ናይጀርያ፡ ዶካትር ብዘካየድዎ ዕውት ሕክምና ተላጊበን ዝተወለዳ መናቱ ተፈላልየን

ምንጪ ስእሊ, Emmanuel Ameh
ኣብ ናይጀርያ ካብ ዝውለዳ ጀሚረን ንሓደ ዓመት ተላጊበን ዝጸንሓ መናቱ፡ ሓካይም ናይታ ሃገር ብዘካየድዎ ዕውት መጥባሕቲ ተፈላልየን።
እተን መናቱ ጉድነስን መርሲን ይበሃላ። ክውለዳ እንከለዋ ኣፍልበንን ከብደንን ተላጊቡ ነይሩ። ንሓደ ዓመት ድማ ተላጊበን ጸኒሐን።
ነቲ ብናይጀርያውያን ሰብ ሞያ ሕክምና ዝተመርሐ መጥባሕቲ ዝመርሐ ዶክተር ኢማኑኤል ኣሜህ፡ እተን ብሕክምና ዝተፈለያ መናቱ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከምዝርከባ ተዛሪቡ።
እቲ 12 ሰዓታት ከምዝወሰደ ዝተዘርበሉ መጥባሕቲ፡ ኣስታት 55 ሽሕ ዶላር ወጻኢ ከምዝተገበረሉን ኣዝዩ ሕልኽላኽ ዝበዝሖ ምንባሩን ተገሊጹ።
ኣብ ክልተ ጉጅለ ዝተመቐሉ 78 ዶካትር እንተተሳተፉሉ'ኳ ወለዲ እተን መናቱ ዓቕሚ ስለዘይብሎም ግን እቲ ሆስፒታል ክፍሊት ኣይሓተተን።
ተሞክሮ 11 መናቱ
ኣብ ወርሒ ሓምለ 2018 ምስተወለዳ፡ ኣቦን ኣደን ሒዞምወን ኣብ ዋና ከተማ ናይጀርያ-ኣቡጃ ናብ ዝርከብ ሆስፒታል ወሲዶምወን ነይሮም።
እንተኾነ እቲ ሕክምና መጥባሕቲ ኣብቲ ሽዑ ዝነበራሉ ኩነታት ጥዕና ከካይዱ ከምዘይኽእል ዶካትር ሓቢሮምሎም።
ንዝሓለፉ 15 ኣዋርሕ ብመንግስቲ ኣብ ዝውነን ሆስፒታል ክትትል ክግበረለን ብምጽንሑ ናብ ጽቡቕ ኩነታት ጥዕና ክምለሳ ክኢለን። ብመጥባሕቲ ክፈላለያ ኣብ ዝኽእላሉ ደራጃ ከምዘለዋ'ውን ተረጋጊጹ።

እቲ ሆስፒታል ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ 20 ዓመታት ከባቢ 11 ተላጊቦም ዝተወለዱ መናቱ ክፈላለዩ ገይሩ'ዩ። ኩሎም ግን ኣብ ከባቢ ከብዶም ጥራይ ዝተላገቡ እዮም ነይሮም።
ሜዲካል ዳይሬክተር ሆስፒታል ናሽናል - ኣቡጃ ዝኾነ ጄፍ ሞሞህ ከምዝበሎ፡ እቲ ናይዘን መናቱ ሕክምና መጥባሕቲ ፍልይ ዘብሎ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ከባቢ ታሕተዋይ ክፋል ኣፍልቢ፣ ጸላም ከብዲን ዳያፍራምን [ንልብን ሳምቡእን ካብ ከሰዐ መዓናጡ ዝፈሊ ሽፋን] ዝተኻየደ ብምንባሩ እዩ።
ኣቦ ናይተን መናቱ ማርቲንስ፡ ደቁ ብህይወት እሞ ድማ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ጥዕና ኮይነን ብምርኣዩ ከምዘሕጎሶ ተዛሪቡ።
ኣዲአን ብወገና ነቲ ሕክምና ንዘካየዱ ዶካትርን ንልግስና ኣባላት እቲ ሆስፒታል ንምምስጋን ቃላት ከምዝሓጽራ ገሊጻ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







