ኣየኖት ሃገራት እየን ዝበዝሑ ስደተኛታት ዘለዉወን?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብዚ እዋን ጉዳይ ስደተኛታት ኣዛራራብን ፈላላይን'ዩ ኮይኑ ዘሎ። እንተኾነ ገለ ካብ ሓቕታት ዋሕዚ ስደተኛታት ዘገርም እዩ።
ንምኻኑ 4 ሚእታዊት ካብ ህዝቢ እዛ ዓለም ካብ መቦቆል ዓዶም ወጽዮም ከም ዝነብሩ ትፈልጡዶ?
"ብዛዕባ ስደተኛኣተት ዝዝረብ ሓደ ነገር ኮይኑ፡ እቲ ቅጽሪ ግን ካልእ ዛንታ እዩ ዝነግር" ክኢላ ስነ ህዝቢ ጊልስ ፒሶን ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት ካብ ዝበሎ እዩ።
ጊልስ ፒሶን ብተወሳኺ፡ ኣብ ስደተኛታት ዘለና ኣረኣእያን ካብቲ ብዛዕባ ዋሕዙ ስተደተኛታ ዘለና ግንዛብ ዝተፈለየ እዩ ይብል።
ከም ኣብነት ክኣ ነቲ ኣብ 2015 ኣብ ኣውሮጳ ብሰንኪ ካብ ሶርያ ዝመጹ ስደተኛታት ዝተኸሰተ ቅልውላው የቕርብ።
" እቶም ኣብ 2015 ብሰንኪ ኩናት ሓድሕድ ካብ ማእከላይ ምብራቕ ናብ አውሮፓ ዝኣተዉ ስደተኛታት፡ ዋላ'ኳ ቁጽሮም ወሑድ ኣይኹን፡ ኣብቲ ሓፈሻዊ ዓለማዊ ቁጽሪ ስደተኛታት ግን ጽልዋ ዝነበሮም ኣይኮኑን" ይብል ጊልስ ፒሶን።
"ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ 2017 ኣብ ዝገበሮ መጽናዕቲ ኣስታት 258 ሚልዮን ስደተኛታት ከም ዘለዉ እዩ ሓቢሩ፡ እዚ ቁጽሪ'ዚ ከኣ 3.4 ሚእታዊት ካብ ብዝሒ ህዝቢ ዓለም ጥራይ እዩ"
"ኣብ 1990 2.9 ሚእታዊት፡ ኣብ 1965፡ 2.3 ሚእታዊት ካብ ብዝሒ ህዝቢ ዓለም ኣብ ስደት ይነብሩ ነይሮም፡ ድሕሪ ሳለሳ ዓመት ናብ 3.4 ሚእታዊት ክብ ምባሉ ዝጋነን ቁጽሪ ኣይኮን" ይውስኽ ጊልስ ፒሶን።
ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ እታ ዝብዝሑ ስደተኛታት ዝነብሩላ ሃገር ኮይና ኣብታ ሃገር 49.8 ሚልዮን ስደተኛታት ኣለዉ። ምስ ብዝሒ ህዝባ ብምንጽጻር ክኣ 15 ሚእታዊት ይውክሉ።
ምስ ብዝሒ ህዝበን ብምንጽጻር ምስ እንሪኦ ግን ሕቡራት ኢማራት ኣብ ቅድሚት ትስራዕ፡ ኣብታ ሃገር ካብ ዝነብሩ እቶም 88 ሚእታዊት ስደተኛታት እዮም።
ሓዲሽ ተርእዮታት
እዚ መጽናእቲ፡ ዝርገሐ ስደተኛታት ካብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ይቕየር ከም ዘሎ የርኢ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተታተ ዓመት ካብተን ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ዝርከባ ሃገራት ናብተን ኣብ ደቡባዊ ሸንኽ እዛ ዓለም ዝርከባ ድኻታት ሃገራት ምስዳድ ንቡር እዩ ነይሩ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን ይብል ጊልስ ፒሶን፡ እዚ ተሪፉ ሰባት ካብ ደቡብ ናብ ደቡብ፡ ካብ ዘይማዕበላ ናብ ዘይማዕበላ ሃገራት ይስደዱ ብምህላዎም፡ እዚ ናይ 2017 መጽናዕቲ እቲ ካብ ድኻታት ናብ ሃብታማት ዝግብር ስደት ከም ዝጎደለ የብርህ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ካብ ኣውሮጳ፡ ስዊዘርላንድ፡ ብርጣንያን እስጳኛን ጥራይ'የን ምስተን ዝበዝሐ ስደተኛታት ዘለዉወን ዓሰርተ ሃገራት ዝርከባ።
እስጳኛውያን ክሳብ 1980ታት ዝስደዱ ዝነበሩ ህዝቢ እዮም፡ ሕጂ ግን ካብ ጠቅላላ ብዝሒ ህዝቢ እታ ሃገር እቲ 13 ሚእታዊት ስደተኛ እዩ፡ እዚ ቅጽሪ እዚ ከኣ ምስ ኣሜሪካ ሒዛቶም ዘላ ስደተኛታት ብሚእታዊት ዝወዳደር እዩ" ይብል ጊልስ ፒሶን።
እቶም ብብዝሒ ዝስደዱኸ መን እዮም?
ኣብዚ ቅጽሪ እዚ ህንዲ ኣብ ቅድሚት ትስራዕ፡ 16 ሚልዮን ህንዳውያን ተሰዲዶም ይነብሩ፡ እዚ ቅጽሪ እዚ ምስ ብዝሒ ህዝቢ ህንዲ ብምንጽጻር ልዕሊ 1 ሚእታዊት ይውክል።
ንህንዲ ስዒባ ብ12.5 ሚልዮን ሜክሲኮ ኣብ ካልኣይ ትስራዕ እዚ ማለት ሓደ ካብ ዓሰርተ ሜክሲካውያን ኣብ ስደት ይነብር ከም ዘሎ የርኢ።
ንሃገራት፡ ምስ ብዝሒ ህዝበን ብምንጽጻር ምስ እንሪኦ ግን እቲ ስእሊ ካልእ እዩ።
እታ ዝብዝሑ ህዝባ ኣብ ስደት ዝርከቡ ሃገር ቦዝንያ ሄርዞጎቪንያ ኮይና፡ ካብ ጠቅላላ ብዝሒ ህዝቢ እታ ሃገር፡ እቲ 45 ሚእታዊት ኣብ ስደት ይርከብ።
"ዕላማ እዚ መጽናዕቲ፡ ሓደ ዓቢ ስእልን ዝተፈለየ ኩርናዕ ስደተኛታት ንምርኣይ'ምበር፡ ሃገራት ኣብ ኣተሓሕዛ ጉዳእ ስደተኛታት ዝክተለኦ ፖሊሲ ንምቅያር ኣይኮነን" ይብል ጊልስ ፒሶን።
" ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት፡ ጉዳይ ስደተኛታት ኣሻቃሊ ኮይኑ ኢና ንረኽቦ፡ እዚ ቁጽሪ ግን ብዙሕ ካብ ሓቂ ዝርሓቐ ፍርሒ ከም ዘሎ እዩ ዘርኢ"









![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)



