ኣብ 2100፡ 23 ሃገራት ብዝሒ ህዝበን ብፍርቂ ክንኪ ምዃኑ ሊቃውንቲ ኣፍሊጦም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መጠን ወሊድ ካብ እዋን ናብ እዋን ብዝገርም ናህሪ እናነከየ ምምጽኡ መጽናዕቲ ዘካየዱ ተመራመርቲ ገሊጾም።
እዚ ምንካይ መጠን ወሊድ ኣብ ውሽጢ 80 ዓመታት: ኣብዝሓ ሃገራት ብዝሒ ህዝበን ኣዝዩ ክጎድል ከምዝኽእል ተገሚቱ።
ንጃፓንን ስፐይንን ሓዊሱ፡ 23 ሃገራት ኣብ 2100 ብዝሒ ህዝበን ብፍርቂ ክጎድል ከምዝኽእል እቲ መጽናዕቲ ወሲኹ ሓቢሩ።
እዚ መጽናዕቲ፡ ቁጽሪ ህዝቢ ምንካይ ጥራሕ ኣይኮነን ዘርኢ። እዘን ሃገራት ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ብበዝሒ ከምዝህልውዎን'ውን ኣንፊቱ ።
እንታይ እዩ ኣጋጢሙ
መጠን ወሊድ ማለት፡ ማእከላይ ገምጋም ሓንቲ ሰበይቲ ኣብ ዕድሚኣ እትወልዶም ብዝሒ ህጻናት ማለት እዩ።
ኣብ 1950 [ብኣቆጻጽራ ኤውሮጳውያን] ሓንቲ ሰበይቲ ብማእከላይ 4.7 ቆልዑ ትወልድ ነይራ።
እዚ ኣሃዝ፡ ኣብ 2017 ናብ 2.4 ዝጎደለ ኾይኑ፡ ኣብ 2100 ግን እቲ ቁጽሪ ናብ 1.7 ክወርድ ከምዝኽእል እቲ ኣመት የርኢ።
ብዚ መሰረት፡ ኣብ 2064 ሓፈሻዊ ብዝሒ ህዝቢ ዓለምና 9.7 ዝጽጋዕ ኾይኑ፡ ኣብ ፈላማ 2100 ግን እቲ ቁጽሪ ናብ 8.8 ቢልዮን ትሕት ክብል ከምዝኽእል የመልክት።
ካብቶም ተመራመርቲ ሓደ ዝኾነ ፕሮፌሰር ክርስቶፈር መሪ፡ 'እዚ ተፍጥሮኣዊ ብዝሒ ህዝቢ ምንካይ እዩ' ኢሉ።
መጠን ወሊድ ንምንታይ ነክዩ? ኣየኖት ሃገራትከ ይጽለዋ?
ሓደ ዓብዪ ምኽንያት: ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ትምህርትን ስራሕን ስለዝተጸምዳ ምዃኑ ሰብ ሞያ ይዛረቡ።
ብተወሳኺ ድማ፡ ብዙሓት ኣማራጺታት መቆጻጸሪ ወሊድ ብምህላው፡ ደቂ ኣንስትዮ ሒደት ቆልዑ ክወልዳ ከምዝመርጻ እዩ ዝግለጽ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን 128 ሚልዮን ህዝቢ ዘለዋ ጃፓን፡ ድሕሪ 80 ዓመታት ብዝሒ ቁጽሪ ህዝባ፡ ብ53 ሚልዮን ክጎድል ከምዝኽእል ይግመት።
1.4 ቢልዮን ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ቻይና ብወገና፡ ድሕሪ ዓመታት ብዝሒ ቁጽሪ ህዝባ ብፍርቂ ነክዩ፡ 732 ሚልዮን ከምዝኸውን ይግመት።
ከምኡ ድማ፡ ጣልያን ኣብቲ ተመሳሳሊ እዋን፡ ካብቲ ሕዚ ዘሎ 61 ሚልዮን ናብ 28 ሚልዮን ትሕት ከምዝብል ተሓቢሩ ኣሎ።
ካብዚኣን ብተወሳኺ፡ ብዝሒ ቁጽሪ ህዝበን በተመሳሳሊ መጠን ክንኪ ዝኽእል 23 ሃገራት ኣለዋ።
ካብ መንጎኣን፡ ስፔን፣ ፖርቹጋል፣ ታይላንድ፣ ዓባይ ብሪጣንያን ደቡብ ኮሪያን ይርከበአን።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እንታይ ሓደጋ የስዕብ ይኸውን?
