ኣብ ጂቡቲ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ምውሳኹ፡ ንክልል ዓፋር ስግኣት ከምዝኾነ ተገሊፁ

ዶብ ጁቡቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ምክትል ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ክልል ዓፋር ኣይተ ያሲን ሓቢብ ንቢቢሲ ከምዝገለፆ፡ " ኣብ ጂቡቲ ብዙሓት ሰባት በቲ ቫይረስ ስለዝተለኸፉ፡ እቲ ክልል ኣብ ከቢድ ስግኣት ወዲቑ'ሎ። ኣብ ህዝቢ እቲ ክልል ተመሳሳሊ ባህልን ኣነባብራን ስለዘሎ፡ እቲ ለበዳ ዶብ ክሰግረሉ ዝኽእል ዕድል ሰፊሕ እዩ " ኢሉ።

ዛጊድ፡ ኣብታ ሓደ ሚልዮን ዘይመልእ ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ጂቡቲ፡ ልዕሊ 1100 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ዝተታሕዙ እንትኾኑ፤ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እቲ ኣሃዝ ክውስኽ ከምዝኽእል፡ ጸብጻባት መንግስቲ እታ ሃገር ይሕብሩ።

ኢትዮጵያ ንኣታውን ሰደድን ንግዳ፡ ብቐንዱ ወደብ ጂቡቲ እያ ትጥቀም፤ ንክልቲአን ሃገራት ዘራኽብ መስመር ድማ ብክልል ዓፋር እዩ ዝሓልፍ።

ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ካብ ጂቡቲ ናብ ኢትዮጵያ ዝኣተዉ 510 ሰባት፡ ኣብ ክልል ዓፋር ኣብ ዝተዳለዉ መወሸቢ ማእኸላት ከምዝርከቡ ድማ እቲ ሓላፊ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ትማሊ ጥራሕ "ብዝተፈላለዩ መገድታት ካብ ጂቡቲ ናብቲ ክልል ዝኣተዉ 130 ሰባት ኣለዉ። እዚ ኣሃዝ ብዘይካ እቶም ኣብ መወሸቢ ማእኸላት ዝርከቡ 485 ተወሸብቲ እዩ። ቁፅሪ ካብታ ሃገር ዝመፅኡ ሰባት ይውስኽ እዩ ዘሎ" ኢሉ ኣይተ ያሲን።

ካብ ጂቡቲ ተመሊሶም ኣብ መወሸቢ ማእኸላት ናይ ዝርከቡን ገዛ ገዛ ኣብ ዝተገበረን ዳህሳስ፡ 296 ቅምሶታት ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝተልኣኹ ዝሓበረ እቲ ሓላፊ፡ ናይቶም 273 ውፅኢት ናፃ እንትኸውን፡ ናይቶም ዝተረፉ ውፅኢት ድማ ይፅበዩ ከምዘለዉ ሓቢሩ።

ኣብቲ ክልል ዛጊድ ሓደ ሰብ ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዘ እንትኸውን፡ ኣብ ገዋኔ ይነብር ምስ ዝነበረ ውልቀሰብ ርክብ ዝነበራ ካልኣይቲ ግና፡ ብዝተገበረላ ምርመራ ካብቲ ቫይረስ ናፃ ተባሂላ እያ።

ካብ ጂቡቲ ናብ ክልል ዓፋር ዝመፅኡ ሰባት፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሰመራ ክውሸቡ ብምግባር፡ ቁፅሮም እንትበዝሕ ቅምሰኦም ናብ ኣዲስ ኣበባ ይለኣኽ ከምዝነበረ እቲ ሓላፊ ገሊፁ።

"ውፅኢት እቲ ምርመራ ንምፅባይ ግዘ ይወስድ ነይሩ። እቲ ውፅኢት ኣብ 24 ሰዓታት ወይ ድማ ኣብ ክልተ መዓልቲ ይመፅእ። ይኹን'ምበር ናብ ዝተፈላለዩ ቤተ-ፈተነታት ስለዝልኣኹ፡ ናይቲ ዝተልኣኸ ውፅኢት ብሓደ ኣይመፅእን" ክብል እቲ ዘሎ ኣሰራርሓ እንታይ ከምዝመስል ኣብሪሁ።

ነዚ ፀገም ንምፍታሕ ድማ፡ መንግስቲ እቲ ክልል ምስ ሚኒስቴር ጥዕናን መንግስቲ ፌደራልን ብምትሕብባር ዘዳለዎ ቤተ-ፈተነ፡ ሎሚ ስራሕ ከምዝጀመረ ዝገለፀ ኣይተ ያሲን፡ "ነቲ ህዝቢ ዓቢ እፎይታ እዩ" ኢሉ።

ኣብ ከተማ ሰመራ፡ ኣብ ኢንስቲትዩት ጥዕና ዓፋር ዝርከብ ቤተ-ፈተነ ኣብ መዓልቲ "ካብ 160 ክሳብ 200" ቅምሶታት ክምርምር ከምዝኽእል ድማ ሓቢሩ።

እቲ ክልል ገዛ ንገዛ ኣስተምህሮ ብምሃብ ስራሕቲ ምፍላይ እውን የካይድ ከምዘሎ ዝገለፀ እቲ ሓላፊ፡ ዛጊድ ኣብ ልዕሊ 29,578 ዳህሳስ ከምዝተገበረን፡ ረስንን ካልኦት ምልክታት ዘለዎም ድማ ይፍለዩ ከምዘለዉ ሓቢሩ።

"ዋላ'ኳ ሰባት ሓበሬታ እንተለዎም፡ ኣብ ምጥንቃቕ ግና ሕዚ እውን ግድፈት ኣሎ። ኣቦታት ሃይማኖትን ሽማግለታት ዓድን፡ ይረባረቡ እዮም ዘለዉ። ኣብ መሳጊድ ፀሎት የለን፡ 'እዝን' ጥራሕ እዩ ዘሎ። ለውጢ ኣሎ እዩ፡ ግና ብዙሕ ስራሕ እዩ ዝተርፈና" ኢሉ።

ኣብቲ ክልል ብግዱድ ምውሻብ ን 14 መዓልታት ዝፀንሑ 143 ሰባት፡ ምርመራ ኮሮናቫይረስ ተገይርሎም ናፃ ብምዃኖም፡ ናብ መረበቶም ከምዝተመለሱ ድማ ኣይተ ያሲን ሓቢሩ።

ኮሮና