ውድብ ጥዕና ዓለም 'ኣፍሪቃ ማእከል ለበዳ ኮቪድ-19 ክትከውን ትኽእል'ያ'

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ውድብ ጥዕና ዓለም "ኣፍሪቃ እታ እትቅጽል ማእከል ለበዳ ኮቪድ-19 ክትከውን ትኽእል'ያ" ክብል ኣጠንቒቑ።
ኣብ ዝሓለፈት ሰሙን፡ ኣብታ ኣህጉር ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ብዙሕ ከምዝነበረ ይፍለጥ።
ክሳብ ሕጂ ኣብ ኣፍሪቃ ኣስታት 19 ሽሕ ሰባት ብኮሮናቫይረስ ክልከፉ እንከለዉ፡ ዛጊት ሞት ኣስታት 1000 ሰባት ድማ ተመዝጊቡ'ሎ።
እዚ ቁጽሪ ምስ ሃገራት ኣውሮጳን ኣሜሪካን ብምንጽጻር ውሑድ እኳ እንተኾነ ዘዛኒ ግን ኣይኮነን።
እዚ ሕማም ዝያዳ ኣብተን ርእሰ ከተማታት ከም ዝርከብ ዝሓበረ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ እዛ ኣህጉር ነዚ ሕማም ከመክት ዝኽእል እኹል ' መካኒካል ቬንትለተር' ከምዘይብላ ጠቒሱ።
ኣብ ኣፍሪቃ ዘሎ ኩነታት ክሳብ ክንደይ ኣሰካፊ'ዩ?
ኣብዛ 1.3 ቢልዮን ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ኣፍሪቃ፡ ክሳብ ሕጂ ኣስታይ 19 ሽሕ ሰባት ብኮሮናቫይረስ ክልከፉ እንከለዉ፡ ዛጊት ሞት ኣስታት 1000 ሰባት ድማ ተመዝጊቡ'ሎ።
ሰሜን ኣፍሪቃ እቲ ቀንዲ ተሃስዩ ዘሎ ክፋል ኣዛ ኣህጉር ኮይኑ፡ ኣልጄራያ፡ ግብጽን ሞሮኮን ነብሲ ወከፈን ልዕሊ 2000 ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ክህልውወን እንከለዉ ነብሲ ወከፈን ኣስታት 100 ሞት ተመዝጊበን ኣሎ።
ኣልጀርያ ጥራይ 348 ሞት ኣመዝጊባ ኣላ።
ኣብ ካልእ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ልዕሊ 2000 ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ክህልውዋ እንከለዉ 48 ድማ ሞይቶማ፡ እታ 200 ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ናይጀርያን ብዝሒ ብኮሮናቫይረስ ዝተተሓዝዋ 442 ክበጽሕ እንከሎ 13 ድማ ሞይቶማ።
ምስ ኣውሮጳን ኣሜሪካን ብምውድዳር ንምንታይ'ዩ ኣብ ኣፍሪቃ ውሒዱ
ኣብ ኣፍሪቃ ሓላፊት ውድብ ጥዕና ዓለም ዝኾነት ዶክተር ማቲሺዲሶ ሞቲ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ውሑዳት ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉሉ ምክንያት ክኸውን ዝኽእል፡ ዋሕዲ መገሻ ምኳኑ'ያ ትሕብር።
"ብተዘማዲ ክንሪእዮ እንከለና ህዝቢ ኣፍሪቃ ዓለማዊ መገሻታት ኣየዘውትርን'ዩ፡ በዚ መንጽር ክንርእዮ እንከለና እቲ ቁጽሪ ክውሕድ ባህርያዊ'ዩ" ትብል።
ዶክተር ማቲሺዲሶ ሞቲ፡ ሕጂ ግን እቲ ሕማም ኣብ ውሽጢ ኣፍሪቃ ስለዘሎ፡ ከምቲ ኣብ ካልእ ዘርኣዮ መጠን ዝርገሐ ክላባዕ ከምዝኽእል ብምሕባር፡ ትካሎም ነዚ ኣብ ግምት ኣእትዩ ይሰርሕ ምህላዉ ሓቢራ።
ዶክተር ማቲሺዲሶ ሞቲ፡ እቲ ቫይረስ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ሃገራት ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ናይጀርያ፡ ኣይቮሪኮስት፡ ካሜሮንን ጋናን ካብ ርእሰ ከተማታትን ዓበይቲ ከተማታትን እናተበገሰ ናብ ካልእ ቦታታት ይልሕም ምህላዉ ሓቢራ።
ኣብ 15 ሃገራት ኣፍሪቃ እዚ ቫይረስ ብዙሕ ከምይተዘርገሐ እትሕብር ዶክተር ማቲሺዲሶ ሞቲ፡ እዘን ሃገራት ንህዝበን ኣካላዊ ምርሕሓቅ ከምዘዘውትር እንተገይረነኦ ክቆጻጸረኦ ከምዝኽእላ ሓቢራ።
ውድብ ጥዕና ዓለም ዝገበሮ መጽናዕቲ ከምዘርእዮ፡ ኣብዛ ኣህጉር ኣብ ዝመጽእ 3-6 ኣዋርሒ 10 ሚልዮን ሰባት በዚ ቫይረስ ክልከፉ ከምዝኽእሉ ብምሕባር ነብሲ ወከፍ ሃገርን ትካላት ጥዕናን ዝወስደኦ ተበግሶታት ነቲ ቁጽሪ ከጉድሎ ከምዝኽእል'ውን እቲ ጸብጻብ ይጠቅስ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እዚ ቫይረስ ኣብ ኣፍሪቃ እንተተላቢዑ እንታይ'ዩ ክስዕብ ዝኽእል?