ርግጽ፡ ብዝሒ ህዝቢ ዓለም እናነከየ ምኻዱ ናብ ከባቢ ንብረት ኣየር ዝልቀቕ መጠን ጋዝ ካርቦን ክንኪ ምዃኑ እሙን እዩ።
ንሕርሻ ተባሂሉ ዝባድም መጠን መሬት'ውን ክንኪ እዩ።
እንተኾነ፡ ብዝሒ ህዝቢ ዓለም በቲ ዝግመት እናነከየ ምኻድ ብሓፈሽኡ ናይ ጥዕና ኣይኮነን።
ፕሮፌሰር መሪ ከምዝብሎ፡ ኣብ መጻኢ ዓሰርተ ዓመታት መጠን ወሊድ ብምንካዩ ሓፈሻዊ ቁጽሪ ህዝቢ ዓለም ክጎድል እዩ እንትበሃል ካልእ ኣብ ግምት ክኣቱ ዝግበኦ ሓደጋ ከምዘሎ ኣረዲኡ።
ምኽንያቱ፡ ቁጽሪ ህዝቢ ዓለም ነክዩ ማለት፤ ልዕሊ መናእሰይ ዓበይቲ ሰባት ኣለዉ መለት እዩ።
እዚ መጽናዕቲ ዘቕመጦ ትንበያ፡ ነዞም ዓበይቲ መን ይሕብሕቦም? መን ሰሪሑ ቀረጽ ይኸፍል? ዝብሉን ከልኦት ሕቶታትን ዘልዕል እዩ።
እንታይ ፍታሕ ኣሎ?
ከም በዓል ዩናይትድ ኪንግደም ዝኣመሰላ ሃገራት ሓደ ፍታሕ ስደተኛታት ብበዝሒ ምቕባል እዩ።
እንተኾነ፡ እዚ ነቲ ዓለማዊ ጸገም ዘለቒ ፍትሕ ስለምዃኑ ሕቶ ይዝለዓሎ እዩ።
ካልኦት ሃገራት ድማ፡ ንዝወልዱ ስድራታት የበራታትዑ ኣለዉ።
ተወሳኺ ፍቓድን ምሃብን ገንዘብ ምኽፋልን ዝጀመሩ ኣለዉ።
እንተኾነ፡ ናይዚ ተግባር ውጽኢት ሕዚ ኣይፍለጥን ተባሂሉ።
ኣብ ኣፍሪቃኸ?
ካብዚ ዓለማዊ ስግኣት ብተቓራኒ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ድሕሪ 80 ዓመታት እቲ ብዝሒ ህዝቢ ከምዝውስኽ እዩ ዝግመት።
ብፍላይ ትሕቲ ሳህራ ኣፍሪቃ፡ኣብ 2100 ብዝሒ ህዝቢ ካብቲ ሕዚ ዘሎ ብሰለስተ ዕጽፊ ክውስኽ እዩ ተባሂሉ።
ብዚ መሰረት፡ ንኣብነት ብዝሒ ህዝቢ ናይጀርያ፡ ድሕሪ 80 ዓመታት 791 ሚልዮን ህዝቢ ከምዝነብረላን፡ ብበዝሒ ህዝቢ ካብ ዓለም ካልአይቲ ከምእትኸውን እዩ ዝግመት።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







