና ተቐቢሩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ናይጀርያዊ ሲሞን ኦዶ፡ "ንጉስ ሸይጣን" ብዝብል ዝፍለጥ ኮይኑ ተኸታሊ ሰይጣናዊ እምነት ኣብ መበል 74 ዓመት ዕድሚኡ ከምዝዓረፈ ወዱ ኡቼና ኦዶ ኣፍሊጡ። ስነ-ስርዓት ቀብሩ'ውን ፍልይ ብዝበለ ኣገባብ ሎሚ ተፈጺሙ'ሎ።
ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ሞተራ ዝተወልዐ መኪና ኣትዩ ከምዝተቐብረ ጸብጻባት ካብቲ ቦታ ሓቢሮም። ኣብታ ከም ሳንዱቕ ሬሳ ዘገልገለት መኪና፡ ዝፈትዋ ደርፊ ተወሊዓ ምንባራ'ውን ተፈሊጡ።
ኡቼና፡ ከቢድ ዝበሃል ሕማም ዘይሓመመ ኣቡኡ ትማሊ ሰሉስ 12 ታሕሳስ 2021 ንጉሆ ከምዝሞተ ኣብ ናይጀርያ ንዝርከብ ቢቢሲ - ኢግቦ ተዛሪቡ።
"ሞይቱ'ሎ" ክብል ብስልኪ ዝገለጸ ወዱ ኡቼና፡ "ስርዓተ ቀብሩ ክነፈጽም ንዳሎ ኣለና" ኢሉ ነይሩ።
ሳይመን ኦዶ ኣብ ናይጀርያ ካብ እትርከብ ኣጂ ዝተባሃለት ቁሸት ኮይኑ ኣብቲ ከባቢ ድማ ተፈላጢ ካህን ምንባሩ ይግለጽ።
ኣብ 2020 ምስ ቢቢሲ-ኢግቦ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕትት፡ 57 ኣንስቲ ከምዘለውዎ ብምግላጽ፡ ብዝሒ ደቁን ደቂደቁን ንምፍላጥ ከምዝጽገም ሓቢሩ ነይሩ።
ኣምልኾ ሸይጣን ካብ ወለዱን ኣያታቱን ከምዝወረሶ ዝተዛረበ ሳይመን፡ ሰባት ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሰባት ክፉእ ነገር ንኽፍጽሙ ሓገዝ ከምዘይገብረሎም ኣረዲኡ።
ኣብ ዝነብረሉ ከባቢ ብህላዊ መድሓኒታት ብምቕማም ዕውት ከምዝኾነ'ውን ንቢቢሲ ተዛሪቡ ነይሩ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







