ፍሉጥ ናይጀርያዊ ሰባኺ ቲቢ ጆሽዋ ኣብ መበል 57 ዓመቱ ዓሪፉ

ቲቢ ጆሽዋ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ሓደ ካብ ሞንጎ ጸለውቲ ዝበሃሉ ኣፍሪቃውያን ሰበኽቲ ወንጌል ዝነበረ ናይጀርያዊ ቲቢ ጆሽዋ ኣብ መበል 57 ዓመቱ ዓሪፉ።

ልዕሊ 5 ሚልዮን ኣብ ዘለውዎ ፌስቡኩ ዝተጠቀዐ መልእኽቲ “ኣምላኽ ንኣገልጋሊኡ ወሲዱ” ክብል ንሕልፈቱ ወግዓዊ ገይሩ።

ንሱ ብቐዳም ቀጥታዊ ናይ ቪድዮ ስብከት ካብ ዝፍንው ኣብ ውሽጢ ሓጺር ሰዓታት ከምዝሞተ ክግለጽ ከሎ፤ መንቀሊ ሞቱ ግን ወግዓዊ ኣይተገበረን።

ኣብ ስርዓተ ምፍናው ሬሳ ሰባኺ ቲቢ ጆሽዋ ከኣ ላዕለዎት መራሕቲ ኣፍሪቃ ዝርከብዎም ብዓሰርተታት ኣሽሓት ኣፍሪቃውያን ሰዓብቱ ክርከቡ ትጽቢት ይግበር።

እንተኾነ ገለ ዝህቦም ኣስተምህሮን ተግባራቱን ኣዘራረብቲ ምዃኖም ኣይተረፈን።

ኣብ ወርሒ ሚያዝያ፡ ዩትዩብ ንሓደ ናይ ቪድዮ መልእኽቱ ‘ናይ ጽልኢት ዘረባ’ ክብል ኣልይዎ ነይሩ። ነዚ ዝገበረሉ ምኽንያት ድማ ንሱ ንሕደ-ጾታውያን [‘ገይ’] ንምፍዋስ ብዝብል ጸሎት እንተካይድ ዘርእይ ቪድዮ ብምንባሩ’ዩ።

ፌስቡክ ብወገኑ ቲቢ ጆሽዋ ንሓንቲ ሰበይቲ ክጸፍዓ ከሎ ዘርእይ መልእኽቲ ኣልዒሉ ነይሩ። እቲ ሰባኺ ነቲ ተግባር ዝፈጸመሉ ምኽንያት “ሰይጣናዊ መንፈስ” ንምውጻእ ከምዝኾነ ሓቢሩ’ዩ።

ኣብዚ እዋን ብዙሓት ሰዓብቱ ብኦንላይን ሓዘኖም ኣብ ምግላጽ ይርከቡ።

ቲቢ ጆሽዋ መን ነይሩ?

ቴሚቶቤ ባሎጉን ጆሽዋ መስራቲ ቤተ-ጸሎት ‘ቸርች ኦፍ ኦል ኔሽንስ’ ነይሩ። ኣብ ናይጀርያ ስብከቶም ብቴሌቪዥን ካብ ሞንጎ ዝፍንዉ ፍሉጣት ሰበኽቲ ሓደ ዝነበረ ጆሽዋ ልክዕ ከምቶም ካልኦት ምርኡይ ወይ መብለጭለጪ ግን ኣይነበረን።

ኣብታ ዝዓበየት ከተማ ናይጀርያ ዝኾነት ሌጎስ ሰሙናዊ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝግመቱ ሰባት ኣብ ዝህቦ ኣገልግሎት ይዕደሙ ነይሮም።

ብፍላይ ኤች ኣይ ቪ/ኤይድስ ዝርከቦም ከበድቲ ሕማማት ከምዝፍውስ ብዘሕልፎም መልእኽትታት ቀልቢ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ዓለም ዝርከቡ ሰባት ክስሕብ ክኢሉ።

ብሰዓብቱ “ነብይ” ብዝብል ዝፍለጥ ኮይኑ ኢማኑኤል ቲቪ ዝተባሃለ ክርስትያናዊ መደበር ቴሌቪዥን ነይርዎ፤ ናብ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ኣሜሪካ፣ ብሪጣንያን ደቡብ ኣሜሪካን እናገሸ’ውን ይሰብኽ።

ኣብ 2014 ኣብ ቤተክርስትያኑ ብዘጋጠመ ምፍራስ ብዙሓት ደቡብ ኣፍሪቃውያን ዝርከብዎም 116 ሰባት ሞይቶም’ዮም።

ኣብ ናይጀርያ ዝርከብ ቤት ፍርዲ “እቲ ቤተ ክርስትያን ብገበን ዕሽሽታ ተሓታቲ እዩ” እንተበለ’ኳ ነቲ ሰባኺ ግን ዝቐረበሉ ዝኾነ ክሲ ኣይነበረን።