ክኢላታት ጥዕና፡ ኮሮናቫይረስ ኣብ ኣፍሪቃ እንተተላቢዑ፡ ካብቲ ኣብ ሃገራት ኣወሮጳን ኣሜሪካን ዘኸተሎ ዕንወት፡ ኣብዛ ኣህጉር ዝኸፈአ ነገር ክኽሰት ከም ዝክእል'ዮም ዝገልጹ።
ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኣብ መብዛሕትአን ሃገራት ኣፍሪቃ ንሓደ ሚልዮን ሰብ ሓሙሽተ ንጽኑዕ ክንክን ዘድልዮም ሕሙኣት ኩሉ ዘማልእ ዓራት ከምዘሎ ብምሕባር፡ ኣብ ኣውሮጳ ግን ንሓደ ሚልዮን ሰባት 4000 ተመሳሳሊ ዓራት ከምዘሎ ብምጥቃስ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ዘሎ ሕጽረት የብርህ።
ኣብ ኣፍሪቃ ሓላፊት ውድብ ጥዕና ዓለም ዝኾነት ዶክተር ማቲሺዲሶ ሞቲ፡ ኣፍሪቃ ንሕጽረት ትሕተ ቅርጺ ሕክምና ኣብ ግምት ኣእትዩ፡ ሃገራት ኣፍሪቃ ንዝሓምሙ ከሐክም ዝኽእል ዓቅሚ ስለዘይብለን፡ ዝያዳ ኣብ ምክልኻል እዚ ሕማም ክሰርሓ ከምዘተባብዑ ትሕብር።
"ዕላማና ቁጽሪ ተወጺዖም ጽኑዕ ክምንክን ዘድልዮም ሰባት ምውሓድ'ዩ፡ ምኽንያቱ ሃገራት ኣፍሪቃ እቲ ቀንዲ ዘሸግረን ዘሎ ዋሕዲ ቬንትለተር'ዩ" ከኣ ትብል።
ኣብ ኣፍሪቃ እቲ ዝያዳ ሻቅሎት ዝፈጥር፡ እዚ ሕማም ኣብቲ ሰብ ብጻዕቂ ዝነብሮ ኣካላዊ ምርሕሓቅ ተገባራዊ ዘይኮነሉ ቦታታት ከይእቱ'ሞ፡ እቶም እኩል ቀርብ ማይን ሳምናን ዘይብሎም ግዳያት ከይኮኑ'ዩ።
ንምንታይ'ዩ 'ቬንትለተር' ክሳብ ክንድ'ዚ ኣገዳሲ ኮይኑ?
ብኮቪድ-19 ዝተተሓዘ ሰብ ኣብ ዝኸፈአ ደረጃ እንተበጺሑ፡ ቬንትሌተር እታ ህይወት ክትዘርኣሉ እትኽእል መሳርሒ'ያ።
እዞም ሕሙማት ምስትንፋስ ኣብ ዝጽገሙሉ እዛ ማሽን (ቬንትለተር ) ናብ ውሽጢ ሳምብኦም ኦክስጅን ተብጽሕን፡ ካብ ውሽቲ ሳንብኦም ካርቦን ዳይኦክሳይድ ተውጽእን።
ኣብ ኣፍሪቃ እቲ ናይ መጀመርያ ብኮሮናቫይረስ ዝሰዓበ ሞት ኣብ ወርሒ መጋቢት ኣብ ዙምባቤ'ዩ ተመዝጊቡ።
ሞት ጋዜጤኛ ዛሮሮ ማካምባ፡ ጠንቂ ሞቱ ከኣ ኣብቲ ንሱ ተዓቒብሉ ዝነበር ሆስፒታል 'ቬንትለተር' ስለዘይነበረ ከምዝኾነ ሰብ መዚ ናይቲ ኣብ ሃራሬ ዝርከብ ሆስፒታል ሓቢሮም።
ክሳብ ዝኾነ ዘኸውን ደኣ እንታይ'ዩ ዝግበሮ?
ኣብ ኣፍሪቃ ሓላፊት ውድብ ጥዕና ዓለም ዝኾነት ዶክተር ማቲሺዲሶ ሞቲ ሃገራት ከገብረኦ ኣለወን ዝበለቶ ወስ ከነብለልኩም፡
- ኣካላዊ ምርሕሓቅ ወይ'ውን ዕጽዋ
- ንጥርጡራት ምርካብ
- ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ቀልቲፍካ ምፍላጥ
- ንጡርጡራት ምፍላይን ምውሻብን
ክሳብ ሕጂኸ እንታይ ዝተገብረ ነገር ኣሎ?
ሓያሎ ሃገራት ህዝበን ካብ ገዛ ከይወጽእ ኣዊጀን ኣለዋ።
ኣብ ገለ ሃገራት'ውን ኣብያት ትምህርቲ ናብ ኣብያተ ህክምና ተቀይሩ ከም መፍለይን መወሸብም ኮይኑ የገልግል ኣሎ።
ፋብሪካታት ዓለባ፡ ኣብ ምፍራይ ማስክ፡ ካልእ መከላኻለን ተጸሚደን ኣለዋ።
ውድብ መግቢ ዓለም ካብዚ መጀመርታ እዚ ሰሙን ጀሚሩ፡ ኣዝዮ። መሰረታውያን ነገራት ናይ ምዕዳል መስርሕ ጀሚሩ ኣሎ።
እቲ ዝመጽአ ሓገዝ፡ ሓደ ሚልዮን ማስክ፡ ኣገደስቲ ናይ መከላኸሊ ኣቁሑን ቬንትለተራትን ይርከቦ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







